መንግስቲ ኢትዮጵያ: ብዛዕባ ናብ መቐለ ዝተጓዕዙ ዲፕሎማሰኛታት እንታይ'ዩ ኣቖጢዕዎ?

ምንጪ ስእሊ, WALTA
ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ፡ ልዕሊ 20 ኣዋርሕ ዘቑፀረ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ፡ ሰላማዊ ዕልባት ንምርካብ፡ ምስ መራሕቲ ትግራይ ንምዝርራብ ናብ መቐለ ዝገሹ ላዕለዎት ዲፕሎማሰኛታት ዓለም፡ መንግስቲ ከምዘይሐጐሶ ገሊፁ።
ኣማኻሪ ሃገራዊ ደሕንነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ መንግስቲ ፌደራል፡ እቶም ፍሉያት ልኡኻትን ዲፕሎማሰኛታትን ኣብ መገሻኦም ነቲ ጉዳይ ዝሕዝዎ ኣገባብ፡ ብዝምልከት ንማሕበረሰብ ዓለም ቅረትኡ ከምዘፍለጠ ብመገዲ ትዊተር ሓቢሩ።
ኣምባሳደር ሬድዋን፡ እቶም ልኡኻት "ኣብ ዘተ ሰላም ትኹረት ክገብሩ ትጽቢት ኣብ ዝተገብረሎም እዋን፡ ኣብ ቅድመ-ኵነት ህወሓት ኣተኲሮም" ብዝብል እዩ ወቒሱዎም።
ሰሉስ ሓምለ 26 2014 ዓ.ም፡ ፍሉያት ልኡኻት ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ከምኡ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኣምባሳደራት ካናዳን ጣልያንን ዝሓቖፈ ጉጅለ ልኡኽ፡ ናብ ርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለ ብምጓዓዝ ምስ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ከምዝተራኸበ ዝዝከር እዩ።
እቶም ዲፕሎማሰኛታት ናብ መቐለ ተጓዒዞም ምስ መራሕቲ ትግራይ ድሕሪ ምዝርራቦም ኣብ ዘውፅእዎ ሓበራዊ መግለፂ፡ "እቲ ኲናት ብሰላም ንምውዳእ ፖለቲካዊ ዘተ ናይ ግድን እዩ" ኢሎም።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊ ነዳዲ፣ ጥረ ገንዘብን ድኹዒን ዝተነብረ እገዳ ክለዓልን፤ ኣብ’ቲ ክልል ዝተቛረጹ መሰረታዊ ግልጋሎት ብህፁፅ ናብ ንቡር ክምለሱን'ውን ተላብዮም።
ኣምባሳደር ሬድዋን፡ እቶም ዝተቛረፁ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ብዝምልከት መርገፂ መንግስቲ ግልፂ እዩ ዝበለ ዀይኑ፡ "ኣገልግሎት ዝጅምረሉ ኩነታት ምፍጣርን ዘተ ሰላም ምጅማርን ቀዳምነት ክወሃቦ ይግባእ" ኢሉ። ከምኡ'ውን፡ 'ዘይተደረተ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት' ዝብል 'ተረኽ' ሕዚ'ውን ይቕጽል ኣሎ ዝብል ቅረታ ኣስሚዑ። "ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ በረራታትን ናይ ጽዕነት መካይንን ናብቲ ክልል ብዘይ ገደብ ይጓዓዛ እየን ዘለዋ" ብምባል፡እዚይን ጉዳይ ነዳድን ተፈቲሑ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
ኣብ ምሕላፍ ሰብኣዊ ረድኤት ምምሕያሻት ከምዘሎ ዝዝረብ ኰይኑ፡ እቶም ዝተቛረጹ መሰረታዊ ኣገልግሎት ናብ ንቡር ኣብ ምምላስ ዝብል ጉዳይ ግን፡ ዛጊድ ዝዀነ ጭቡጥ ለውጢ የለን።
መራሕቲ ትግራይ ዘቕረብዎ ቅረታ
መራሕቲ ትግራይ ብወገኖም፡ ትማሊ ሓሙስ ብቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ኣቢሎም ዘውፅእዎ መግለፂ፡ ኣባላት'ቲ መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ 'ምስ መንግስቲ ትግራይ ዝኾነ ዓይነት ርክብ ከይገበሩ ምምላሶም ዘይሻራውነቱ ኣብ ሕቶ ምልክት ዘእቱ እዩ' ኢሎም።
እቲ መግለጺ፡ ባዕሎም 'እቶም ተሓተትቲ' ዝበሎም ሰብመዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ 'ኣብ ከይዲ'ቲ ምርመራ ኢዶም የእትዉ ኣለዉ' ዝብል ጥርጣረ ኣንፀባሪቑ።
እንተዀነ፡ እቲ መርማሪ ኮምሽን ኮነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እዚ ክሲታት ዝበልዎ የለን።
እቲ ኮምሽን፡ ኣብ ቀረባ ግዘ መረዳእታት ካብ ህዝቢ ክቐርበሉ ዘውጸኦ ጻውዒት ብዝምልከት እውን፡ 'እቲ ክልል ኣብ ሙሉእ ናይ መራኸብታትት ዕፅዋ ኣብ ዝርከበሉ ኩነታት፡ ርእዩ ከም ዘይርኣየ ኮይኑ ንምሕላፍ ዝመረፀ እዩ ዝመስል' ክብሉ ወቒሶም።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ግና፡ ናብቶም ግህሰት ዝተፈፀመሎም ከባብታት ኣትዩ ከፃርይ ዘይተገደበ ተበፃሕነት ክፍቀደሉ ሓቲቱ ኣሎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ብቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝተጣየሸ ዓለምለኻዊ መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ካብ መጀመርትኡ 'ፖለቲካዊ ዓላማ ዘለዎ' ክብል ዝተቓወመ ዀይኑ፡ ምስኡ ዝዀነ ምትሕብባር ከምዘይገብር’ውን ኣፍሊጡ ነይሩ።
እንተዀነ፡ ድሒሩ ምስ ኣባላት እቲ ኮምሽን ብዝተገብረ ዘተ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ፃንሒት ዝገበሩ ኰይኖም፡ ምስ ላዕለዎት ሰብ ስልጣን መንግስቲ ቀዳማይ ዙር ዝርርብ ገይሮም ተመሊሶም ኣለዉ።
እንተዀነ፡ ናብ’ታ ብዙሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈፀመላ ዝዝረበላ ክልል ትግራይ፡ ብፍላይ ድማ ናብቲ ዛጊድ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ኣምሓራ ዝርከብ ምዕራብ ትግራይ፡ ክበፅሑ ኣይከኣሉን።
እቶም ናብ መቐለ ምብፃሕ ዝገበሩ ኣጋይሽ፡ ኣብ'ቲ ናይ ሓበር መግለፂኦም ካብ ዘልዐልዎም ዛዕባታት ሓደ ፡ እዚ መርማሪ ኮሚሽን ናብቶም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝተፈፀመሎም ከባብታት ትግራይ፡ ንክኣቱ ክፍቀደሉ ኣለዎ ዝብል ይርከቦ።
ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስ ዎችን፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ተፈፂሙ ብዛዕባ ዝበልዎ 'ገበን ምጽጻይ ዓሌት' ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ሰፊሕ ጸብጻብ ምውጸኦም ዝዝከር እዩ።
ሕብረት ኣውሮጳን መንግስቲ ኣመሪካን ነዚ ጸብጻብ ኣመልኪቶም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ እቲ መርማሪ ኮሚሽን ናብቲ ካበባቢ ኣትዩ ከጻሪ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሙሉእ ምትሕብባር ክገብር ፀዊዖም ምንባሮም ይዝከር።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
