እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢቫንካ ትራምፕ ኣንፃር ኣቡኣን ኣሕዋታን ክትምስክር’ያ
ዶናልድ ትራምፕን ሰለስተ ደቁን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ክሲ ምትላል ንግዲ ዝምልከት፡ ኣብ ቤትፍርዲ ኒውዮርክ ክምስክሩ እዮም።
ዳኛ ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ ብይን፡ ጓል ትራምፕ ኢቫንካ ትራምፕ፡ ኣንፃር ኣቡኣን ኣሕዋታን ክትምስክር ፈሪዱ።
ኣብ መፈለምታ እዚ ዓመት፡ ኣብ ጉዳይ ምትላል ንግዲ ዝነበረ ክሲ ኢቫንካ ትራምፕ ከም ዝተቛረፀ ይፍለጥ። ኣሕዋታ ኤሪክን ዶናልድ ጀይኣርን ግና ክሶም ኣይተቛረፀን።
ዋና ዓቃቢ ሕጊ ኒውዮርክ እቲ ፕረዝደንት ነበር 06 ሕዳር ቃሉ ከምዝህብን ሰለስተ ደቁ ከምዝምስክሩን ገሊፁ።
ምስክርነቶም ካብ ዝቕፅል ሰሙን ረቡዕ ጀሚሩ ክስማዕ ትፅቢት ይግበር።
ዳኛ ኣርተር ኢንጎሮን: ዶናልድ ትራምፕ ምቹው ልቓሓት ንምውሓስ ዋጋ ንብረታቱ ክብ ከም ዘበለ ሓቢሩ።
እቲ ክሲ ምትላል መዝገባት ንግዲ፣ ኢንሹራንስን ውዲትን ሓዊሱ ኣብ ሽድሽተ ክስታት ዘነፃፀረ እዩ።
ዶናልድ ትራምፕን ካልኦት ተኸሰስትን እዞም ዝተኸሰስሎም ጉዳያት ከም ዘይወዓልዎም ‘ዮም ዝገልፁ።
ጓሉ ኢቫንካ ትራምፕ፡ ካብታ ከተማ ወፂኣ ናብ ፍሎሪዳ ከም ዝኸደትን ኣብ 2017 ካብ ናይ ትራምፕ ትካል ከም ዝወፅአትን ብምሕባር ከም ዘይትምስክር ተሟጊታ ነይራ።
ዳኛ ኢንጎሮን ግና፡ ኢቫንካ ክሳብ ሕዚ ምስ ትካላት ንግዲ ትራምፕን ኣብ ኒውዮርክ ዘሎ ሪል ስቴትን ርክብ ከም ዘለዋ ገሊፁ።
ኣኽበርቲ ሕጊ ኢቫንካ ትራምፕ ኣብቲ ዝምርምርዎ ዘለዉ ጉዳይ ክተካፍሎ ዝግባእ ወሳኒ መረዳእታ ከም ዘለዋ እዮም ዝካትዑ።
ንመካትዒ ነጥቢ እቶም ኣኽበርቲ ሕጊ ዝደገፈ ዳኛ ኢንጎሮን፡ ኢቫንካ ኣብ ትካላት ንግዲ ዋንነት ወይ ሓላፍነት ከም ዘለዋን ወናኒት ገዛውቲ ማንሃታን ከም ዝኾነትን ገሊፁ።
እዚ ኣብ ልዕሊ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ተመስሪቱ ዘሎ ክሲ ምትላል፡ ብኣባል ዲሞክራት ዝኾነት ኣኽባሪት ሕጊ ለቲሽያ ጄምስ ዝቐረበ እዩ።
ለቲሽያ ጄምስ፡ ትራምፕ 250 ሚልየን ዳላር ክቕፃዕን ኣብ ትካላት ንግዲ ትራምፕ እገዳታት ክግበርን ትጠልብ።
ኣብ ፕረዝደንታዊ መረፃ ኣሜሪካ 2024 ሕፁይ ሪፓብሊካን ኰይኑ ዝወዳደር ዶናልድ ትራምፕ፡ ፖለቲካውን ስኑዕ ክብል ነዚ ክሲ ይነፅጐ።