እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቢንያም ግርማይን እቲ ንኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ 'ዝተዓጽወ' ኣፍ ደገ ኤውሮጳን
ኣብ ዙር ፈረንሳ 2026 ካብ መላእ ኣፍሪቃ ቢንያም ግርማይ ጥራይ ተሳታፊ ምዃኑ፡ እቲ ንኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ 'ዝተዓጽወ' ኣፍ ደገ ኤውሮጳ ገና ብሰፊሑ ከም ዘይተራሕወ ዘርኢ እዩ። ይዅን'ምበር፡ እቲ ኣብ ታሪኽ ኣፍሪቃ ዝለዓለ ክብሪ ዝተጐናጸፈ ቢንያም፡ ነቲ ብዓበይቲ ተቐዳደምቲ ዝተጀመረ ጕዕዞ ብምቕጻል ንመጻኢ ወለዶ ኣፍሪቃ መንገዲ ዝጸርግ ኰይኑ ይርከብ።
ዓመተ 2026 ዙር ፈረንሳ ቀዳም 4 ሓምለ ኣብ ከተማ ባርሴሎና ብናይ ጋንታ ውድድር ግዜ መጋረጃኡ ክቕንጥጥ ከሎ፡ ሓደ ዘደንጹ ሓቂ ተጋሂዱ ነይሩ።
ኣብቲ ዝርዝር 184 ተቐዳደምቲ፡ ካብ መላእ ኣፍሪቃ ዝተሳተፈ ሓደ ተቐዳዳሚ ጥራይ እዩ፤ ንሱ ድማ ኣባል ጋንታ ኤን-ኤስ-ኤን ወዲ 26 ዓመት ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ እዩ።
እዚ ኣሃዝ እዚ፡ ስለምንታይ እዩ ኣፍሪቃዊ ተውህቦ ኣብቲ ዝለዓለ ደረጃ ስፖርት ብሽክለታ ዓለም ብኸምዚ ዝበለ ትሑት መጠን ተወኪሉ ዘሎ? ዝብል ዓሚቝ ሕቶ የልዕል።
ቢንያም ግርማይ ዛጊት ኣብዚ ዓመት'ዚ ናይ መድረኽ ዓወት እኳ እንተ ዘየመዝገበ፡ ድሕሪ 19 መድረኻት ግና ኣብ ናይ ነጥቢ ደረጃ ሳልሳይ ኰይኑ ይርከብ። እዚ ጽንዓቱ ድማ ነቲ ኣብ ታሪኽ ኣፍሪቃ ካብ ዘመዝገብዎም ብሉጻት ተቐዳደምቲ ሓደ ምዃኑ ዘመስክር እዩ።
እቶም ኣብ ታሪኽ ኣፍሪቃ ዝለዓለ ክብሪ ዝተጐናጸፉ ሓሙሽተ ተቐዳደምቲ
ቢንያም ግርማይ ሓደ ካብቶም ብሉጻት ምዃኑ ዘተሓታትት እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሩ ተሓላቒ ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ጀረሚ ፎርድ ምስኡ ኣብዚ ናይ ክብሪ መዝገብ ዝስለፉ ዝዘርዘሮም ኣርባዕተ ተቐዳደምቲ እዞም ዝስዕቡ እዮም፤
1. ቢንያም ግርማይ (ኤርትራ)
ቢንያም ኣብ 2024 ሰለስተ መድረኻት ዙር ፈረንሳ ብምዕዋትን ታሪኻዊት ቀጠልያ ማልያ ብምልባስን፡ ስሙ ኣብ መዝገብ ክብሪ እቲ ውድድር ብወርቃዊ ፊደላት ጽሒፉ እዩ።
ይዅን'ምበር፡ እቲ መስተንክር ዓወታቱ ካብኡ ንላዕሊ ዝዓሞቘ እዩ።
ቢንያም ኣብ 2022 ኣብ ዙር ኢጣልያ ኣብ ዓስራይ መድረኽ ብምዕዋት፡ ኣብ ሓደ ካብቶም ሰለስተ ዓበይቲ ዙራት ዓለም መድረኽ ዝዓተረ ቀዳማይ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ብምዃን ሓድሽ ታሪኽ ሰሪሑ እዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ጽንኵር ኵነታት ኣየርን ጸቢብ ጐደናታትን ዝፍለጥ ውድድር 'ክላሲክ' ጀንት-ወቨልገም ብምዕዋት፡ ንዓለም ዘገረመ ዓመት ተጓናጺፉ።
ቢንያም ንሓያሎ ኣፍሪቃውያን ቈልዑን መንእሰያት ተቐዳደምትን፡ ህያው ኣብነት እዩ። "ጻዕርን ተውህቦን እንተ'ልዩ፡ ዝዀነ ሕልሚ ክውን ክኸውን ከም ዝኽእል" መርኣያ ኰይኑ ኣሎ።
ሎሚ ኣብ ጐደናታት ኣስመራ፡ መቐለ፡ ኪጋሊ ወይ ጆሃንስበርግ ብሽክለታ ዘዝውሩ ቈልዑ፡ ስም ቢንያም እናጸውዑ ክወዳደሩ ምርኣይ ልሙድ ተርእዮ እዩ።
ነቲ ኣብ ኣእምሮ ኣብዝሓ ተቐዳደምቲ ተቐሪጹ ዝነበረ "ቅድድም ብሽክለታ ንኤውሮጳውያን ጥራይ እዩ" ዝብል ስነ-ኣእምሮኣዊ ዕንቅፋት ዝሰበረ እዩ።
ቢንያም ንመንእሰያት ኣፍሪቃ ዝሃቦም ዓቢ ህያብ፡ እቲ ዝወነኖ ቀጠልያ ማልያን መድረኻ ዓወቱን ጥራይ ዘይኰነስ፡ "ንሕና'ውን ንኽእል ኢና" ዝብል ዓቢ ናይ ተስፋ ስንቂ እዩ።
እዚ "ጽልዋ ቢንያም" (Biniam Effect) ዝበሃል ዘሎ ጽልዋ፡ ሎሚ ዓበይቲ ጋንታታት ኤውሮጳ ዓይነን ናብ ኣፍሪቃ ክመልሳን ንተቐዳደምቲ ኣፍሪቃ ዕድል ክኸፍታን ይገብር ኣሎ።
2. ዳርይል ኢምፒ (ደቡብ ኣፍሪቃ)
ኣብ 3 ሓምለ 2013፡ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዳርይል ኢምፒ ሓድሽ ታሪኽ ሰሪሑ።
ኣብቲ ካብ ማርሰይ ዝተበገሰ ሻድሻይ መድረኽ ዙር ፈረንሳ፡ ኢምፒ መሪሕነት ብምሓዝ ብጫ ማልያ ዝለበሰ ናይ መጀመርታ ኣፍሪቃዊ ኰይኑ።
ኢምፒ ነዛ ክብርቲ ማልያ ንኽልተ መዓልታት ተኸዲንዋ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ እዚ ክብረ-ወሰን እዚ ንዓሰርተ ዓመታት ልዕሊኡ ዝሰገረ ኣፍሪቃዊ ኣይነበረን።
ይዅን'ምበር፡ ኣብ 2025 ኪም ለ ኮርት ዝተባህለት ተቐዳዳሚት ሞሪሸስ ነዛ ማልያ ንሰለስተ መዓልታት ብምልባስ ነቲ ክብረ-ወሰን ኣመሓይሻቶ ኣላ።
3. ዳንኤል ተኽለሃይማኖት (ኤርትራ)
ኢምፒ ንኣፍሪቃ ብጫ ማልያ ከምጽኣላ ከሎ፡ ኤርትራዊ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት እውን ካልእ ታሪኽ ዘጽሓፈ ተቐዳዳማይ እዩ።
ኣብ 9 ሓምለ 2015፡ ዳንኤል ኣብ ውድድር ዓቐበት መሪሕነት ብምሓዝ እታ ጻዕዳ ምስ ቀያሕቲ ነጥቢታት ዘለዋ ማልያ (Polka dot jersey) ዝለበሰ ናይ መጀመርታ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ኰይኑ።
እዚ ዓወት'ዚ ንብዙሓት ኣፍሪቃውያን ዘነቓቕሐ ዓቢ ተርእዮ ነይሩ።
ቢንያም ግርማይ ወዲ 15 ዓመት ኰይኑ ነቲ ውድድር ምስ ኣቦኡ ኣብ ሲነማ ክከታተሎ ከሎ ዝተሰምዖ ስምዒት ከምዚ ክብል ይገልጾ፤ "ጽቡቕ ገይረ እዝክሮ እየ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኵሉ ኤርትራዊ ሕጉስ ነይሩ። ሓደ ኤርትራዊ ኣብ ዙር ፈረንሳ ደሚቑ ክርአ ምኽኣሉ ዘገርም እዩ። ዳንኤል ንዓና ናይ ብሓቂ ጀግና እዩ ነይሩ።"
እዚ ዓወት እዚ ንሚልዮናት ኣፍሪቃውያን፡ ሓደ ካባታቶም ዝዀነ ቢንያም ግርማይን፡ "ንሕና እውን ክንዕወት ንኽእል ኢና" ዝብል ዓቢ ናይ ተስፋ ስንቂ ኰይኑ ኣገልጊሉ እዩ።
4. ሉዊስ መንኪስ (ደቡብ ኣፍሪቃ)
ነቲ ቢንያም፡ ዳርይልን ዳንኤልን ዝፈጸምዎ ታሪኻዊ ቅያ ምምጣኑ ቀሊል ኣይኰነን።
ይዅን'ምበር፡ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ሉዊስ መንኪስ ብሰንኪ እቲ ዘለዎ ዘይሕለል ጻዕርን ተጸዋርነትን ኣብዚ ዝርዝር እዚ ተኻቲቱ ኣሎ። መንኪስ ኣብ 13 ዓመት ናይ ብሽክለታ ዘመኑ፡ ኣብ 20 ዓበይቲ ዙራት ተሳቲፉ እዩ።
ንሱ ዓሰርተ ግዜ ዙር ስጳኛ፡ ሸውዓተ ግዜ ዙር ፈረንሳ ከምኡ'ውን ሰለስተ ግዜ ዙር ኢጣልያ ተሳቲፉ እዩ። መንኪስ ኣብ መወዳእታ ዓመተ 2025 ካብ ኮርሻ ብሽክለታ ከም ዝወረደ ኣፍሊጡ እዩ።
5. ኣሕመድ ከባይሊ (ኣልጀርያ)
ኣሕመድ ከባይሊ ሓደ ካብቶም ፈለምቲ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ እዩ።
ኣብ 1952 ኣብ ዝተኻየደ ዙር ፈረንሳ፡ ኣብ መበል 15 መድረኽ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ኣብ መድረኽ ክብሪ (podium) ደይቡ ነይሩ።
"ፍላጻ" ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ዝነበረ ከባይሊ፡ ብናይ ምጥቃዕ ክእለቱን ኣብ ጐልጐል ዝነበሮ ፍጥነትን ይውደስ ነይሩ።
እዚ ስሙ ኣብ ታሪኽ ብሽክለታ ዝተወቀረ ተቐዳዳሚ፡ ኣብ መስከረም 2013 ኣብ መበል 88 ዓመት ዕድመኡ ዓሪፉ።
ብድሆታት ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ
ኣብ ዙር ፈረንሳ ሓደ ኣፍሪቃዊ ጥራይ ምህላዉ፡ ሕጽረት ተውህቦ ዘይኰነስ፡ እቲ ስፖርት ዘለዎ ትካላዊ ጸገማት ዘርኢ እዩ።
ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ናብ ኤውሮጳ ከይዶም ንኽወዳደሩ ከቢድ ናይ ቪዛን ወረቃቕትን መስርሕ ክሓልፉ ይግደዱ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ኣብ ኤውሮጳ ዘሎ ዝሑልን ዝናብን ኵነታት ኣየር፡ ንመብዛሕትኦም ካብ ምዉቕ ከባቢታት ዝመጽኡ ተቐዳደምቲ ዓቢ ብድሆ እዩ።
ስለምንታይ እያ ኤርትራ 'መፍረ ሻምፒዮናት' ኰይና?
ኣብዚ ዝርዝር እዚ ክልተ ኤርትራውያን ምህላዎም ድንገት ኣይኰነን።
ኤርትራ ብሳላ እቲ ካብ ግዜ ጥልያን ዝወረሰቶ ስፖርት ብሽክለታን ዘለዋ ልዑል ብራኸን፡ ንተቐዳደምቲ ዓቢ ረብሓ ትህብ ሃገር እያ።
ከተማ ኣስመራ ኣብ ልዕሊ 2,300 ሜትሮ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ትርከብ። እዚ ድማ ተቐዳደምቲ ሓያል ናይ ምስትንፋስ ተጸዋርነት ክህልዎም ገይሩ እዩ።
ንኣስመራ ሓዊሱ ዳርጋ ኣብ ኵለን ከተማታትን ሓውሲ ከተማታትን ኤርትራ ዓመታዊ ውድድር ቅድድም ብሽክለታ በብደረጃኡ ይስራዕ እዩ። እዚ ድማ እታ ሃገር ዘይነጽፍ ብቕዓት ከተንጸባርቕ መንጸፍ ኰይኑዋ እዩ።
ቅድድም ብሽክለታ ልዑል ወጻኢታት ዝሓትት ስፖርት እዩ፡ ኤርትራውያን ወለዲ ነቶም ፍቕሪ ብሽክለታ ዘለዎም ደቆም ክሳዕ ልዕሊ ዓቕሞም ተመጢጦም ወጻኢታት ዝገብርሎም ድማ ብፍሉይ ዝርአ እዩ።
ቢንያም ግርማይ ኣብ 2026 ዙር ፈረንሳ በይኑ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳሚ ምዃኑ፡ ናይቲ ስፖርት ዕቤት ጥራይ ዘይኰነስ፡ እቲ ጋግ ክንደይ ዓቢ ምዃኑ እውን ዘርኢ እዩ።
እንተዀነ፡ እቲ ቢንያም ዘለዎ ተመኵሮ ንዝመጽእ ወለዶ መንገዲ ዝጸርግ እዩ።
ታሪኽ ከም ዘርእዮ፡ ካብቶም ከም ብዓል ኣሕመድ ከባይሊ ዝኣመሰሉ ጀመርቲ ጀሚሩ ክሳዕ ቢንያም ግርማይ፡ ኣፍሪቃውያን ነቲ ናይ ኤውሮጳ "ዕብለላ" ንምስባር ዝገብርዎ ዘለዉ ጕዕዞ ተስፋ ዝህብ እዩ።
ሕጂ እቲ ሕቶ "ኣፍሪቃዊ ክዕወት ይኽእል ድዩ?" ዝብል ዘይኰነስ፡ "መዓስ እዩ እቲ ዝስዕብ ቢንያም ግርማይ ክመጽእ?" ዝብል ጥራይ እዩ።