መጻኢ ዕድል ትግራይን ርክብ ህዝቢ ንህዝብን እንታይ ክኸውን ይኽእል?

ኲናት ትግራይ ክልተ ዓመት ኣቝጺሩ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

እቲ ኲናት፡ ብ24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ትግራይ ድሕሪ ምውልዑ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ልሒሙ ህይወት ብዙሓት ሰባት በሊዑ፣ ሚልዮናት ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ኣመዛቢሉን ተጸበይቲ ረድኤት ክዀኑን ገይሩ’ዩ።

ኣብቲ ብኲናት ዝተሃስየ ከባቢታት ሰሜን ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ፡ ምቁራጽ ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ምቁራጽ ቀረባት ኣገልግሎት ሕክምና ከምኡ’ውን ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፡ ቴሌኮሙኒኬሽን፡ ባንክን ካልኦት መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ብምህላዉ፡ኣብ ህይወት እቲ ህዝቢ ከቢድ ብድሆ ኣስዒቡ ኣሎ።

ውድብ ሃገራትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዘውጽእዎ ጸብጻባት፡ ኩሎም ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ወገናት ከቢድ ግህሰት መሰላትን ቅትለትን ከም ዝፈጸሙ የመልክቱ።

ካብዚ ወጻኢ፡እቲ ኲናት ካብ ዘስዓቦ ጉድኣት ሓደ፡ኣብ መንጎ ህዝብታት ዝነበረ ምትእስሳር ክልሕልሕን ክሕርፍፍን ከም ዝገበረ ካብ ዝተፈላለዩ ውድባት ይስማዕ።

እዚ ደማዊ ኲናት ንከብቅዕ፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶሪያ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ህወሓትን ድሕሪ ዝተኻየደ ልዝብ ሰላም ሓደ ስምምዕ ተፈሪሙ ኣሎ።

በዚ ድማ በቲ ኲናት ዘስዓቦ ቅልውላው ንምፍታሕ ዝተፈላለዩ ጻዕርታት ክግበር ምዃኑ ኣብቲ ስምምዕ ሰላም ተጠቒሱ ኣሎ።

ኣብ ቀጻሊ ኣብ ዝግበሩ ዝርርባት ድማ እዚ ጉዳይ ኣቓልቦ ክወሃቦ ምዃኑ ይእመን።

ምስዚ ተኣሳሲሩ ብሰንኪ እቲ ኲናት ዘስዓበ ቓንዛን ጉድኣትን መጻኢ ዕድል ትግራይ እንታይ ይኸውን? ህዝቢ ትግራይ ከ፡ ቅድሚ እቲ ኲናትን ድሕሪኡን ዘለዎ ትዕዝብቲ፣ ኣፈላላይ ተፈጢሩ ድዩ? ግደ ህወሓትን መንግስትን እንታይ ክኸውን ይኽእል? ዝብሉ ሕቶታት ብሰፊሑ ይለዓሉ ኣለዉ።

ስምምዕ ሰላም

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶርያ ንዓሰርተ መዓልታት ክካየድ ድሐሪ ዝጸንሐ ዘተ ሰላም፡ ብረቡዕ 23 ጥቅምቲ 2015 ፈላማይ ዜና ብስራት ሰላም ክስማዕ ገይሩ።

በዚ መሰረት ህወሓትን መንግስቲ ፌደራልን ቀዋሚ ተኹሲ ደው ምባል ክግበር፡ ሓይልታት ትግራይ’ውን ዕጥቆም ክፈትሑ ተሰማሚዖም።

ኣደ መንበር ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ፖለቲካዊ ውድባት ራሄል ባፌ (ዶ/ር) "ልዝብ ሰላም ልዕሊ ዝዀነ ነገር ነቲ ኲናት ጠጠው ከብሎ ኣለዎ” ትብል።

ወሲኻ፡ "ቅድሚ ኲናት፡ ብዙሕ ግዜ ናብ ዘተ ክመጽኡ ተሓቲቶም ፍቓደኛታት ከይኰኑ ጸኒሖም’ዮም። ሕጂ እዚ ናይ ክልቲኦም ናይ መወዳእታ ኣማራጺ’ዩ። ድሕሪ ሕጂ ክኣ ህዝቢ ክውስን እዩ" ኢላ።

እታ ኣደ መንበር፡ ኣብዚ ኲናት ኣዝዩ ዝተጐድአ ህዝቢ ትግራይ “ከዕርፍ ኣለዎ፤ ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ዕጫኡ ኣብ ኢዱ እዩ ኢልና ንኽንገድፈሉ፡ ካብ ጸቕጥን ዓፈናን ናጻ ክኸውን ኣለዎ፡" ክትብል ርእይቶኣ ሂባ።

ሳራ ካሲዲ-ስዩም ኣብ ኣውስትራልያ እትነብር ኣብቲ ብደቀንስትዮ ዝምርሕ ብዛዕባ ኲናት መረዳእታ ንምፍጣር ዝነጥፍ ‘ኦምና’ ዝተባህለ ምንቅስቓስ ኣባል ኰይና ኣደታት ትግራይ ብንቡር ደቀን ክምግባ፡ ከጥቡዋ፡ ህጻናት ተመሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ተመሊሶም ክትርኢ ከም እትናፍቕ ትገልጽ።

ጋዜጠኛን መስራቲት ጋዜጣ ኣዲስ ስታንዳርድን ጸዳለ ለማ፡ እቲ ውሳነ ናይ ህዝቢ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ርእይቶ ካብ ዘለዎም ሰባት ሓንቲ እያ።

“ህወሓት ብኢትዮጵያውነት ዝኣምንን ነቲ ፈደሬሽን ዝድግፍን እዩ። እዚ ውሳነ ክውስን ዝኽእል ግን ሰልፊ ዘይኰነ ህዝቢ ትግራይ እዩ” ትብል።

እቲ ህዝቢ ዝመረጾ ንኽገብር ሕገ መንግስታዊ መሰል ኣለዎ’ዩ እትብል ጸዳለ፡ “ሪፈረንደም ምሕታት ሕገ መንግስታዊ’ዩ፤ ህዝቢ ትግራይ ነዚ እንተደልዩ ህወሓት ክኽልክሎ ኣይክእልን” ክትብል ተረድእ።

ራሄል [ዶ/ር] ህወሓት ኲናት ጠጠው ብምባል ንልዕሊ 30 ዓመታት ካብ ዘመሓደሮ ክልል ካብ ስልጣን ክወርድ ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለዋ። መንግስቲ’ውን እቲ ህዝቢ ዝደለዮ ንኽገብር ባይታ ከመቻችእ ይግባእ ትብል።

“መንግስቲ መሰረታዊ ነገራት ኣማሊኡ፡ እቲ ሓላፍነት ንህዝቢ ትግራይ ክገድፈሉ ከም ዘለዎ ይኣምን። ህወሓት ከኣ ኢዱ ክህብ እንተዘይክኢሉ ካብቲ ከባቢ ይውጻእ።”

እዚ ከመይ ክኸውን ይኽእል ንዝብል ሕቶ እንክትምልስ እታ ፖለቲከኛ፡ “ህዝቢ ትግራይ ግዝያዊ ምምሕዳር ገይሩ፡ ከባቢኡ ብምምሕዳር፡ ዝጠቕሞ ውሳነ ንኽህብ” መንግስቲ ዝምችእ ኩነታት ከጣጥሕ ይኽእል እዩ ትብል።

ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ክልተ ዓመት ዘቑጸረ ኲናት ብዛዕባ መጻኢኡ ዝምልከት ዘለዎ ኣረኣእያ ቀይሩ ድዩ ዝብል ሕቶ ዝቐረበላ ጋዜጠኛ ጸዳለ፡ ዘይከሓድ ሓቂ ከም ዘሎ ገሊጻ።

"ሰራዊት ኤርትራ ኣትዩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝገበሮ ብምርኣይ፡ ሰብ ከም ዘይብሎም ወይ ዝተደርበዩ ኰይኑ ክስምዖም ይኽእል እዩ። ስለዚ ኣብ ህንጸት ሃገር ኢትዮጵያ ዘለዎም መርገጽን እምነትን ከምቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝነበረ ክኸውን ኣይክእልን'ዩ፡” ትብል።

ሓየሎም ዝተባህለ መንእሰይ ብወገኑ፡ ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ክንሳ እታ ሃገር ምስ ግዳማዊ ሓይሊ ተሻሪኻ ከም ዝሃሰየታ ጠቒሱ፣ ሃገር ንምዃን ዝሓሸ ዕድል ሕጂ እዩ ይብል።

ሓየሎም ብዛየነ ወኪል ኣውሮጳ ሰልፊ ውድብ ናጽነት ትግራይ ኰይኑ። ውናት፡ ኣብቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተኻየደ ኣከራኻሪ መረጻ፡ እቲ እንኮ ንናጽነት ትግራይ ዝጸውዐ ውድብ እዩ።

እቲ መንእሰይ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝወረደ ኲናት፡ ዝተፈላለዩ ትካላት፡ ፍሉጣት ስነጥበበኛታትን ሃይማኖታዊ ትካላትን ከይተረፉ ምድጋፎም፡ኣብቲ ህዝቢ ዝፈጠሮ ቅርሕንቲ ቀሊል ከም ዘይኰነ የመልክት።

ብታሪኽን እምነትን ትግራይ ዘይብላ ኢትዮጵያ ምሕሳብ ኣይክኣልን’ዩ እትብል ጸዳለ፡ ተጋሩ "ንኢትዮጵያ ዘለዎም ተራ ፍሉጥ እዩ። ንኢትዮጵያ ኣብ ታሪኽ፣ ባህልን ካልኦት ዓውድታትን ዘለዎም ግደ ዝተፈለየ እዩ። ይኹን’ምበር፡ ብመንጽር መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈጸመ ተግባር ዳግመ ሕውየት የድሊ” ኢላ።

ተሳትፎ ሰራዊት ኤርትራ

እቲ ኲናት ብምቅዋም እትፍለጥ ጋዜጠኛ ጸዳለ፡ ህዝቢ ትግራይ “ከም ዝተረስዐ እንተተሰምዖ’ውን ባህሪያዊ’ዩ። እቲ ህዝቢ ተረሲዑ፣ ምርሳዕ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንቂመኛን ሕነ ክፈዲ ዝተጸበየን ስርዓት ጐረቤት ሃገር ኣሕሊፍካ ክወሃብ ተገይሩ’ዩ” ትብል።

ጋዜጠኛ ጸዳለን ፖለቲከኛ ራሄልን፡ ምትእትታው ሰራዊት ኤርትራ ብዙሓት ነገራት ኣዝዮም ክተሓላለኹ ገይሩ’ዩ ኣብ ዝብል ይሰማምዓ።

“ኢድ ኣእታውነት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ትግራይ ጥራይ ዘይኰነ ከም ሃገር ብዙሓት ነገራት ክተሓላለኹ ገይሩ እዩ። እዚ ሕቶ ልኡላውነት እዩ። ነዚ ኸኣ ፌደራል መንግስቲ እዩ ተሓታቲ ዝኸውን” ትብል ራሄል።

ጸዳለ ብወገና፡ “ድሕነት ህዝቢ ትግራይ ንወራሪ ወጻኢ ሓይሊ ተመሓላሊፉ ኣብ ዝተዋህበሉ ኩነታት ካብ ኢትዮጵያ ክንፍለ ኢና እንተበሉ’ውን ዝገርም ኣይኰነን” ክትብል ተዛሪባ።

ፖለቲከኛ ራሄል፡ ቀደሙ’ውን ውሽጣዊ ጸገማትና ባዕልና ክንፈትሕ ብዘይምኽኣልና’ዩ መንግስቲ ኤርትራ ክኣቱ ዝኸኣለ ዝብል መካትዒ ሓሳብ ኣሎዋ።

“ኣነ ብውልቀይ፡ መጀመርታ ውሽጣዊ ጸገማት ህወሓትን መንግስቲ ፌደራልን እንተፈቲሖምዎ ጉዳይ መንግስቲ ኤርትራ ብዙሕ ዘጸግም’ዩ ኢለ ኣይሓስብን። እዚ ኹሉ ጸገማት ካብ ውሽጥና ዝነቐለ ስለ ዝዀነ፡ ኣቐዲምና ንዕኡ ክንፈትሕ ኣለና።”

ጋዜጠኛ ጸዳለ ብወገና፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምትእትታው ኤርትራ ዘይምኹናኑ እቲ ኩነታት ክጋደድ ምኽንያት ኰይኑ’ዩ ብምባል፡ “ካብ ስቪካዊ ማሕበራት፡ትካላት ሃይማኖት፡ፖለቲካዊ ውዳበታት፡ሓይልታት ኤርትራ ንኽወጽኡ ዝሓተተ ኣሎ’ዶ? የለን፤ በዚ ህዝቢ ትግራይ እንታይ ክስምዖ እዩ ትጽቢት ዝግበር?” ክትብል ትሓትት።

ካብዚ ሓሊፉ፡ኣካቢት ፖለቲካዊ ውድባት ራሄል፡“ህወሓት ግዚኡ ኣብቂዑ’ዩ፤ ስለ ምንታይ ብናታቶም ግጉይ መገድን ግዚኡ ዘየገናዘበ ፖለቲካን ህዝቢ ይጉዳእ?” ኢላ።

"ውሳነ ናይ ህዝቢ ክኸውን ኣለዎ"

 

ብመሰረት እቲ ኣብ መንጐ ህወሓትን ማእከላይ መንግስትን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ኣብቲ ክልል መረጻ ክሳብ ዝካየድ ናይ ስግግር መንግስቲ ከም ዝጣየስ ተገሊጹ እዩ።

ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝወረደ በሰላ ብዙሓት ተወለድቲ ትግራይ ዓቢይ ቅሬታ ሓዲርዎም እዩ።

እዚ ኩነታት ብዕርቂ፡ ብመሰጋገሪ ፍትሕን ካሕሳን ዝፍወስ እዩ ኢሎም ዝኣምኑ'ኳ እንተሃለው፡ ኩሉ ነገር ዘይጽግን ክፍተት ተፈጢሩ’ዩ ኢሎም ዝኣምኑ እውን ኣለዉ።

ትግራይ፡ ምስቲ ዝተረፈ ክፋል ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትእስሳር ተጸልዩ እዩ ዝብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ የል ተመራማሪ ድህረ ዶክትሬት ዝዀነ ጎይትኦም ገብረልኡል፡ “ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ኰይና ናይ ምቕጻል ዕድላ ጸቢብ’ዩ” ይብል።

ብማዕከናት ዜና መንግስቲ ብስም ህወሓት ዝቐረበ ሰነዳዊ ፊልምታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘውረዶ ስነእኣምሮኣዊ ሃስያ ቀሊል ከም ዘይኰነ የዘኻኽር።

ኣብቲ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ውግእ ዝተፈጸመ ግፍዒ፡ “እቲ ኲናት ፖለቲካዊ ፍታሕ'ኳ እንተረኸበ፡ ሓደ ትግራዋይ ድሕሪ 10 ወይ 20 ዓመት ካልእ ጨፍጫፍ ከም ዘይፍጸሞ እንታይ ዋሕስ ኣለኒ ኢሉ ምሕታቱ ኣይተርፍን። ስለዚ ንመጻኢ ተመሳሳሊ ግፍዒ ንኸይፍጸመና ናይ ባዕልና ሃገር ክትህልወና ይግባእ” ዝብል መርገጺ ኣለዎ።

እዚ፡ ኣብ ውሽጢ ብዙሓት ተወለድቲ ትግራይ ብፍላይ ኣብ ሃገራት ወጻእ ዝነብሩ ተወለድቲ እቲ ክልል ክንጸባረቕ ዝጸንሐ ስምዒት እዩ።

ካልኦት ድማ፡ሕጂ እቲ ኲናት ጠጠው ምባሉን ኣብ ውሽጢ ጸገም ዘሎ ህዝቢ ሓገዝ ዝረኽበሉን ዳግም እግሪ ዝተኽለሉን መገዲ ክእለሽ ኣለዎ ይብሉ።

ሳራ፡ እቲ ብኲናት ዝተሃስየ መሓውራትን ዝተፈጥረ በሰላን ዳግም ንምሕዋይ ግዜ ክወስድ ምዃኑ ብምእማን፣ እቲ ኲናት ደው ኢሉ እቶም በደል ዝፈጸሙ ኩሎም ፍርዲ ክወሃቦምን ፍትሒ ክረጋገጽን ከም ዝግባእ ትዛረብ።

ዝዀነ ኰይኑ ግን፡ መጻኢ ዕጫ ህዝቢ ትግራይ በቲ ህዝቢ ክውሰን ኣለዎ ክብሉ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ገሊጾም።

-------

*መዘኻኸሪ፡ ነዚ ጽሑፍ ዝተገብረ ቃለ መጠይቕ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ስምምዕ ቅድሚ ምብጽሖም ዝተኻየደ እዩ።