እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ህወሓት፡ ፕረዚደንት ጌታቸው ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ደብረጽዮን ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣፍሊጡ
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ኣብ ልዕሊ ገለ መራሕቲ ህወሓት "ስጉምቲ" ከምዝወስድ ኣፍሊጡ።
ነቲ ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ጉጅለ ዘውጽኦ፡ እቲ ግዝያዊ ፕረዚደንት ካብ መዝነቱ ከምዝተኣልየን ሓድሽ "ካቢኔ" ከምዝመዘዘን ዝገልጽ መግለጺ'ውን "ዕላዊ ዕልዋ" ክብል ገሊጽዎ።
"ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነዚ ፋሉልነት ብትዕግስቲ ክሓልፎ ኣይክእልን። ቅድሚ ሕዚ መእንተ ሓድነትና ከይዝረግ ኢልና ልቢ ኣዕቢና ዝሓለፍናዮም እዋናት እቲ ጉጅለ ከም ድኽመት ወሲዱ እናሰርሓሉ ምምፅኡ ኣብ ግምት ብምእታው ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣመራርሓ እዚ ናይ ጥፍኣት ሓይሊ ሕጋዊ ስጉምቲ ምውሳድ ክጅምር እዩ።
"ኣብዚ ከይዲ ንዝፍጠር ዝኾነ ዓይነት ጥፍኣት ብሕታዊ ተሓታቲ እዚ ጉጅለን ኣመራርሓኡን ምዃኑ ድማ ንመላእ ህዝብና በዚ ኣጋጣሚ ክንገልፅ ንፈቱ" ክብል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣጠንቂቑ።
እቲ ስጉምቲ እንታይ ምዃኑ ግን እቲ ብቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዝወጸ መግለጺ ኣየነጸረን።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ቢሮ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ፡ ነቶም ክልተ ተፃረርቲ መግለፂታት ስዒቡ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ 'ምርባሽ' ተፈጢሩ ከምዘሎ ሓቢሩ።
"በቶም ዝወፁ መግለፂታት ምኽንያት፡ ስርዓት ኣልቦነትን ናይ ፀጥታ ሽግርን ክፍጠር ከምዘይፈቅድን እንትፍጠር ድማ ስኽ ኢሉ ከምዘይርኢን ይገልፅ" ይብል እቲ ኣምስዩ ዝወፀ መግለፂ።
ኣብ መንጎ ክልቲኦም መራሕቲ ዝተፈጥረ ዘይምስምማዕ፡ ነቲ ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብቲ ክልል ስልጣን ዝሓዘ ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ናብ ክልተ ገሚዕዎ ይርከብ።
ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ዝቖመ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብህወሓት ዝተዓብለለ ኮይኑ፡ ውሸጣዊ ፖለቲካዊ ቅልውላው'ቲ ውድብ ናብ ዘይምርግጋእ ኣእትይዎ ከምዘሎ ይዝረብ።
እቲ ካብ ጉጅለ ደብረፅዮን [ዶ/ር] ዝወጸ መግለጺ፡ "ኣይተ ጌታቸው ረዳ ፕሬዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮይኖም ንኽመርሑ ብውክልና ህወሓት ካብ ዝተውሃቦም ሓላፍነት ዝተልዓሉ ኮይኖም፡ ከመይን ብመንን ከም ዝትካኡ ምስ መንግስቲ ፌደራልን ዝምልከቶም ኣካላትን ብምርድዳእ ክፍጸም እዩ"፡ ይብል
እንተዀነ፡ ብዛዕባ እዚ 'ምርድዳእ' ዝተብሃለ፡ ዛጊድ ካብ መንግስቲ ፌዴራል ዝተብሃለ ነገር የለን።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ፡ ብዶክተር ደብረጽዮን ዝምራሕ ጉጅለ'ቲ ውድብ፡ ብቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ሕጋዊ ኣፍልጦ ዝተነፍጎ መበል 14 ጉባኤ ምክያዱ ይዝከር።
ብኣንጻሩ ጌታቸው ረዳ ዝመርሖ ጉጅለ 'ዘይሕጋዊ' እዩ ብምባል ነቲ ጉባኤ ተቓዊምዎ'ዩ። እቲ ጉባኤ፡ ነቲ ተቓዋሚ ወገን ብምእጋድ፡ ሓድሽ ምክትል ኣቦመንበር ዝርከቦም ሓደስቲ መራሕቲ ውድብ ከምዝመረጸ ይዝከር።
እቲ ጉባኤ ዘካየደ ወገን 50 +1 ብጽሒት ግዝያዊ ምምሕዳር ናይ ህወሓት'ዩ ብምባል ስልጣን ንምቁጽጻር ይፍትን ኣሎ ተባሂሉ እዩ ዝኽሰስ።
ኣብቲ ሎሚ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ዶክተር ኣብርሃም ተኸስተን ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋን ዝርከብዎም ሸውዓተ ኣባላት 'ካቢኔ" ከምኡ'ውን ሽዱሽተ ኣመሓደርቲ ዞባታት ከምዝሸሙ ይጠቕሱ።
ካብ ክልላዊን ዞባዊን ሓላፍነት ከምዝወረዱ ብስም ዝጠቐሶም ካልኦት መራሕቲ'ውን ኣብቲ ዘውጽእዎ ዝርዝር ኣስማት ሰፊሮም ኣለዉ።
ብዙሓት ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ዝርከብዎ ጉጅለ ጌታቸው ብወገኑ፡ ኣካል ህወሓት ምዃኖም ብምንጻር ነቲ 'ውድብ ንምዕራይ' ዝዓለመ ዝበሎ ተኸታታሊ ኣኼባታት ከካይድ ምጽንሑ ይፍለጥ።
እቲ ምስ ካልኦት መሻርኽቲ ወሳኒ ክልላዊ ስልጣን ተቖጻጺሩ ዝርከብ ጉጅለ ጌታቸው፡ ንገለ ደገፍቲ ጉጅለ ጉባኤ ካብ ሓላፍነት ምስንባቱ'ውን ካብቲ ተጻራሪ ወገን ሓያል ነቐፌታ ኣስዒብሉ ነይሩ።
ክልቲኦም ጉጅለታት ህወሓት ኣብ ዝሓለፈ ዋርሕ ደገፍ ህዝቢ ንምርካብ ከካይድዎ ኣብ ዝጸንሑ ጐስጓሳት ንሓድሕዶም ክወቓቐሱን ክካሰሱን ጸኒሖም'ዮም።
እቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ ወገን ተፈጢሩ ዘሎ ምትፍናን ናብ ዘየድሊ ጎነጽ ከየምርሕ ሓላፍቲ ጸጥታ እቲ ክልል ከምሕጸኑ ምጽንሖም ይዝከር።
ኣብ ፈለማ ወርሒ መስከረም፡ ብኽልቲኡ ወገናት ዝውሰዱ ዘለዉ "መንግስቲ ምዕራይ ዘሎ ድሌት ይኹን፡ በቲ ካልእ ገጽ ዝውሰዱ ዘለዉ ምምሕዳራዊ ስጉምትታት ምሉእ ብምሉእ ጠጠው ክብሉ" ሓላፊ ጸጥታ ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ጸዊዑ ነይሩ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ድሕሪ'ቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተፈረመ ቀዋሚ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ኲናት ትግራይ ብውሳነ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጵያ ዝተመስረተ'ዩ።
ኣብ መጋቢት 2023፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ፕረዚደንት ናይቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክኸውን ከምዝመዘዞ ብወግዒ ኣፍሊጡ'ዩ።
ኣቶ ጌታቸው ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዘረጋግጽን ኣሳታፍን ዝዀነ ምምሕዳር ንምቛም ሓላፍነት ከም ዝተዋህቦ'ውን ይዝከር።
ብዘይካ'ዚ፡ ሓያለ ኣባላት ህወሓት ዘይኮኑን ኣብቲ ክልተ ዓመት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት ወሳኒ ተራ ዝነበሮምን ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ኣካል ናይቲ ምምሕዳር ኮይኖም'ዮም።
ምክትል ፕረዚደንት ዝኾኑ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደን መዘናኡ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤን ገለ ካብኦም'ዮም።