ህንዲ ብብዝሒ ህዝቢ ክትመርሕ’ያ – ሕቡራት ሃገራት

ህዝቢ ህንዲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ህንዲ ኣብ መፋርቕ ናይዚ ዓመት ንቻይና በሊጻ ኣብ ዓለም እታ ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ከም እትኸውን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘውጽኦ መረዳእታ የመልክት።

ብዝሒ ህዝቢ ህንዲ 1.4286 ቢልየን ክበጽሕ እዩ፤ ናይ ቻይና ድማ 1.4257 ቢልየን ክኸውን ትጽቢት ይግበር።

ክልቲአን ሃገራት ኤስያ፡ ነፍሲ ወከፈን ልዕሊ 1.4 ቢልዮን ህዝቢ ዘለወን ኰይነን፡ ንልዕሊ 70 ዓመታት ልዕሊ ሲሶ ህዝቢ ዓለም ሒዘን ዝጸንሓ እየን።

ኣብ ህንዲ ድሕሪ 2011 ቆጸራ ህዝቢ ብዘይምክያዱ፡ እቲ ኣሃዝ ግምታዊ እዩ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ግምታት ናይ ክልተ ርእሰ ምምሕዳራዊ ዞባታት ቻይና - ሆንግ ኮንግን ማካውን - ከምኡ’ውን ናይ ታይዋን ብዝሒ ህዝቢ ዘጠቓልል ከም ዘይኰነ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ኣብ ወርሒ ሕዳር፡ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም 8 ቢልዮን ከም ዝሰገረ ይዝከር።

ክኢላታት ግን፡ ዕብየት ህዝቢ ከም ቀደሙ ቅልጡፍ ኣይኰነን ይብሉ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘሎ ናህሪ ዕብየት፡ ካብ 1950 ንደሓር እቲ ዝተሓተ ከም ዝዀነ ይገልጹ።

ኣብ ህንዲን ቻይናን ብዝሒ ወሊድ ጎዲሉ ምህላው ይግለጽ።

ቻይና፡ ኣብ 2016 ናይ ንፖሊሲ ሓደ ቆልዓ ብምግዳፍ መጻምድቲ ክልተ ወይ ልዕሊኡ ቆልዑ ንኽወልዱ ምትብባዕ እኳ እንተጀመረት፡ ብዝሒ ህዝባ ግን ካብ ዝመጽእ ዓመት ጀሚሩ ክንክይ እዩ።

ኣብ ህንዲ እውን፡ ኣብ 1950 ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብማእከላይ ገማግም ኣስታት 5.7 ህጻናት ትወልድ ነይራ። ሕጂ ግን እዚ ቁጽሪ ናብ 2.2 ከም ዝወረደ ይፍለጥ።

ብዩኤንኤፍፒኤ ዝተመወለ ሓደ መጽናዕቲ፡ መብዛሕትኦም ህንዳውያን ኣብ ሃገሮም ብዝሒ ህዝቢ ኣዝዩ ልዑል ምዃኑ ከም ዝገለጹ የመልክት።

ዳርጋ ክልተ ካብ ሰለስተ ተሳተፍቲ፡ ብዛዕባ ብዝሒ ህዝቢ ክሓስቡ ከለዉ ቁጠባዊ ጉዳያት ከም ቀንዲ ስክፍታታት ኣለልዮም።

ተመራመርቲ ስነ-ህንዲ ግን፡ ህዝቢ ህንዲ ካብ ቻይና ምብላጹ፡ ከም ስክፍታ ክውሰድን ጭንቀት ክፈጥርን የብሉን ይብሉ።

"ኣብ ክንድኡ፡ ውልቃዊ መሰላትን መረጻን እንተተኸቢሮም፡ ከም ምልክት ምዕባለን ባህጊን ክረኣዩ ይግባእ" ይብል ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት።