ኣብ ቅድሚ ቀጥታዊ ፈነወ ቴሌቪዥን ብጥይት ዝተቐትለ ኣቲቅ ኣሕመድ መን እዩ?

ኣቲቅ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, ቢቢሲ ቪድዮ

Published

ብቅድሚ ሰንበት ምሸት ብጭውያ ገበነኛ ኮይኑ ዝተረኽበ ህንዳዊ ፖለቲከኛ ነበር ኣቲቅ ኣሕመድን ሓዉን ኣብ ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን እንከለው እዮም ብጥይት ተቐቲሎም።

ኣብ ትሕቲ ዓጀብቲ ፖሊስ ዝነበረ ኣቲቅ ኣሕመድ፡ ኣብታ ብኣላሃባድ እትፍለጥ ፕራያግራጅ፡ ምስ ጋዜጠኛታት እናተዘራረበ እንከሎ ናብ ርእሱ ብዝተጸገዐ ሽጉጥ ተቐቲሉ።

ድሕሪ እቲ ተኹሲ፡ ጋዜጠኛታት ተመሲሎም ዝጸንሑ ሰለስተ ሰባት ብቕልጡፍ ኢዶም ብምሃብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም።

መንእሰይ ወዲ ኣሕመድ ቅድሚ መዓልታት’ዩ ብፖሊስ ብጥይት ተቐቲሉ።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ጭውያ፡ ቅትለትን ምጭብርባርን ሓዊሱ ዓሰርተታት ጉዳያት ኣብ ልዕሊ ኣቲቅ ኣሕመድ ተመዝጊቦም እዮም። ቤት ፍርዲ እቲ ከባቢ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይዚ ዓመት ንዕኡን ካልኦት ክልተ ሰባትን ብጉዳይ ጭውያ ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ፈሪድዎም።

ኣሕመድ ኣቐዲሙ፡ ፖሊስ ኣብ ህይወቱ ሓደጋ ከብጽሕ ተኽእሎ ከምዘሎ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብቲ ቦታ ሓደ ፖሊስን ሓደ ጋዜጠኛን እውን ቆሲሎም።

እቲ ቪድዮ፡ ኣሕመድን ሓዉ ኣሽራፍን ክልቲኦም ብመቑሕ ተኣሲሮም፡ ንመርመራ ሕክምና ናብ ሆስፒታል ኣብ ዝኸዱሉ ዝነበሩ እዋን ምስ ጋዜጠኛታት ክዛረቡ ከለዉ ክልቲኦም ብጥይት ክቕተሉ ዘርኢ እዩ።

ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ብቴለቪዥንን ብሰፊሑ ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ኣሕመድ ኣብ ቀብሪ ወዱ ተረኺቡ እንተኔሩ ክሕተት የርኢ።

ኣብ ቅድሚ ካሜራ ዝተዛረበን ናይ መወዳእታ ቃላት፡ "ኣይወሰዱናን፡ ስለዚ ኣይከድናን" ዝብላ ነይረን።

እቶም ሰለስተ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ሰባት ብሞተር ብሽክለታ ናብቲ ቦታ ከም ዝመጹ ፖሊስ ገሊጹ።

ድሕሪ እቲ ናይ ቀዳም ምሸት ፍጻመ፡ ርእሰ ምምሕዳር ዮጊ ኣዲትያናት፡ ብዛዕባ እቲ ቅትለት ፍርዳዊ መርመራ ክካየድ ኣዚዙ፡ ሰላም ንምርግጋጽ ድማ ኣብ ኣውራጃታት ግዝኣት ኡታር ፕራደሽ ሰፊሕ ምትእኽኻብ ኣጊዱ።

ወኪል ቢቢሲ ህንዲ ኣናንት ዛናነ ካብ ፕራያግራጅ ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ፡ እታ ከተማ ኣብ ዕጽዋ ዘላ ከም እትመስል ሓቢሩ።

ሓደ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚ መራኸቢ ብዙሓንን ፖሊስን ብኸመይ ክቕተል ከምዝኽእል ክኢላታት ሕቶታት የልዕሉ ኣለዉ።

ኣቲቅ ኣሕመድ መን እዩ ነይሩ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ፖለቲካ ይኹን ምስ ገበነኛታት ዓለም ርክብ ነይርዎ። ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 1979 ብጉዳይ ቅትለት ተኸሲሱ። ኣብ ዝቐጸሉ 10 ዓመታት፡ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ከተማ ኣላሃባድ ሓያል ጽልዋ ዝነበሮ ሰብ ኰይኑ ተቐልቂሉ።

ንፈለማ እዋን ከም ነጻ ሕጹይ ተዓዊቱ ኣብ 1989 ኣባል ባይቶ እታ ግዝኣት ክኸውን ክኢሉ።

ቀጺሉ ንኽልተ ተኸታተልቲ እብረታት ነቲ መንበር ክዕወት ከሎ፡ ኣብ 2004 ኣብ ፌደራል መረጻ ሕጹይ ሰልፊ ሳማጅዋዲ ኰይኑ ንራብዓይ ግዜ ተዓዊቱ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ኣላሃባድን ካልእ ክፋላት እታ ግዝኣትን ኣብ ልዕሊኡ ክስታት ይቐርቡ ነይሮም።

ኣሕመድ ኣብ ዝቐጸሉ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ውሑዳት መረጻታት ተሳቲፉ፡ ኣብ ኩሉ ግን ተሳዒሩ።

ኣብ 2019 ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ህንዲ፡ ኣብ ካልእ ጉዳይ ፍርዲ ክጽበ ካብ ዝተኣስረሉ ቤት ማእሰርቲ ኡታር ፕራደሽ ኣብ ልዕሊ ሓደ ነጋዳይ መጥቃዕቲ ክፍጽም መደብ ከምዘለዎ ምስተገልጸ፡ ናብ ሓደ ኣብ ግዝኣት ጉጃራት ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ክግዕዝ ኣዚዙ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት ካብ ጉጃራት ናብ ፕራያግራጅ ተመሊሱ ኣብ ቤት ፍርዲ እቲ ከባቢ ቀሪቡ ምስ ጉዳይ ጭውያ ብዝተኣሳሰር ከምዝተፈርዶ ተገሊጹሉ።

ኣሕመድ ኣብ ካልኦት ጉዳያት እውን ንዝቐርበሉ ሕቶ ምላሽ ክህብ ናብታ ከተማ ከምዝቐረበ ተገሊፁ። ኣብ ወረዳ ባሬይሊ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረ ሓዉ ኣሽራፍ እውን ናብታ ከተማ መጺኡ ክሕተት ተገይሩ።

ክልቲኦም ኣብቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ዝተፈጸመ ቅትለት ኡመሽ ፓል ብዝምልከት ተሓቲቶም፤ ኡመሽ ፓል ኣብቲ ኣብ 2005 ዝተፈጸመ ቅትለት ራጁ ፓል ዝተባህለ ኣባል ባይቶ ዞባዊ ባሁጃን ሳማጅ ፓርቲ (ቢኤስፒ) ቀንዲ ናይ ዓይኒ ምስክር ነይሩ።

ራጁ ፓል ኣብ 2004 ኣብ ፖለቲካዊ ዕርዲ ኣቲክ ኣሕመድ ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ባይቶ ንኣሽራፍ ስዒርዎ እዩ።

ኡመሽ ፓል ድማ ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይዚ ዓመት ካብ ሓያሎ ሰባት ብዝተኮሱሉ ጥይት እዩ ተቐቲሉ።

መንእሰይ ወዲ ኣቲክ ኣሕመድ ኣሳድን ካልኦት ውሑዳትን ኣብ ጉዳይ ቅትለት ኡመሽ ፓል ቀንዲ ጥርጡራት ምዃኖም ተጠቒሶም። ኣሳድን ካልእ ሓደ ሰብን ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ብፖሊስ ተቐቲሎም።

'ኣብ ኡታር ፕራደሽ ገበን ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ'

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ህንዲ፡ ነቲ ኣሕመድ፡ ፖሊስ ኣብ ህይወቱ ሓደጋ ከብጽሕ ይኽእል’ዩ ዝበሎ ጥርዓን ክሰምዕ ኣይደለየን።

ኡታር ፕራደሽ ብሂንዱ-ሃገራዊ ሰልፊ ቢጄፒ እያ እትመሓደር፤ ተቓወምቲ ውድባት ድማ ነቲ ቅትለት ጸጥታዊ ስሕተት እዩ ክብሉ ነቒፎሞ።

ሓላፊ ተቓዋሚ ሰልፊ ሳማጅዋዲ ኣኪለሽ ያዳቭ ብቋንቋ ህንዲ ኣብ ትዊተር "ገበን ኣብ [ኡታር ፕራደሽ] ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ኣሎ፡ ሞራል ገበነኛታት ድማ ልዑል'ዩ" ኢሉ።

"ኣብ ህዝቢ ናይ ፍርሒ ሃዋህው ይፍጠር ኣሎ፡ ገለ ሰባት ኮነ ኢሎም ዝፈጥርዎ ዘለዉ ይመስሉ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ክልል ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ዝተፈላለዩ ክስታት ዝቐረበሎም ልዕሊ 180 ሰባት ብፖሊስ ተቐቲሎም እዮም።

ተጣበቕቲ መሰላት፡ ፖሊስ ካብ ፍርዲ ወጻኢ ቅትለት ፈጺሙ ክብሉ ይኸሱ፡ መንግስቲ እታ ግዝኣት ግና ነዚ ይነጽጎ።