እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ኣብ 48 ሰዓታት 1.6 ሚልዮን ዶላር ዝተወፈየሉ ማሕበር ግብረሰናይ
ብፍሉጥ ኢትዮጵያዊ ኮሜዲያን እሸቱ መለሰ ዝድገፍ ኢትዮጵያዊ ማሕበር ግብረ-ሰናይ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ጥራይ 1.6 ሚልዮን ዶላር ተዋጺእሉ።
እቲ ብመንገዲ 'ጎፋንድሚ' ዝተዋጸአ ገንዘብ፡ ግዳም-ሓደር ዝዀኑ ሰባት ዝዕቆብሉ ህንጻ ንምስራሕ ዝውዕል'ዩ።
ልዕሊ 15,200 ወፈያታት ከም ዝተገብረን እቲ ዝለዓለ ወፈያ 10,000 ዶላር ምንባሩን ተፈሊጡ።
እቲ ጎስጓስ ነቲ መቀዶንያ ተባሂሉ ዝፍለጥ ማሕበር ንምድጋፍ ዝዓለመ እዩ።
"ኣብ ህይወት ናይቶም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣብ ጎደናታት ዝነብሩ ቁጽሪ ዘይብሎም ዓበይትን ስነኣእምሮኣዊ ጸገም ዘለዎምን ሰባት ለውጢ ኣምጽኡ- ነቶም ቤት ዘይብሎም ቤት ክንሰርሓሎም ደግፉና" ክብል እቲ ማሕበር ጻውዒት ኣቕሪቡ።
እቲ ኮሜዲያን ናብ ባንክታት እታ ሃገር ብምኻድ'ውን ነቲ ማሕበር ወፈያታት ከም ዝኣከበሉ ጸብጻባት ሓቢሮም።
እሸቱ፡ ብውልቁ ዋዛታት ብምቕራብ ምርኢታት ዘዳሉን ኣቕራቢ መደብ ተለቪዢንን ዝዀነ መንእሰይ እዩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ፍሉይ ተውህቦን ክእለትን ዘለዎም ህጻናትን ቆልዑን ናብ መደባቱ ብምቕራብ'ውን ይፍለጥ።
ከምዚ ዓይነት ጎስጓሳት ናብም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ዘለዎም ኢትዮጵያውያን ዳያስፖራ ዘነጻጸረ'ዩ።
ብፍላይ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ልቦምን ጅብኦምን ከም ዘፍሰስሉ ይንገር።
"መጠን ናይቲ ህያብ ኣይኰነን ዘገድስ፡ እንታይ ድኣ መጠን ልቢ'ዩ" ይብል ኣብቲ ናይ ጎስጓስ ገጽ ዝሰፈረ ጽሑፍ።
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ኣብ ርእሰከተማ ኣዲስ ኣበባ ልዑል ቁጽሪ ግዳም-ሓደር ዝዀኑ ዓበይቲ፡ ቆልዑን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም ድኻታት ከም ዘለዉ ይግለጽ።
መብዛሕትኦም ብልመና ዝናበሩ ኰይኖም፡ ዝተፈላለዩ ገበርቲ-ሰናይ ብስሩዕን ዘይስሩዕን መንገዲ ንምድጋፎም ተበግሶታት ክወስዱ ይርኣዩ።
ዋላ'ኳ ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕብየት ከተርኢ እንተጸንሐት፡ ሓንቲ ካብ ድኻታት ሃገራት ዓለም ዝዀነት ኢትዮጵያ፡ ድኹም ማሕበራዊ ውሕስነት ዘለዋ እያ።
ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዘውጽኦ ትንበያ፡ ኢትዮጵያ ንኬንያ ብምትካእ ኣብ ትሕቲ ሳህራ ካብ ዝርከባ ሃገራት፡ ራብዓይቲ ዝለዓለ ጥቕሉል ሃገራዊ ፍርያት ዘለዋ ሃገር ከምእትኸውን ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ትካል ከም ዝሕብሮ፡ ኣብዚ ዓመት ጥቕሉል ሃገራዊ ምህርቲ ኢትዮጵያ ብ 13.5 ምኢታዊት ብምስሳን 126.2 ቢልዮን ዶላር ክበጽሕ እዩ።
'ጎ ፋንድ ሚ' እንታይ እዩ? ብኸመይከ ይሰርሕ?
ጎ ፋንድ ሚ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ትካል ኰይኑ፡ ሰባት ንጽንብላት፡ ብሓደጋ ንዝተጎድኡ፡ ንዝሓመሙን ካልኦትን ንምሕጋዝ ገንዘብ ዘዋህልሉ ማዕከን እዩ።
እቲ ትካል ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ካብ 2010 ክሳብ 2020 ኣብ ዝነበረ ግዜ ካብ 120 ሚልዮን ለገስቲ ሰባት ልዕሊ 9 ቢልዮን ዶላር ካብ ለገስቲ ናብ ተሓገዝቲ ከም ዘብጸሐ ይገልጽ።
እቲ ዝእከብ ሰልዲ ብመንገዲ ጎ ፋንድ ሚ ምስ ተዋህሊለ፡ እቲ ትካል ዝግብኦ 'ኮሚሽን' ወሲዱ ናብቲ ዝተዋህቦ ሕሳብ ባንክታት የሰጋግሮ።
እዚ ኣብ ግንቦት 2010 ብብራድ ዳምፕሃውስን ኣንድሬው ባላስተርን ዝተመስረት ትካል ኣብ መጀመርታ 2017 ካብ ዓለም ዝዓብየ ናይ ወፈያ ገንዝብ ዝእከበሉ መርበብ ክኸውእ ምብቅዑ ይግለጽ።
ኣብቶም ተበግሶ ዝወስዱን ጽቡቕ ድሌት ለገስትን ዝምርኮስ ሰለዝኾነ ግን ክርክርን ምስሕሓብን ከስዕብ ይርአ'ዩ።