ትግራይ፡ ሓሙሽተ ሓለፍቲ ብብልሽውና ተጠርጢሮም ተኣሲሮም

ምንጪ ስእሊ, DW
ሓላፊት ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ትግራይ ዶክተር ምሕረት በየነ እትርከቦም ሓሙሽተ ሰባት ብብልሽውና ተጠርጢሮም ኣብ ቀይዲ ከም ዝወዓሉ ተገሊጹ።
ኮምሽነር ኮሚሽን ፀረ ግዕዝይና ትግራይ ኣይተ ፍጹም ብርሃነ፡ “ሓላፊት ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ትግራይ እትርከቦም ሓሙሽተ ሰባት” ብሓሙስ ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
እቶም ኵሎም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ሰባት ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ዝሰርሑ ከምዝዀኑ ጠቒሱ።
“ኣብ ዕዳጋ ጽሬቱ ዘይሓለወ ንብረት ኣታዊ ብምግባር” ከም ዝተጠርጠሩ ድማ ሓቢሩ።
ኣብ እዞም ሕዚ ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ተጠርጠርቲ ተወሳኺ ምጽራይ ይካየድ ከምዘሎ ዝሓበረ ኣይተ ፍጹም ብርሃነ፡ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐርቡ እውን ኣመልኪቱ።
ኣብ ካልኦት ኣብያተ ዕዮ'ውን ተመሳሳሊ ምጽራይ ይካየድ ከም ዘሎ ገሊፁ።
እቲ ኮምሽነር ብብርኪ ክልል ኣብ ላዕለዎት ሰብመዚ እውን ምጽራይ ይካየድ ከምዘሎ ሓቢሩ። ይኹን’ምበር መንነት እቶም ሰበስልጣን ካብ ምፅራሕ ተዓቂቡ።
ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምክትል ፕረዚደንትን ሰክረታርያት ካቢነ ሰላምን ጸጥታን ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ኣብቲ ክልል ዝርአ ኵለመዳያዊ ጸገም ጸጥታ ንምፍታሕን “ብቐንዱ ልዕልና ሕጊ ንምርግጋጽን” ስጕምቲ ምውሳድ ከምዝተጀመረ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ኣመልኪቱ ነይሩ።
በዚ መሰረት ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ገበናት ተዋፊሮም ዝጸንሑ ውልቀሰባት ሕጋዊ ስጕምቲ ክውሰድ ከምዝጀመረ ምግላፁ ይፍለጥ።
ኣብ ስርቂ ሓፂነ መፂን ብዝተዋፈሩን ቀንዲ ማእከሉ ኣብ መቐለ ብዝገበረን ስጉምቲ ምውሳድ ከም ዝተጀመረ ዝሓበረ እቲ ጀነራል፡ኣብ “ሓጺነ መጺን” ዘተኰረ ዝበሎ ስጕምቲ በታ ከተማ ዝጀመረሉ ምኽንያት፡ ‘መቐለ ቀንዲ መናሃርያ ካብን ናብን ዝሰጋገር ሓጺነ መጺን’ ኰይና ምጽንሓ እዩ ኢሉ ነይሩ።
እቲ "ሓጺነ-መጺን" ተባሂሉ ብሓፈሻ ዝተገልጸ ግን ብዝርዝር እንታይ ምዃኑ ኣይገለጾን።
ኣብ ትግራይ፡ ድሕሪ ኲናት ኣብ ዝተፈጥረ ጸጥታዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራውን ቅልውላዋት ዝጠንቍ ዝተፈላለየ ገበናት ክፍጸም ከምዝጸንሐ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
እዚ ቅልውላው ድሕረ-ኲናት፡ ምስ ምድኻም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን፡ ኣብ ውድብ ህወሓት ዝተፈጥረ ምትፍናን ምምቕቓልን ነቲ ኵነታት ከምዘጋደዶ ይንገር።
እቲ ምስ ኲናት ትግራይ ዝፈረሰ ሓይሊ ፖሊስ ብብቕዓት ምስ ኵሉ ጸጥታዊ መሓውራቱን ዓቕሙን ዳግም ክቐውም ስለዘይከኣለ’ውን፡ ካብቲ ከም ጠንቂ ምልሕላሕ ጸጥታን ምኽባር ሕጊን ኣብቲ ክልል ከለዓል ዝጸንሐ ቅሬታታት ሓደ እዩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
