ሮናልዶ፡ ምባፐ፡ ኬን፡ ለቫንዶውስኪ? - ወርቃዊ ጫማ ዩሮ 2024 ክዕወት እትጽበዩዎ መን'ዩ?

Published

ዋንጫ ሄንሪ ደላውኔይ፡ ኣብ ሻምፕዮን ኤውሮጳ ንሓንቲ ሃገራዊት ጋንታ እትወሃብ ኣዝያ ዝለዓለት ሽልማት ክትኸውን ትኽእል እያ።

ተጻወትቲ ብውልቆም ግን ብሉጽ ኣመዝጋቢ ሸቶ ብምዃን ወርቃዊ ጫማ ዝወስዱሉ ዕድል ኣሎ።

ገርድ ሙለር፡ ማርኮ ቫን ባስተን፡ ኣላን ሸረርን ፈርናንዶ ቶረዝን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ወርቃዊ ጫማ ካብ መንጐ ዝተዓወቱ ተጻወትቲ እዮም።

ሎሚ ዓመት ድማ ካልእ ተጻዋቲ ኣብዚ ዝርዝር ክጽንበር እዩ።

እዚ ተጻዋታይ መን ክኸውን ይኽእል?

ቢቢሲ ስፖርት፡ እዞም ዝስዕቡ ተጻወትቲ ገለ ካብቶም ወርቃዊ ጫማ ክዕወቱ ዝኽእሉ ምዃኖም ይግምት።

ሮሜሉ ሉካኩ (ቤልጅም)

ሮሜሉ ሉካኩ፡ ወርቃዊ ጫማ ክወስዱ ትጽቢት ካብ ዝግበረሎም እዩ።

ሮሜሉ፡ ኣብ መጻረዪ ሻምፕዮን ኤውሮጳ 14 ሸቶታት ብምምዝጋብ ክብረወሰን ሒዙ ይርከብ።

እዚ ወዲ 31 ዓመት ተጻዋታይ ኣብ 114 ጸወታታት 83 ሸቶታት ብምምዝጋብ ናይ ኵሉ ግዜ ዝበለጸ ኣመዝጋቢ ሸቶ ቤልጅም ኰይኑ እዩ።

ኣብ ዋንጫ ዓለም 2018 ድማ ኣብ 7 ጸወታታት 4 ሸቶታት ብምምዝጋብ ነሓስ ጫማ ከም ዝተሸለመ ይዝከር።

ኮዲ ጋክፖ (ሆላንድ)

ሆላንዳዊ ኮዲ ጋክፖ ቀንዲ ነዛ ወርቃዊ ጫማ ክዕወተላ ዝግመት ተጻዋቲ ይመስል።

እዚ ኣጥቃዓይ ክለብ ሊቨርፑል ኣብ ዋንጫ ዓለም 2022 ኣብ ሰለስቲኡ ናይ ምድብ ጸወታታት ሰለስተ ሸቶታት ብምምዝጋብ ዝለዓለ ኣመዝጋቢ ሸቶ ሃገራዊት ጋንታ ሆላን ኰይኑ ነይሩ።

እዚ ወዲ 25 ዓመት ተጻዋታይ ብሓፈሻ ኣብ 23 ዓለምለኻዊ ጸወታታት 9 ሸቶታት ኣመዝጊቡ ኣሎ።

ጂያንሉካ ስካማካ (ኢጣልያ)

ተኸታተልቲ ፕሪምየር ሊግ፡ ንጂያንሉካ ስካማካ ኣብ 2022-23 ዓመተ ስፖርት ኣብ ዌስትሃም ብዘካየዶ ሓጺር ግዜ ክዝክርዎ ይኽእሉ እዮም።

ኣብቲ ዓመተ ስፖርት ሰለስተ ሸቶታት ሊግ ከመዝግብ ክኢሉ ነይሩ።

እዚ ወዲ 25 ዓመት ተጻዋታይ ግን ናብ ኣታላንታ ካብ ዝምለስ ንደሓር ኣብ ዝበለጸ ብቕዓት ይርከብ።

ኣብ ኵሉ ውድድራት ድማ 19 ሸቶታት ብምምዝጋብ ኢጣልያዊት ክለብ ኣታላንታ ዋንጫ ዩሮፓ ሊግ ክትዕወት ሓጊዙ።

ጋንታ ኢጣልያ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዌምብሊ ብእንግሊዝ ኣብ ዝተሳዕረትሉ ናይ መጻረዪ ጸወታ ንፈለማ ግዚኡ ንሃገሩ ሸቶ ኣመዝጊቡ።

ሮበርት ለቫንዶውስኪ (ፖላንድ)

ሮበርት ለቫንዶውስኪ ዝመርሓ ፖላንድ፡ ኣብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ብፍጹም ቅላዕ ዓወት ብምምዝጋብ ልቢ ዌልሳውያን ሰቢራ ናብ ዩሮ 2024 ምሕላፋ ከም ዘረጋገጸት ይዝከር።

ወዲ 35 ዓመት ተጻዋታይ ሮበርት ለቫንዶውስኪ ብርግጽ ብኸመይ ሸቶ ከምዘመዝግብ ከምዘሎ ይፈልጥ እዩ።

ኣብ 148 ጸወታታት 82 ሸቶታት ብምምዝጋብ ናብ ኵሉ ግዜ ብሉጽ ኣመዝጋቢ ሸቶ ፖላንድ ኰይኑ።

ኣብ ውሽጢ 19 ዓመታት ልዕሊ 600 ግዜ ንክለባትን ሃገርን ሸቶ ኣመዝጊቡ እዩ።

ኣብ ዩሮ 2020 ኣብ ሰለስተ ጸወታታት ሰለስተ ሸቶታት ዘመዝገበ ኰይኑ፡ ኣብዚ ክራማት ዝካየድ ዩሮ 2024 ሻድሻይ ዓቢ ዓለምለኻዊ ውድድሩ ክኸውን እዩ።

ክርስትያኖ ሮናልዶ (ፖርቱጋል)

ካልእ መእተዊ ዘየድልዮ ተጻዋታይ፤ ኰኸብ ኩዕሶ እግሪ ክርስትያኖ ሮናልዶ ዋላ ኣብ 39 ዓመት ዕድሚኡ ፍጥነቱ ናይ ምዝሕሓል ምልክት ኣየርእይን ዘሎ።

ንፖርቱጋል 206 ግዜ ብምጽዋት 128 ሸቶታት ዘመዝገበ ናይ ኵሉ ግዜ ብሉጽ ኣመዝጋቢ ሸቶ ዓለምለኻዊ ኩዕሶ ብምዃን ክብረወሰን ዝሓዘ ተጻዋታይ ኢዩ።

እዚ ክራማት መበል 12 ዓለምለኻዊ ውድድሩ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ዩሮ 2020 ብ5 ሸቶታት ወርቃዊ ጫማ ድሕሪ ምዕዋቱ፡ ነዚ ዕድል ዳግማይ ናይ ምዕዋት ዕድል ክረክብ እዩ።

ሃሪ ኬን (እንግሊዝ)

ሃሪ ኬን፡ ናይ ኵሉ ግዜ ብሉጽ ኣመዝጋቢ ሸቶ እንግሊዝ እዩ።

ሓለቓ ጋንታ እታ ብሰለስተ ኣናብስ እትፍለጥ ሃሪ፡ ምስ ባየር ሙኒክ ኣብ ዝነበሮ ቀዳማይ ዓመተ ስፖርት ኣብ 45 ጸወታታት 45 ሸቶታት ኣመዝጊቡ እዩ።

እዚ ኣሃዝ ሒዙ ድማ ናብ ዩሮ 2024 ይጽንበር ኣሎቱ።

ዋላ'ኳ ብውልቁ ዕዉት ወፍሪ እንተገበረ፡ ባየርን ንወፍሪ ብዘይ ዋንጫ ብምዝዛማ ግን ክሳብ ሕዚ ንሞያኡ ዝምጥን ክብሪ ይጽበ ኣሎ።

ኪልያን ምባፐ (ፈረንሳ)

ብሉጽ ኣጥቃዓይ ፈረንሳዊ ኪልያን ምባፐ ኣብ ዩሮ 2024 ብሉጽ ኣመዝጋቢ ሸቶ ክኸውን ትጽቢት ይግበር።

እዚ ወዲ 25 ዓመት ተጻዋታይ፡ ኣብ 77 ጸወታታት ጥራይ 46 ሸቶታት ኣመዝጊቡ እዩ።

ምባፐ ኣብ ዋንጫ ዓለም 2022 ኣብ ፍጻመ ጸወታ ኣንጻር ኣርጀንቲና ዘመዝገቦ ሃትሪክ ሸቶታት ሓዊሱ ብሸሞንተ ሸቶታት ወርቃዊ ጫማ ከም ዝተዓወተ ይፍለጥ።

ራስሙስ ሆይሉንድ (ዴንማርክ)

ራስሙስ ሆይሉንድ ድሮ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኽ ዝዓቢ ዘሎ ኰኸብ ኩዕሶ እግሪ ዴንማርክ እዩ።

እዚ ወዲ 21 ዓመት ተጻዋታይ ኣብ መጋቢት 2023 ኣብ መጻረዪ ኤውሮጳ ኣንጻር ፊንላንድ ኣብ ዘካየዶ ናይ መጀመርታ ዓለምለኻዊ ጸወታ ሃትሪክ ኣመዝጊቡ’ዩ፤ ኣብ ሸሞንተ ጸወታታት 7 ሸቶታት ማለት እዩ።

ዝሓለፈ ዓመተ ስፖርት ካብ ኣታላንታ ብ72 ሚልዮን ፓውንድ ናብ ማንቸስተር ዩናይትድ ዝተዛወረ እዚ ተጻዋታይ፡ ዋላ'ኳ ላዕልን ታሕትን ዝበዝሖ ዓመተ ስፖርት እንተነበረ፡ ምስ ቀያሕቲ ሰይጣውንቲ ዋንጫ ኤፍ.ኤ. ተዓዊቱ እዩ።

ኣሌክሳንደር ሚትሮቪች (ሰርብያ)

ሰርብያ ከም ናጻ ሃገር ንፈለማ እዋን ንሻምፕዮን ኤውሮጳ ኣብ እትዳለወሉ ዘላ እዋን፡ ኣሌክሳንደር ሚትሮቪች ቁልፊ ህላወ እታ ጋንታ እዩ።

እዚ ወዲ 29 ዓመት ሰርብያ ኣብ 89 ጸወታታት 57 ሸቶታት ብምምዝጋብ ናይ ኵሉ ግዜ ብሉጽ ኣመዝጋቢ ሸቶ እታ ጋንታ ኰይኑ።

ሚትሮቪች ኣብ ወርሒ ነሓሰ ካብ ፉልሃም ናብ ስዑዲ ፕሮ ሊግ ድሕሪ ምኻዱ ብደረጃ ውሽጢ ሃገር ውጽኢታዊ ዓመተ ስፖርት ኣሕሊፉ።

ኣብ ኵሉ ውድድራት ኣብ 42 ጸወታታት ጥራይ 39 ሸቶታት ብምምዝጋብ፡ ኣል ሂላል ዋንጫ ክትዓትር ሓጊዙ።

ዘኪ ዓምዱኒ (ስዊዘርላንድ)

ዘኪ ዓምዱኒ ሓደ ካብቶም ኣብ መጻረዪ ኤውሮጳ ዝተረኣዩ ኰኸባት እዩ።

ኣብ 5 ጸወታታት ጥራይ 6 ሸቶታት ብምምዝጋብ ስዊዘርላንድ ንሻድሻይ ግዜኣ ብተኸታታሊ ናብ ዓቢ ውድድር ክትሓልፍ ኣኽኢልዋ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ግን ሓንሳብ ጥራይ እያ ካብ ዝሓለፈ ዙር 16 ሓሊፋ - ኣብ ዩሮ 2020 ናብ ርብዒ ፍጻመ በጺሓ ነይራ።

ኣብ 2024 ዝሓሸ ውጽኢት ክተመዝግብ እንተዀይና ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስታ ካብ ፕሪምየር ሊግ ዝወረደት በርንሊ ኣብ 36 ጸወታታት 6 ሸቶታት ዘመዝገበ ኣምዱኒ ቁልፊ ተጻዋታይ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።

ኣልቫሮ ሞራታ (ስጳኛ)

ኣልቫሮ ሞራታ ሓለቓ ጋንታ እታ ንሳልሳይ ግዜ ዋንጫ ከተልዕል እትጽበ ዘላ ስጳኛ'ዩ።

ኣብ መንጎ 2017ን 2020ን ኣብ ቸልሲ ንሰለስተ ዓመታት ዘሕለፈ እዚ ምኩር ኣጥቃዓይ ኣትለቲኮ ማድሪድ፡ ኣብ 74 ዓለምለኻዊ ጸወታታት 34 ሸቶታት ኣመዝጊቡ ኣሎ።

ሕጂ ኣብ ዩሮ 2024 ካብ ዝጻወቱ ኣባላት ጋንታ ስጳኛ ክሳዕ ሕጂ ብሸቶታት ኣብ ድርብ ኣሃዝ ዝበጽሐ ካልእ ተጻዋታይ የለን።

ኣብ ዩሮ 2024 ትጽቢት ዝግበረሎም ተጻወትቲ እዚኦም ጥራይ ኣይኰኑን።

ብዙሓት ብቕዓትን ተውህቦን ዘሎም ተጻወትቲ’ውን ኣለዉ።

ንስኻትኩም’ከ መን ዝለዓለ ኣመዝጋቢ ሸቶ ክኸውን’ዩ ኢልኩም ትግምቱ?