እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ተቓዋሚ ሰልፊ ትግራይ፡ ኣባላተይ ግዳያት ‘ቅትለትን ጭውያን ይዀኑ ኣለው’
ውድብ ናጽነት ትግራይ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ዝንቀሳቐሱ ኣባላቱን ኣተሓባበርቱን ግዳያት ጭውያ፡ ቅትለት፡ ማእሰርትን ካልኦት ግህሰታትን ይዀኑ ከም ዘለው ገሊጹ።
ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ካብ መንጐ ዝንቀሳቐሱ ኣተሓባበርቲ እቲ ውድብ ዝዀነ ሓደ ውልቀሰብ ተጨውዩ ድሕሪ ምውሳዱ ድሕሪ 5 መዓልታት ኣስክሬኑ ከም ዝተረኽበ ኣመራርሓ እቲ ሰልፊ ገሊጾም።
ምኽትል ኣቦ መንበር እቲ ሰልፊ ኣቶ ኣለምሰገድ ኣረጋይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እዚ ምስርጣይ “ብካድራት ሰልፊ ህወሓት” ዝፍጸም ዘሎ እዩ ክብል ከሲሱ።
“እቶም ቅትለት ዝፍጽሙ ዘለው ዕጡቓት’ዮም። ድሕረ ባይትኦም ክጽናዕ እንከሎ እቲ ገዛኢ ውድብ ሓለዋ ወያነ ኢሉ ዘጣየሾም ካድራት ወይ’ውን ኣካል ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ኰይኖም ብዓቕምን ምትእስሳርን ናይቲ ውድብ ካድረታት ኰይኖም ዘገልግሉ ዘለው ሓይልታት እዮም” ኢሉ።
ቢቢሲ ነዚ ብዘይሻራዊ ኣካል ኣየረጋገጾን። ኣብዚ ጕዳይ ንሓላፊ ጸጥታ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኣቶ ተስፋይ ናይጄሪያ ከምኡ’ውን ሓላፊ ምምሕዳር ጸጥታ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ብቴሌፎን ንምርካብ ዝገበሮ ተደጋጋሚ ፈተነ ክሰምር ኣይክኣለን።
እዚ ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ኣብቲ ክልል ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት ሓድሕድ ደው ንምባል ምስ ማእከላይ መንግስቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ክሳብ ሞት ዝበጽሕ ከቢድ ኣካላዊ መጥቃዕቲታት ኣብ ልዕሊ ኣባላት እቲ ውድብ ክፍጸም ከም ዝጸንሐ’ዩ ኣቶ ኣለምሰገድ ዝዛረብ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ኣዋርሕ ጥራይ፡ ብውሑድ 19 ሰባት ግዳያት ምፍርራሕ ዝርከቦም ግህሰታት ከም ዝበጽሖም ክገልጽ እንከሎ፡ እዚ ኣብ ምምሕዳር ዞባ ምዕራብን ከባቢኡን ብሰፊሑ ከም ዝተርኣየ ጠቒሱ።
ኣቶ ኣለምሰገድ ኣብ ወረዳ ኣስገደ፡ ከተማ ሸራሮ፡ ላዕላይን ታሕታይን ኣድያቦ ከምኡ’ውን ከተማ ሽረ እንዳስላሰ፡ ኣብ ዞባ ማእከል ምምሕዳር ከተማታት ተምቤን፡ ዓዴትን ከባቢታት የጭላን ግዳያት እዚ ግህሰት ኰይኖም’ዮም ዝበሎም 19 መተሓባበርትን ሓለፍትን ክላስተራት ከምኡ’ውን ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ እቲ ውድብ ዝዀኑ ሰባት ብሽም ረቚሑ።
እዚኦም ጓል ኣንስተይቲ እትርከቦም ክዀኑ እንከለው፡ ልዕሊ ሰለስተ ግዜ ማእሰርቲ፡ ኣካላዊ ማህሰይትን መጭወይትን ከም ዝበጽሖም’ዩ ኣመልኪቱ።
“እቲ ምፍርራሕ ንዓና’ውን ሓዊሱ ዝበጽሐ’ዩ፤ እቶም ብኣካል ማእሰርቲ፡ ቅትለትን መጉዳእትን ዝበጽሖም ኣስታት 19 እዮም፤ ካብዚኦም ናይ ሓደ ሰብ ህይወት ስኢንና ኣለና። ኣብ ሕጻጽ ወረዳ ኣስገደ ጣብያ ስምረት ቁሸት ማይ ቀዋዒት ዝብሃል ቦታ ዝነብር ዝነበረ ገ/ዮሃንስ ሃይሉ ንሓደ ሰሙን ምስተኣሰረ ተፈቲሑ፤ ድሕሪ ዝተወሰነ መዓልቲ ድማ ካብ ገዝኡ ወሲዶም ቀቲሎምዎ፤ ኣስክሬኑ ድሕሪ ሓደ ሰሙን’ዩ ክርከብ ክኢሉ” ኢሉ።
ብዛዕባ'ቲ ኩነታት መብርሂ ንምርካብ ንካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ’ውን ኣይሰመረን።
ትግራይ ግን፡ ንፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ተቓወምቲ ሰልፊታት ዝምችእ ፖለቲካዊ ሃዋሁ ከም ዘይብላ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።
ህወሓት ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብቲ ክልል ስልጣን ብሒቱ ምጽንሑ ይፍለጥ። ኣብዚ እዋን'ዚ ነቲ ገዛኢ ሰልፊ ኣጋጢምዎ ዘሎ ውሽጣዊ ቅልውላው ግን ሓድሽ ፖለቲካዊ ኩታት ፈጢሩ ይርከብ።
ኣብ ቀረባ እዋናት ኣብቲ ክልል ሰልፊታት ተቓውሞ ክገብሩ ዝፈተኑን ዝተሳተፉን ሓያለ መራሕቲን ኣባላትን ተቓወምቲ ውድባት እናተሃረሙ ክእሰሩ ከም ዝተራእየን ቢቢሲ ኣብ ሕሉፍ ጸብጻባቱ ኣቃሊሑ ምንባሩ ይዝከር።
ውድብ ናጽነት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣባላቱ ዝበጽሕ ዘሎ ግህሰታት ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ኣካላት መንግስቲን እቲ ክልል ክፈልጡዎ ይገብር ከም ዘሎ ሓቢሩ።
ኣብ መወዳእታ 2012 ዓ.ም (ግእዝ) ዝተመስረተ እዚ ውድብ ናጻን ሉእላዊትን ትግራይ ንምምስራት ዓሊሙ ዝንቀሳቐስ ፖለቲካዊ ሰልፊ ከም ዝዀነ ይገልጽ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ኣብ መንጐ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ብዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ውጥጥ ፖለቲካዊ መሪሕነት እቲ ክልል ኣብ ኵለመዳያዊ ቅልውላው ኣትዩ ከም ዝርከብ ይፍለጥ።