ብሄራውያን ውድባት ትግራይ ንዅሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ዘሳተፈ ግዝያዊ ክልላዊ መንግስቲ ክምስረት ጸዊዐን

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ብሄራውያን ውድባት ትግራይ- ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ ውድብ ነፃነት ትግራይን ባይቶና ዓባይ ትግራይን፡ ንዅሎም ፖለቲካውያን ሓይልታት ዘሳተፈ ግዝያዊ ክልላዊ መንግስቲ ክጣየሽ ፀዊዐን።

እተን ውድባት ሎሚ ዓርቢ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝሃባኦ ሓበራዊ መግለጺ ቀንዲ ሓደጋ እዚ ብሄር “ስርዓት ዝወለዶ ሕመቕ’ዩ” ብምባል፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ትግራይ ቤት-ምኽሪ ዘለዎ መንግስቲ ክጣየሽ ከም ዝግባእ ገሊጸን።

“ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ክሓምም እንከሎ ዘይሓምም መንግስትነት የድልየና። እዚ ክመፅእ ዝኽእል ድማ ኵሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ብማዕረ ዝሳተፉሉን ህዝቢ ከዕስል ዝኽእልን መንግስትነት ምስ እንተክል’ዩ” ኢለን።

እተን ውድባት ፖለቲካ ወሲኸን “ሕመቑ እናተዋህለለ መጺኡ መንነቱ ዝቐልዐ ስርዓት ንዓርሱ ኣብ እንግድዓ እዚ ብሄር ንከቐፅል ናይ ሞትን ሕውየትን ምንቅስቓስ ኣብ ምግባር ይርከብ” ክብላ ከሲሰን።

ህወሓት ካብ ኣፍልጦን ፍቓድን መንግስቲ ፈደራል ወጻኢ መበል 14 ጉባኤኡ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን እየን፡ እዘን ፖለቲካውያን ውድባት ሓባራዊ መግለጺ ሂበን ዘለዋ።

እዘን ውድባት፡ መንግስትነት ትግራይ ንኽትከል ምስ ዝጽዕር ዝዀነ ይዅን ኣካል ከም ዝስለፋ ድማ ኣፍሊጠን ኣለዋ።

እቲ 50 ዓመታት ዘቝጸረ ገዛኢ ውድብ - ህወሓት - ድሕሪ ምኽታም ስምምዕ ፕሪቶርያን ምቛም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ኣብ ክልተ ተመቒሉ ኣብ ናይ ስልጣን ቁርቁስን ፖለቲካዊ ወጥርን ተሸሚሙ ይርከብ።

እቲ ምምቕቓል ብቐንዱ ኣብ መንጐ ንቤት-ፅሕፈት ህወሓት ዝመርሑን ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘለዉ ሰበስልጣንን ከምዝኾነ ብቕሉዕ ተራእዩ'ሎ።

ኣብዚ እዋን ኣብ መንጐ ህወሓት "ንስልጣን ክበሃል" ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ምትፍናን ነቲ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ከም ዘእተዎ ዘመልከታ እተን ውድባት፡ “ክልቲኦም ጕጅለታት ናይ ከባብያውነት ኣጀንዳታት ብምልዓል ንህዝቢ ጐቲቶም ናብኡ ከእትውዎ ይፍትኑ ኣለዉ" ክብላ ከሲሰን።

“እዚ ጉባኤ ኣባላት ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ’ዮም ዘካይድዎ ዘለዉ። ዝዀነ ከባቢ ምስቲ ስርዓት ዘሎን ዘየለን ገይርካ ንምስኣል ዝግበር ዘሎ ከይዲ ንዅንኖ። ስለዚ ህዝብና ካብቲ ስርዓት ብዝመፅእ ዘሎ ምንቅስቓሳት እንከይተገንሐ ብሄራዊ ስምረት ክገብር ንጽውዕ” ኢለን።

ህወሓት ምስ ምምላስ ሕጋዊ ሰብነቱ ብዝዛመድ ምስ መንግስቲ ፈደራልን ቦርድ መረጻ እታ ሃገርን፡ ኣብ ወጥሪ ኣትዩ ኣሎ።

ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ህወሓት ንኲናት ትግራይ ስዒቡ ዝሰኣኖ ሕጋዊ ሰብነቱ “ብፍሉይ ኵነታት ከም ብሓድሽ ከም ዝመዝገቦ” ዘፍለጠ ኰይኑ፡ ህወሓት ግና ነዚ ከም ዘይቕበሎ ብምግላጽ መበል 14 ጉባኤኡ ኣብ ከተማ መቐለ ኣዳራሽ ሓወልቲ ሰማእታት ትግራይ የካይድ ኣሎ።

ምክትል ኣቦወንበርን ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝርከቦም ልዕሊ 17 ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ እቲ ውድብ ሓዊሱ፡ ካብ ዞባ ደቡብን ደቡብ ምብራቕን ትግራይ ዝበዝሑ ኣመራርሓን ካድረታትን እቲ ውድብ ካብቲ ጉባኤ ንርእሶም ከም ዘግለሉ ይፍለጥ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ህወሓት ሕጋዊ ሰብነቱ እንከይረኸበ ጉባኤ እንተካይዱ ዳግማይ ናብ ኲናት ከይኣትዉ ስግኣት ከም ዘለዎ ኣጠንቂቑ'ዩ።

ሰለስቲአን ብሄራውያን ውድባት ትግራይ- ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፣ ውድብ ነፃነት ትግራይን ባይቶና ዓባይ ትግራይን ሎሚመዓልቲ ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ ድማ፡ “ኣብዚ እዋን ካብ ጫፍ ራያ ክሳብ ጫፍ ወልቃይት ፀገዴ ዋላ’ውን ኣብቶም ካብ ቁፅፅርና ወፃኢ ዘለዉ ከባብታት ሓዊሱ ዘሎ መላእ ህዝብና” ኣብ መቐለ ይካየድ ብዘሎ ፖለቲካዊ ምትፍናን ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ስግኣት ከም ዝኣተወን “ንናይ ጕጅለታት ናይ ስልጣን ቁርቁስ ክበሃል” ናብ ዘይተደለየ ነገር (ኲናት) ከይኣቱ ኣብ ራዕዲ ከም ዘሎን ገሊፀን።

እተን ውድባት ወሲኸን፡ ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት "ተኹታዃይ" ዘረባታት ይገብሩ ከም ዘለዉን እዚ ነቲ ህዝቢ ጅሆ ዝሕዝ ከም ዝኾነን ኣጠንቂቐን።

“ብፍላይ ካብ ኣቦወንበር እቲ ውድብ ዶክተር ደብረፅዮን ‘መላእ ህዝብና ሒዝና ክንምክት ኢና። ናይዚ ጉባኤ እዚ ሕጋውነት እንድሕር ዘይሃልዩ ስምምዕ ፕሪቶርያ ፈሪሱ ኣሎ’ ዝብል ዘረባ ሰሚዕና ኢና። እዚ ሓደገኛ ምትኹታኽ እዩ። እዚ ኣካይዳ እዚ ንመላእ ህዝቢ ትግራይ ጅሆ ዝሕዝ ስለ ዝዀነ ኵሉ ክፈልጠልና ንደልዮ ጉዳይ እዩ” ክብላ ገሊጸን።

ኣብቲ ተቓውሞታት ኣብ ዝስመዐሉ ይካየድ ዘሎ መበል 14 ጉባኤ ህወሓት መኽፈቲ መደረ ዘስመዐ ኣቦወንበር እቲ ውድብ ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፡ “ሕጋውነት ህወሓት ምኽላእ ማለት ነቲ ውዕል ምፍራስ’ዩ… እዚ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ንበላዒ ኣሕሊፍካ ምሃብ እዩ” ክብል ምዝራቡ ይዝከር።

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፣ ውድብ ነፃነት ትግራይን ባይቶና ዓባይ ትግራይን፡ ኣብ እዋን ደማዊ ኲናት ትግራይ ሓይልታት ትግራይ ንከተማ መቐለን ካልኦት ከባቢታትን ካብ ዝተቘጻጸርሉ እዋን ጀሚረን ሓባራዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ክቐውም ብተደጋጋሚ ክጽውዓ ምጽንሐን ይፍለጥ።