ንፌስቡክ ዝውንን ኩባንያ ሜታ 11 ሽሕ ሰራሕተኛታቱ ክሰጕግ'ዩ

Published

ወናኒ ማሕበራዊ መራኸቢታት ፌስቡክ፡ ኢንስተግራምን ዋትሳፕን ዝዀነ ሜታ፡ 13 ሚእታዊት ካብ ዓቕሚ ሰቡ ከም ዝንኪ ኣፍሊጡ።

በዚ መሰረት፡ ኣብ ዓለም ካብ ዘለው 87 ሽሕ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል እቶም 11 ሽሕ ስርሖም ክስእኑ ምዃኖም ገሊጹ።

ዋና ፈጻሚ ስራሕ ሜታ ማርክ ዙከርበርግ፡ እቲ ምንካይ ሰራሕተኛታት “ኣብ ታሪኽ ሜታ ዝገበርናዮ ዝኸበደ ለውጢ’ዩ” ክብል ተዛሪቡ።

ኣብዚ ሰሙን፡ ካልእ ኩባንያ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝዀነ ትዊተር’ውን፡ ኣስታት ፍርቂ ሰራሕተኛታቱ ነክዩ እዩ።

"እዚ ንዅሉ ሰብ ከቢድ ምዃኑ እፈልጥ እየ፤ ብፍላይ ድማ ነቶም በዚ ውሳነ ዝተጸልዉ ይቕሬታ እሓትት" ክብል ዙከርበርግ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ንሱ፡ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19፡ ኣታዊታት እቲ ትካል መሰረት ብምግባር፡ ዕብየት ንምርካብ ዝነበሩ ናይ ነዊሕ ግዜ ትጽቢታት ነቒፉ።

"ብዙሓት ሰባት እዚ ቀዋሚ እዩ ኢሎም ገሚቶም ነይሮም፤ ኣነ'ውን ከምኡ ሓሲበ። ስለዚ ወፍርታትና ብዓቢኡ ክውስኽ ወሲነ" ይብል።

ብኣንጻሩ፡ ዝተራእየ "ምንቁልቋል ማክሮ ኢኮኖሚያዊ” ከምኡ’ውን "ምውሳኽ ውድድር" እቲ ኣታዊ ካብቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣዝዩ ትሑት ክኸውን ከም ዝገበረ ገሊጹ።

"ኣብዚ ተጋግየ፤ ነዚ ድማ ሓላፍነት እወስድ" ኢሉ።

ውሳነ ሜታ፡ ብሰፊሑ ትጽቢት ዝተገብረሉ’ዩ ነይሩ።

ዙከርበርግ ትማሊ ሰሉስ ንኣማኢት ኣካየድቲ ስራሕ ሜታ ብዛዕባ እቲ ውጥናት መብርሂ ከም ዝሃቦም ዎል ስትሪት ጆርናል ጸብጺቡ።

ቀዳምነት ዝወሃቦም

ማርክ ዙከርበርግ፡ እቲ ኩባንያ ኣብ ከም ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ፡ ምውዕዋዕ [ኣድቨርታይዚን] ከምኡ'ውን "ንሜታቨርስ ዘለና ናይ ነዊሕ ግዜ ራእይ" ቀዳምነት ዝወሃቦም መዳያት ዕብየት ትዅረት ክገብር ምዃኑ ገሊጹ።

ሜታ፡ ኣብ ካልኦት ነገራት ዘለዉ ወጻኢታት ከምኡ'ውን ኣብ ህንጻታትን ኣብያተ ጽሕፈታትን ዘውጽኦ ወጻኢታት ክንኪ’ዩ።

በዚ ውሳነ ዝተጸልው ሰራሕተኛታት ሜታ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ኢመይል መልእኽቲ ከምዝበጽሖምን ሕቶታት ናይ ምሕታት ዕድል ከም ዝረኽቡን ገሊጹ።

ኣብ ኣሜሪካ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት፡ ንነፍሲ ወከፍ ናይ 16 ሰሙናት ደሞዝን ሓደ ሰሙን ነፍሲ ወከፍ ዝሰርሑዎ ዓመትን ክፍሊት ክረኽቡ እዮም። ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ድማ፡ ኣገልግሎት መድሕን ጥዕና ክረኽቡ ምዃኖም ሓቢሩ።

እቶም ካብ ኣሜሪካ ወጻኢ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት’ውን ተመሳሳሊ ሓገዝ ዝረኽቡ ኰይኖም፡ ዝወሃቦም ክፍሊት ዝምልከት ግን ብዝተፈለየ ኣገባብ ዝርአ ክኸውን እዩ።

ኢንዱስትሪ ቴክኖሎጂ ምስ ምዝሕሓል ዓለማዊ ቁጠባዊ ዕብየት ኣብ ዝቃለሰሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ መላእ ጽላት ቴክኖሎጂ ምንካይ ሰራሕተኛታት የጋጥም ኣሎ።

ትካላት ሲሊኮን ቫሊ ስትሪፕን ሊፍትን ኣብ ቀረባ እዋን ሰፊሕ ምንካይ ሰራሕተኛታት ከም ዝገበረ ክገልጽ እንከሎ፡ ኣማዞን ድማ ምቝጻር ሰራሕተኛታት ከም ዘቋርጽ ኣፍሊጡ።

ዝበዝሐ እቶት ሜታ [27.7 ቢልዮን ዶላር] ካብ መወዓውዒ ዝመጽእ ኰይኑ፡ ኣብ ኣጸጋሚ ቁጠባዊ ኵነታት ግን ብዙሓት ትካላት ናይ መወዓውዒ ባጀት ይንክያ ኣለዋ።