እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ደቡብ ኣፍሪቃ ንምንታይ’ያ ምስ ሩስያን ቻይናን ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ተካይድ ዘላ?
ደቡብ ኣፍሪቃ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ምስ ሩስያን ቻይናን ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ከተካይድ እያ።
እዚ ብኣሜሪካ ተነቒፉ ዘሎ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ፡ ምስቲ ቀዳማይ ዓመት ‘ቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝተኻደ ወራር ሩስያ ተጋጢሙ ኣሎ።
ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሩስያን ቻይናን እንታይ እየን ክገብራ?
እቲ ን10 መዓልታት ዝጸንሕ ልምምድ፡ ካብ 17 ለካቲት ጀሚሩ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ እዩ።
ሰራዊት ሃገራዊ ምክልኻል ደቡብ ኣፍሪቃ፡ 350 ኣባላት ዕጡቓት ሓይልታቱ ክሳተፉ ምዃኖም ሓቢሩ’ሎ።
ሩስያ ብወገና፡ እታ ዚርኮን ሃይፐርሶኒክ ሚሳይላት እትጽዕን፡ ኣድሚራል ጐርሽኮቭ ዝተበሃለት መርከብ ውግእ ከም እትልእኽ ኣፍሊጣ’ላ። ዚርኮን ሃይፐርሶኒክ ሚሳይል ብትሽዓተ ዕጽፊ ፍጥነት ድምጺ ይውንጨፍ፤ ክሳብ 1,000 ኪ.ሜ ዝበጽሕ ርሕቀት’ውን ይሽፍን።
ሞስኮ፡ "ዋላ'ኳ ኣብ ዩክረይን ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ምትዕንቃፍ እንተጋጠማ፡ ዕጡቓት ሓይልታታ ግን ገና ኣዝዩ ሓያል ምዃኑ ከተርኢ ክትፍትን እያ" ይብል ኣብ ኢንስቲትዩት መጽናዕቲ ጸጥታ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝሰርሕ ደኒስ ረቫ።
ሰራዊት ምክልኻል ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ብዛዕባ እቲ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ልምምድ ብዝምልከት ብዙሕ ዝገለጾ ነገር የለን።
እንተዀነ፡ ኣብ 2019 ኣብ መንጐ ሰለስቲአን ሃገራት ዝተኻየደ ሓባራዊ ልምምድ ሸውዓተ መራኽብ ዘጠቓለለ'ዩ ነይሩ፤ ካብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ሓንቲ መርከብ ውግእን ከምኡ’ውን ነዳዲ ዝመልኣን ዳህሳስ ዘካይዳን መራኽብን ተሳቲፈን ነይረን።
ኣብቲ እዋን እተን ሃገራት፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ንዝፍጠር ባርዕን ዕልቕልቕን ንምምካት፡ ከምኡ’ውን መራኽብ ካብ ሸፋቱ ባሕሪ ዳግማይ ምምንዛዕ ተለማሚደን።
ስለምንታይ እዩ እዚ ልምምድ ንደቡብ ኣፍሪቃ ኣካታዒ ኰይኑ?
ኣብ ጥሪ ወሃቢ ቃል ዋይት ሃውስ፡ "ኣሜሪካ...ሩስያ ኣንጻር ዩክረይን ኣረሜናዊ ኲናት ኣብ እተካይደሉ ዘላ እዋን፡ ብዛዕባ ዝዀነት ትዅን ምስ ሩስያ ልምምድ እትገብር ሃገር ስክፍታ ኣለዋ" ምባሉ ዝዝከር እዩ።
ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ቅድሚ ሕጂ ንወራር ሩስያ ዝዅንን ድምጺ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ምሃብ ተቘጢባ ነይራ። ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ሩስያ እገዳ ንምትግባር ምስ ኣሜሪካን ኣውሮጳን ክትጽንበር ፍቓደኛ ኣይኰነትን።
እታ ምስቲ እገዳ ዝተገብረሉ ሩስያዊ ሃብታም ኣሌክሲ ሞርዳሾቭ ዝተኣሳሰረት ኖርድ ዝተበሃለት ሱፐርያች (superyacht) ኣብ ኬፕታውን ከተዕርፍ ተፈቒዱላ እዩ።
ሌዲ ኣር ዝተበሃለት እገዳ ዝተገብረላ መርከብ ጽዕነት ሩስያ እውን ኣብ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ደቡብ ኣፍሪቃ ቀረብ ከተራግፍ ተፈቒዱላ’ዩ። መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዝተደናጐየ ትእዛዝ ተተኮስቲ ዝጸዓነት ምዃና ገሊጹ ነይሩ።
ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ 2011 ጀሚራ ምስ ኣሜሪካ ኣርባዕተ ሓባራዊ ልምምዳት ከም ዘካየደት ትገልጽ፤ ምስ ፈረንሳን ጀርመንን እውን ልምምድ ምግባራ ትሕብር።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብታ ሃገር ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣብ ዘካየደሉ እዋን፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ናለዲ ፓንዶር፡ "ኵለን ሃገራት ኣብ መላእ ዓለም ምስ መሻርኽተን ወተሃደራዊ ልምምድ የካይዳ’የን" ከም ዝበለት ይዝከር።
ብተወሳኺ፡ ገለ ሃገራት ምስ ዝደልያኦ መሻርኽቲ ልምምድ እናገበራ ካልኦት ክኽልከላ፡ "ድርብ መዐየሪ" እዩ ክትብል ነቲ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝቐርብ ዘሎ ነቐፌታ ነጺጋቶ።
ስለምንታይ እያ ደቡብ ኣፍሪቃ ትሳተፍ ዘላ?
ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብቲ ልምምድ ትሳተፍ ዘላ ዕጡቓት ሓይልታታ ትሑት ምወላ ስለዝረኽቡን ልዕሊ ዓቐን ስለዝተጨናነቝን ከም ዝዀነ ሓላፊት ኢንስቲትዩት ኣህጕራዊ ጉዳያት ደቡብ ኣፍሪቃ ኤልሳቤጥ ሲዲሮፑሎስ ገሊጻ።
እቲ ሓይሊ ባሕሪ ቀዳምነታቱ፡ ኣብ ውሽጢ ማያት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ምግፋፍ ዓሳ ምሕላውን ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝፍጸም ሽፍትነት ምቅላስን እዩ።
ሓይሊ ባሕሪ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ እታ ሃገር ዝርከቡ "ከም ሽፍትነት ዝኣመሰሉ ነገራት ናይ ምምካት ዓቕሚ ንኸጥሪ ምስ ካልኦት ሃገራት ክተሓባበር ኣለዎ" ትብል ኤልሳቤጥ።
ገዛኢ ሰልፊ እታ ሃገር፡ ሃገራዊ ኮንግረስ ኣፍሪቃ (ANC) እውን ምስ ሩስያ ነዊሕ ዝጸንሐ ርክብ ኣለዎ።
እዚ ርክብ ካብቲ ቅድሚ 1994 ዝነበረ ዓመታት ምሕደራ ሒደት-ጸዓዱ ዝጅምር ከም ዝዀነ ዶክተር ኣሌክስ ቫይንስ ይገልጽ። ንሱ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ፍሉይ ፖለቲካዊ ወይ ቁጠባዊ ጸገማት ምኽርን ሓሳባትን ዝህቡ ክኢላታት ናይቲ ለንደን ዝመደበሩ ቻታም ሃውስ እዩ።
"እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ መራሕቲ ኤኤንሲ፡ ክሳብ ሕጂ ምስ ሞስኮ ስምዒታዊ ምትእስሳር ኣለዎም፡ ምኽንያቱ ሩስያ ንቓልሶም ብቐጻሊ ትድግፍ ነይራ’ያ" ይብል።
"ብሰንኪ እዚ ደቡብ ኣፍሪቃ ንሩስያ ደገፍ ክትክልክል ትጽገም’ያ።"
ሩስያ፡ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን ኣባላት ኪዳን ብሪክስ (BRICS) ስለዝዀና፡ ተወሳኺ ዘመናዊ ርክብ ኣለወን።
እዚ ንብራዚልን ህንድን እውን ዘጠቓለለ ጕጅለ፡ ንገለ ካብተን ኣብ ዓለም እናማዕበላ ዝመጻ ዘለዋ ሃገራት ዝውክል እዩ።
ድሌት ሩስያን ቻይናን’ከ እንታይ እዩ?
ኤልሳቤጥ ሲዲሮፑሎስ፡ ሩስያ ካብቲ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ልምምድ ካብ ካልኦት ሃገራት ንላዕሊ ተጠቃሚት ከም እትኸውን ትገልጽ።
"ሩስያ ገና ሓይላ ኣብ ርሑቕ ከተዋፍር ከም እትኽእል፡ ኣብ መላእ ዓለም ድማ መሻርኽቲ ከም ዘለዋን ዘርኢ'ዩ" ትብል።
"ዓለም ኣንጻር ሩስያ ከም ዘይኰነት፡ ምዕራባውያን ጥራይ ኣንጻር ሩስያ ከም ዝዀኑ ክገልጹ የኽእሎም።"
ቻይና ካብ ወደባታ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዝጓዓዛ ንግዳዊ መራኽብ መስመራት ክፉት ንምግባር ድሌት ከም ዘለዋ ዶክተር ኣሌክስ ይሕብር።
ብተወሳኺ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኣፍሪቃ ሓይሊ ባሕሪ ክትምስርት ትደሊ እያ።
"ሓይሊ ባሕራ ናብ ዓለምለኻዊ ማያት ክዋፈር ምግባር'ዩ።
"ቻይና፡ ሽፍትነት ንምምካት ድሮ ኣብ ገማግም ባሕሪ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ንጅቡቲ ከም መደበር ሓይሊ ባሕሪ ትጥቀመላ ኣላ፤ ምናልባት'ውን ተወሳኺ መደበራት ክትረክብ ተስፋ ትገብር ትኸውን" ይብል ዶክተር ኣሌክስ ቫይንስ።