ፖለቲካዊ ቅልውላው ህወሓት፡ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ንጉባኤኡ ኣፍልጦ ከምዘይህብ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, TPLF/fb
ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ነቲ ጽባሕ ክጅመር ተመዲቡ ዘሎ ጉባኤ ህወሓት ኣፍልጦ ከምዘይህብ ኣፍሊጡ።
እቲ ፈደራላዊ ትካል ሰኑይ ኣማስያኡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ብህወሓት ተቐባልነት ዘይረኸበ ውሳነኡ ብምጥቃስ ፡ "ኣገደስቲ ዝዀኑ ቅደመ-ምድላዋት ከምዝተገብረ ከየፍለጠ" ዝካየድ ብምዃኑ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ሓቢሩ።
እቲ ቦርድ ብ3 ነሓሰ 2016 [ግ] ኣብ ዝሃቦ ውሳነ፡ ነቲ ብሰንኪ ኲናት ትግራይ ወግዓዊ ሕጋዊ ኣፍልጦ ተኸሊኡ ዝጸንሐ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ "ብፍሉይ ኵነታት" ብምምዝጋብ ወግዓዊ ምስክር ወረቐት ኣፍልጦ ከም ዝሃቦ ገሊጹ ነይሩ።
እንተዀነ ህወሓት ብሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ንውሳነ እቲ ቦርድ ከምዘይቅበሎ ኣነጺሩ'ዩ።
ብኻልእ ወገን፡ ሚድያታት ትግራይ ነቲ "ህዝብና ብሃንቀውታ ዝጽበዮ ወሳኒ ጉባኤ ንምድብዛዝን ብዝተዛበዐ ሓበሬታ ህዝቢ ንምድንጋርን ብስምዒት ንምልዕዓልን ዝዓለመ መደባትን ዜናታትን" የመሓላልፉ ኣለዉ ክብል ህወሓት ከሲሱ'ሎ።
ኣብቲ ንኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ፡ ድምጺ ወያነ ትግራይን ኤፍኤም መቐለን ዝሰደዶ ቅሉዕ መልእኽቲ፡ "ፈነወ ዝተዛበዐን ዘይሚዛናውን መደባትን ዜናታትን ደወ ንኸብል ነተሓሳስብ" ኢሉ። እቲ ፈነወ እንታይ ምንባሩ ግን ብዝርዝር ኣየነጸረን።
ትግራይ፡ ኣብዚ ቅንያት ኣብ ውሽጢ ማእከላይ ሽማግለ ህወሓት ብዝተፈጥረ ቍርቁስ ኣብ ፖለቲካዊ ወጥርን ረስንን ትርከብ።
በቲ ሓደ፡ ኣብ መንጐ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያን ምስኡ ተዛሚዱ ድማ ምስ መንግስቲ ፈደራል በቲ ኻልእ ድማ ኣብ ሞንጎ መሪሕነት ተፈጢሩ ብዘሎ ምክፍፋልን ምጕጅጃልን ኣቓልቦ ብዙሓት ስሒቡ ዘሎ ጉዳይ እዩ።
እዚ ከምዘሎ ኰይኑ ኣብ መዳይ ጸጥታ እውን ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ካብ ሕጊን ስርዓትን ወጻኢ ክንቀሳቐሱ ዝጸንሑ፡ ኣብ ስርቂ፡ ብልሽውናን ካልኦት ተግባራትን ከምዝተዋፈሩ ዝተጠርጠሩ ሹመኛታትን ሓለፍቲ ስራሕን ኣብ ቀይዲ ይኣትዉ ኣለዉ።
ልዕልና ሕጊን ጸጥታን እቲ ክልል ንምርግጋጽ ዝተፈላለዩ ስርሓት ይካየዱ ከምዘለዉ’ውን ካብ ፖለቲካዊ ከምኡ’ውን ጸጥታዊ መሪሕነት ክግለጽ ጸኒሑ’ሎ።
እዚ ኣብ ውሽጢ’ቲ ገዛኢ ውድብ ፈኸም ክብል ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ምትፍናን ኣብ ጉዳይ እቲ ንኽካየድ ምሽብሻብ ዝግበረሉ ዘሎ መበል 14 ጉባኤ ንግዳም ዝተቐልዐ ኰይኑ፡ እቶም ዝተፈላለየ መርገጽታት ሒዞም ዘለዉ ወገናት - መራሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልልን ቤት ጽሕፈት ህወሓትን - በብወገኖም መግለጺታት ይህቡሉ ኣለዉ።
ኣብ ርእሲ’ዚ ምስቲ እቲ ጉባኤ ተኣሳሲሩ፡ ገለ ወረዳታትን ቀበሌታትን እታ ክልል [ድሒሩ’ውን ካድራት መቐለ] ዘለወን መርገጺ ኣብ ዘፍልጣሉ እዋን ‘ተሳትፎ ኣይንገብርን’ ዝብሉ ድምጽታት ተሰሚዖም።
እቲ ኣብ ውሽጢ ህወሓትን መሪሕነትን ንዘሎ ኣካይዳ ከምኡ’ውን ጥሕሰታት ብምክትታል መአረምታታት ናይ ምሃብ ሓላፍነትን ስልጣንን ዘለዎ ማእከላይ ኮሚሽን ቍጽጽር እቲ ውድብ እውን ተደጋገምቲ መግለጺታት ኣብ ምሃብ ይርከብ።

ምንጪ ስእሊ, TPLF/DIMTSI WOYANE/TIGRAY TV
ኣብ ምክያድ ጉባኤ ተቓውሞ ከምዘይብሉ ዝሕብር እቲ ኮሚሽን “ጉባኤና ልዕልና ኣለና ብዝብሉ ውልቀሰባት ተጨውዩ። ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ዝግበር ምጕያይ እዩ ዝረአ ዘሎ” ብዝብል ካብ ምትሕብባርን ተሳትፎን ጉባኤ ንነብሱ ከምዘግለለ ይፍለጥ።
ኣብቲ ነዊሕ ከካትዕ ዝጸንሐ ምምላስ ሕጋዊ ሰብነት ህወሓትን ከም ሓዲስ ምምዝጋብን እውን ምርድዳእ ዝፈጥር መዕለቢ ኣይተረኸበን። ካብ ቦርድ መረጻ ዝተወሃበ ውሳነ ካብ ህወሓት ተቓውሞ ገጢምዎ’ሎ። ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳርን ምኽትል ኣቦ መንበር ህወሓትን ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ፡ “ዝተጐጀሉ” ክብል ዝገለጾም ላዕለዎት መሪሕነት እቲ ውድብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበን ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ዘሕለፎ ውሳነን ተቓውሞ ከቕርብ’ዩ ተሰሚዑ። ብሓፈሻ እዚ ምዕባለታት እዚ ቕነ እንታይ እዩ ዝመስል?
ጉዳይ ጉባኤ
ህወሓት ኣብ ጉዳይ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ መበል 14 ስሩዕ ጉባኤ ኣብ ክልተ ተመቒሉ ምህላዉ ኵሉ ዝፈለጦ ሓቂ ኰይኑ ይርከብ። ብሓደ ወገን ምክያዱ ዝድግፉ ብኻልእ ገጽ ድማ “ኣይፋል! ዕላማኡ ስለዝተጨወየ ክካየድ የብሉን - ግዜኡ ኣይኰነን” ዝብሉ ላዕለዎት መሪሕነትን ካድራትን ኣብ ክልተ ተመቒሎም ኣለዉ።
“ኣብ ውሽጥና ዝተፈጠረ ምብስባስን ፖለቲካዊ ሕመቕን ንምጽራይ ስለዝሕግዘና እቲ ጉባኤ ብቕልጡፍ ክካየድ ኣለዎ” ዝብል ብኣቦ መንበር እቲ ውድብ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል (ዶ/ር) ዝምራሕ ሓደ ወገን ንምስላጥ እቲ ጉባኤ ምሽብሻቡ ቀጺሉሉ ኣሎ።
ካብ ዝተፈላለያ ወረዳታታት ትግራይ ዝመጽኡ ካድራትን ኣባላትን፡ ኣብቲ ወትሩ ዝራኸቡሉ ኣዳራሽ ሓወልቲ ስውኣት ኣብ ዝካየድ ጉባኤ ተኣኪቦም ብቐንዱ ሓደስቲ ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ናይ ምምራጽ ዕማም ክውግኑ ትጽቢት ይገበር።

ምንጪ ስእሊ, TPLF
ብኻልእ ወገን “ጉባኤ ንምክያድ ዝግበር ዘሎ ምጉያይ ንበዓል መን ንምጥቃዕ ከምዝዓለመ ፍሉጥ እዩ። ኣብ ስልጣን ናይ ምጽናሕ ባህጊ ዘለዎም ጕጅለ መሪሕነት እዮም ዘጻድፍዎ ዘለዉ” ዝብል መርገጺ ዘለዎም መሪሕነት ኣብ ዝሓቘፈ ወገን ከኣ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ይርከቦ።
ንሱ ምስ ተለቪዥን ድምጺ ወያነ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት “እቲ ውድብ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዘካየዶም ኣኼባታት ወሳኒ ኣጀንዳ ህዝቢ ትግራይ ርኢናሉ ኣይንፈልጥን። ናይ ስልጣን ቍርቁስ እዩ። መን ስለ ምንታይ ናብዚ ደየበ? ኣየናይ ኣጋጣሚ ተጠቒምካ ክወርድ ይኽእል?” ኣብ ዝብሉ ቍርቍሳት ተሸሚሙ ከም ዘሎ ምግላጹ ይዝከር።
ሕጂ፡ መሰረታዊ ሕመቕ እቲ ሰልፊ ስልጣን ከም ዝዀነ ብምግላጽ፡ ምስዚ ብዝተሓሓዝ፡ “እቲ ዝነበረካ ከተቐጽል ናይ ምድላይ፡ ኣብ ስልጣን እንከለኻ ንዝፈጸምካዮ ንከይትሕተት መኸወሊ ንምግባር ኵሉ ይረባረብ እዩ” ብምባል፡ ዝተሓደጐ ስልጣን ከምልስ ‘ዘሕደገኒ ዝብሎ ድማ ጸግዒ ከትሕዝ’ ምርብራብ ይግበር ኣሎ ኢሉ።
“ኵሉ ብሕብሕብኢተይ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ። ስለዚ እንጥዕየሉ ጕባኤ ኣይክኸውንን” ክብል’ውን ጉባኤ ንምክያድ ዝገበር ዘሎ ምጉያይ ተቓዊሙ።
እቲ ኣብዚ እዋን ንሰሉስ 13 ነሓሰ 2024 ክካከየድ ምዃኑ ዝተነግረ ስሩዕ ጉባኤ ህወሓት ከካተ ኣብ ዝጸንሓሉ ቅንያት ካብ ኮሚሽን ቍጽጽር እቲ ውድብ ኣብ ዘጋጠሞ ተቓውሞ “ብግጕይ መገዲ ክኸይድ ዝደሊ ሓይሊ ኣሎ” ዝብል ክሲ ይቐርበሉ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦ ኣቦ መንበር እቲ ኮሚሽን ኣቶ ተኽለብርሃን ኣርኣያ “ምድላው እቲ ጉባኤ ግልጽነት ጐዲልዎ። ካብ ስምምዕነትን ኣፍልጦን ኣሰናዳኢ ኮሚቴ ወጻኢ ክምራሕ ይግበር ኣሎ። ልዕልና ኣለኒ ብዝብል ሓይሊ ተጨውዩ ናብ ሓደገኛ ኵነታት የምርሕ ኣሎ” ክብል ከሲሱ ነይሩ።
ሰንበት ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃበ ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚካኤል (ዶ/ር) “ኣብ መንጐ መሪሕነት ዘሎ ሽግራት እናተጋደደ ምምጽኡ” ንኣገዳስነት ምክያድ ጉባኤ ከም ምኽንያት ጠቒሱ።
ዝርኣ ዘሎ ምክፍፋል መሪሕነት ክሳብ ‘ኣብ ጉባኤ ኣይንሳተፍን’ ናብ ዝብል መርገጺታት ከምዝበጽሓ ዝገለጸ እቲ ኣቦመንበር “እዚ ትርእዮታት ኣድላይነት ጉባኤ ብዝበለጸ ዘርእየና እዩ። ሓደ ዕላማ ጉባኤ ምስትኽኻል መሪሕነት እዩ። ብፍላይ ኣብዚ ክልተ ሰለስተ ሰሙን ከኣ ኣገዳስነት ጉባኤ ኣድሚቑ ዘርኢ ሓቅታት ኢና ንርኢ ዘለና” ኢሉ።
ጉባኤ ንምክያድ “ኣቐዲምካ ሕቶ ምቕራብ እውን ዘድልዮ ኣይኰነን” ዝበለ ዶክተር ደብረጽዮን እቲ ካብ ቦርድ መረጻ ዝተወሃበ ውሳነ ብዘየገድስ፡ እቲ ዝተሓሰበ ስሩዕ ጉባኤ ከምዝካየድ ኣረጊጹ ተዛሪቡ’ሎ።
እቲ ጉባኤ ካብ ጽባሕ ሰሉስ 7 ነሓሰ 2016 (13 ነሓሰ 2024) ጀሚሩ ከምዝካየድ ህወሓት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝዘርግሖ ሓጺር መልእኽቲ የመልክት።
ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ’ውን ኣብዚ እዋን ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ናብ መቐለ ክኣትዉ ጀሚሮም ኣለዉ።
ምትፍናን ግዝያዊ ምምሕዳርን ቤት ጽሕፈት ህወሓትን
ህወሓት ኣብ ውሽጡ ዝፍጠሩ ፍልልያትን ዘይምርድዳእን ብምስጢራውነት ዓቂቡ ናይ ምጽናሕ ነዊሕ ተመኵሮ ከምዘለዎ ይፍለጥ። ካብ ቀረባ እዋናት ናብዚ ግን “ውድባዊ ምስጢራት” ዝበሃሉ ናብ ኣደባባያት እናተቐልዑ መንቀሊ ክትዓት ክዀኑ ይረኣዩ ኣለዉ።
ኣብ ውሽጢ ዝፍጠር ምምቕቓል መሪሕነት ብቕሉዕ ኵሉ እናፈለጦ ወጥሪታት ክጓሃሃር ኣብ ዝረኣየሉ እዚ እዋን፡ “ሓበሬታ ኣሕሊፉ ዝሃበ እከለ እዩ” ዝብል ምክሳሳት ኣብ መንጐ ላዕለዎት መሪሕነት ይስማዕ።
ብፍላይ ኣብ መንጐ ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚኪኤል ዝመርሖ ሰልፊ ህወሓትን ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝመርሖ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ጕዳያት ዘሎ ፍልልይ ከምዝተቐልዐ ብዙሓት ይገልጹ።
ቅድሚ መዓልታት ኣብ ተለቪዥን ድምጺ ወያነ ቃለ-መሕትት ዝገበረ ኣቶ ጌታቸው፡ “ኣብ መሬት ብዘሎ ነገራት ዘይምቅዳው፤ ኣብ ውሽጥና ብዝነበረ ፖለቲካዊ ውጥጥ፤ ሓደ ዝጀመሮ ምንቅስቓስ ካልእ ሽም ስለ ዝወጽኣሉ” ምምሕዳሩ ክሰርሖም ዘይከኣለ ብርክት ዝበሉ ምምሕዳራውን ፖለቲካውን ጕዳያት ከም ዘለው ኣመልኪቱ ነይሩ።
“ህወሓት ክፈርስ ዝደልዩ” ኣባላት መሪሕነት ከምዘለዉ ዝገለጽ ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚኪኤል እውን ኣብቲ ትማሊ ዝሃቦ መግለጺ “እቲ ኣመራርሓ ነንባዕሉ ብሚድያ ዝጠቓቓዕ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ተሳትፎ ጉባኤ የለኹን ምባል እውን ተጀሚሩ’ሎ። ምፍርራስ ጀሚሩ” ክብል እቲ ኣብ መንጐ መሪሕነት ዝተፈጠረ ምምቕቓል ኣረጋጊጹ።

ምንጪ ስእሊ, TPLF
ንሱ ንዝርከበሉ ሓደ ወገን ‘ንውድብ ብኣግባቡ ዝመርሕ ዘሎ’ ክብል ዝገለጾ እቲ ኣቦመንበር “እቲ ነገር ካብ ውሽጥና ወጺኡ ይሰፍሕን ናብ ካልእ ይኸይድን እዩ ዘሎ። መሪሕነትና ሓድነት ዘይብሉ ጥራይ ዘይኰነስ ንሓድሕዱ ዝቀጣቐጥ ኰይኑ። እቲ ዝዓበየ ሕመቕ ውድብ ኣመራርሓና እዩ። ብሓደ ክወፍር ዘይክእል ኣመራርሓ ኰይኑ፤ ኣመራርሓ ዘይብሉ ውድብ ይኸውን ኣሎ” ክብል ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ሓቢሩ።
ናይዚ ሓደጋ ድማ እናዓበየ ይኸይድ ምህላዉ ኣብቲ መግለጺኡ ኣመልኪቱ’ሎ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦ በዓልሞያ ሕግን ተንታኒ ፖለቲካን ተኽሊት ገብረመስቀል፡ “ኣብዚ እዋን ዝተፈጠሩ ጕጅለታት ናይ ቤት ጽሕፈት ህወሓት ሓይልን ናይ ግዝያዊ ምምሕዳር ሓይልን ብዝብል እንተገሊጽናዮም፤ እቲ ናይ ቤት ጽሕፈት ምስ ኵሉ ናይ ምልታም ባህርያት እዩ ዘለዎ። ሒዝዎ ዝመጽአ ርእዮተ-ዓለም ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኵነታት ኮነ ምስ ዓለም ዝጋጮን ዝተጸልአን ሓይሊ እዩ” ይብል።
እዚ ኣካይዳ ከኣ ንህወሓት ንህልውናኡ እውን ኣብ ሓደጋ ዘእትው ከምዝኸውንን ንትግራይ ከኣ ብኡ ልክዕ “ናብ ክልተ ክመቕላን ናብ ሓደጋ ከእትዋን” ከምዝኽእልን ስክፍታኡ የቐምጥ።
ውሳነ ቦርድ መረጻን ግብረመልሲ ህወሓትን
ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ብሰንኪ ኲናት ትግራይ ወግዓዊ ሕጋዊ ኣፍልጦኡ ተኸሊኡ ዝጸንሐ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ [ህወሓት] ብፍሉይ ኵነታት ወግዓዊ ምስክር ወረቐት ኣፍልጦ ከም ዝሃቦ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዘፍለጠ ይዝከር።
ህወሓት ብፍሉይ ኵነታት ከም ፖለቲካዊ ውድብ ንኽምዝገብ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ዝተዳለወ ኰይኑ፡ ነዚ መሰረት ብምግባር “ናይ ዓመጽ ተግባር ደው ኣቢሉ ብሕገ መንግስታዊ መገዲ ንኽንቀሳቐስ” ከም ዝተሰማምዐ መግለጺ እቲ ቦርድ የመልክት።
ድሕሪ ኲናት ትግራይ ሕጋዊ ሰብነቱ ዝተሰረዘ ህወሓት ዳግማይ ሕጋውነቱ ክምለሰሉ ሕቶ ከቕርብን ምስ ፈደራል መንግስቲ ዝርርባት ከካይድን ምጽንሑ ይፍለጥ።
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ብወገኑ ዝተሰረዘ ሕጋዊ ሰብነቱ፡ በቲ ውድባት ፖለቲካ ብፍሉይ ኵነታት ንምምዝጋብ ዝወጽአ ኣዋጅ መሰረት ከም ብሓድሽ ንኽምዝገብ ዝተውሃበ ውሳነ ከምዘይቕበሎ’ዩ ኣፍሊጡ።
ቤት ጽሕፈት ህወሓት ንውሳነ ቦርድ መረጻ ስዒቡ ኣብ ዝዘርግሖ በዓል ሰለስተ ገጽ መግለጺ፡ “ዘቕርበክዎ ካልእ ዝተመለሰለይ ግን ካልእ” ክብል ሓቢሩ።
“ህወሓት ዘቕረቦ ሕቶ ብመንጽር ውዕሊ ፕሪቶርያን ሕዚ ካብ ዘለዎ ጭቡጥ ምንቅስቓስን እቲ ዝተሰረዞ ሕጋዊ ሰብነቱ ናብ ዝነበሮ ንኽምለስ’ዩ” ይብል እቲ መግለጺ።
ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ውዕሊ ፕሪቶሪያ ክንፍርም ከለና ንሕና ነቲ ኣይንፈልጦን ኢልናዮ ዝነበርና መንግስቲ ፈደራል ኣፍልጦ ሂብና፤ ፈደራል ድማ ንዓና ኣፍልጦ ብምሃብ እዩ። ክልቲኡ ወገን ፖለቲካዊ ኣፍልጦ ተዋሃሂቡ እዩ። ግን ድማ ሕጊ ከየውጻእካ ኣፍልጦ ምምላስ ኣይከኣልን ስለዝተብሃለ ንህወሓት ኣብ ግምት ዘእተወ ሓድሽ ኣዋጅ ክወጽእ ተገይሩ” ክብል ነቲ ዝነበረ መስርሕ ኣብሪሁ።
ነቲ ነባር ውድብ ከም ሓድሽ ክምዝገብ ምውሳን “ንውዕል ፕሪቶሪያ ዘፍርስ እዩ። ምኽንያቱ [ህወሓት] ካብ 3 ነሓሰ ዝጅምር ሓድሽ ፓርቲ እዩ ዝኸውን ዘሎ። ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ዋና ዘይብሉ እዩ ዝገብሮ። ሓደ ወገን ንበይኑ ውዕሊ ኣለኒ ክብል ስለዘይክእል ይፈርስ ኣሎ ማለት’ዩ” ኢሉ።
ብኻልእ ገጽ ድማ ምክትል ኣቦወንበር ህወሓትን ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብቐዳም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኮሚሽን ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ-ህወሓት ከም ብሓድሽ ‘ብፍሉይ ኵነታት ክምዝገብ’ ዝሃቦ ፍቓድ ከም ዘይቅበሎ ኣፍሊጡ’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, DIMTSI WOYANE
ኣቶ ጌታቸው ረዳ “እቲ ህወሓት ናብ ቦርድ መረጻ ዘቕረቦ ሕቶ ምዝገባ፡ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ዘይፈልጦ፤ ንሕና ድማ ነዚ ምዝገባ ኢልና ዝፈረምናዮ ዝዀነ ዓይነት ሰነድ እንከይሃለወ ውልቀሰባት ብጕጅለ ተወዲቦም ዝገበርዎ ዘይግቡእ ተግባር እዩ” ብምባል ተቓዊሙ።
ንሱ ኣስዒቡ “ብሽም ህወሓት ምዝገባ ዝሓተቱ ውልቀሰባት ፍቓድ እንከይሓተቱ ዝፈጸምዎን ስኑዕ ሰነድ መሰረት ብምግባር ዝተዋህበን’ዩ” ብምባል፡ እቲ ዝተገበረ ከይዲ ርትዓዊ ከም ዘይኮነ ሓቢሩ።
ስለዝዀነ ድማ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ “ነዞም ውልቀሰባት” ዝሃቦ ምዝገባ ዳግማይ ክምርምሮ ሓቲቱ።
ኵነታት ጸጥታ ትግራይ . . .
ብፖለቲካዊ ምትፍናን ኣብ ክትዕን ምጥቕቓዕን ተሸሚሞም ዘለዉ መራሕቲ ህወሓትን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ንህዝቢ እቲ ክልል ናብ ሓደጋ የውድቕዎ ከምዘለዉ ይዝረብ።
ብዝተፈላለዩ ገበናት ከምኡ’ውን ብልሽውና ሹመኛታት ኣብ ጸገም ዝወደቐ ህዝቢ፡ ካብ በሰላ ኲናት ገና ኣብ ምሕዋይ እናሃለወ ብመራሕቱ ናብ ስግኣት ክወድቕ ምርኣይ ነቐፌታታት ኣኸቲሉ’ሎ።
ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምክትል ፕረዚደንትን ሰክረታርያት ካቢነ ሰላምን ጸጥታን ጀነራል ታደሰ ወረደ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብቲ ክልል ዝርአ ኵለመዳያዊ ጸገም ጸጥታ ንምፍታሕን “ብቐንዱ ልዕልና ሕጊ ንምርግጋጽን” ስጕምቲ ምውሳድ ከምዝተጀመረ ኣፍሊጡ ነይሩ።
በዚ መሰረት ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ገበናት ተዋፊሮም ዝጸንሑ ውልቀሰባት ሕጋዊ ስጕምቲ ክውሰድ ከምዝጀመረ ኣተሓሒዙ ገሊጹ።
ብኣቶ ጌታቸው ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እውን ኣብታ ክልል ዝካየድ ዝዀነ ይዅን ነቲ ተረኺቡ ዘሎ ኣንጻራዊ ሰላም ዝዘርግ፡ ድሕነትን ውሕስነትን ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝግበር ኣካይዳታትን ከምዘይዕገስ ከምዘጠንቀቐ ይዝከር።
ልዕልና ሕጊ ንምርግጋጽ ዘኽእል ሕጋዊ ስጕምቲታት ድማ ኣሓዪሉ ከም ዝቕጽል ኣፍሊጡ።
ብመሰረት እዚ እዋናዊ መግለጺ፡ ዝርዝር እቲ ሰላምን ጸጥታን እታ ክልል ይዅን ድሕነት ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ዝተባህለ ተግባራትን ምንቅስቓሳትን ብዝርዝር ኣይተገልጸን።
እንተዀነ፡ ስእነት ድሕነትን ጸጥታን እቲ ክልል በቲ ሓደ፡ ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ እቲ ክልል ዝተፈጥረ ቍርቍስ ድማ በቲ ኻልእ ንንቡር ፖለቲካውን ማሕበራውን ጸጥታውን ኣቃውማ ትግራይ ዝፍትኑ ዘለዉ ተርእዮታት ምዃኖም ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
ብሰንበት’ውን መግለጺ ዝሃበ ጀነራል ታደሰ፡ ጉባኤ ህወሓት ክካየድ ምዃኑ ብምሕባር “ኣብ ውሽጢ ህወሓት ብፍላይ ኣብ ኣመራርሓኡ ዝተፈጠረ ሽግር ኣሎ። ኣብ ጉዳይ ጉባኤ ድማ ኣፈላላያት ከምዘሎ ንፈልጥ ኢና። ህወሓት ኣብ ፖለቲካዊ ወጥሪ ኰይኑ ዘካይዶ ጉባኤ እዩ” ክብል ነቲ ዘሎ ኵነታት ተዛሪቡ’ሎ።

ምንጪ ስእሊ, TIGRAY TV
እዚ ኣፈላላያት ብሰለማዊ መገዲ ጥራይ ክቕጽል ድልየት ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ከምዝዀነ ብምሕባር ድማ ኣካላት ጸጥታ ምስ ዝዀነ ኣካል ዝውግኑሉ ኵነታት ከምዘይህሉ ኣነጺሩ።
“ዝዀነ ዓይነት ፖለቲካዊ መስርሕ ሰላማዊ ብዝዀነ መገዲ ክኸይድ ኢና ንደሊ። ጉባኤ’ውን ብሰላማዊ መገዲ ክኸይድ ኣለዎ። ስለዚ፡ ዝዀነ ፖለቲካዊ ውጥረት ናብ ሓደጋ ጸጥታ ክሰጋገር የብሉን። ክህሉ’ውን ኣይክእል” ኢሉ።
ስግኣት ጸጥታ ኣብ ዝዀነሉ ደረጃ እንተበጺሑ ግን “ናይ ጸጥታ ሓይልና ስርሑ ክሰርሕ እዩ። ክሳብ ዝተወሰነ እዋን ከኣ ዝዀነ ጭርሖን ካልእ መልእኽቲ ሒዝካ ወይ ፖለቲካዊ ድጋፍን ተቓውሞን ንምግላጽ ዝካየድ ሰላማዊ ሰልፊ ኣይንፈቅድን” ክብል’ውን ኣተሓሳሲቡ።
ንበዓል ኣሸንዳ፣ ኣብ ድሕሪ ጉባኤ ንዝካየድ ኮንፈረንስን ካልኦት ጉዳያትና ናብ ትግራይ ክመጽኡ ዝሓስቡ ኣካላት ዝኾነ ስግኣት ጸጥታ ክሓድሮም ከምዘይብሎም እቲ ጀነራል ገሊጹ።
ምስ ብልሽውናን ካልኦት ገበናትን ብዝተሓሓዝ ዝተጀመሩ ስጕምትታት ከምዝቕጽሉ'ውን ኣፍሊጡ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
