እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ዝተዋህበ መዳልያ ሽልማት ኖበል ተሰሪቑ
ንፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ኤፍ-ዳብሊው ደ ክለርክ ዝተዋህበ መዳልያ ሽልማት ኖበል ከም ዝተሰርቀ ተገሊጹ።
እቲ ብስሙ ዝጽዋዕ ማዕከን (ደ ክለርክ ፋውንዴሽን) ንቢቢሲ ከምዘረጋገጾ፡ እቲ መዳልያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ'ዩ ካብ ገዝኡ ተሰሪቑ።
እቲ ትካል ብዛዕባ ኣሰራርቕኡ ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ'ኳ እንተዘይሃበ፡ ኣብቲ ኣብ ኬፕታውን ዝርከብ ገዝኡ ኣብ ዝተኻየደ ዝምታ ከምዝተወስደ ጸብጻባት እታ ሃገር ሓቢሮም።
እቲ ናይ መወዳእታ ጻዕዳ ፕረዚደንት ዓሌታዊ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኾነ ደ ክለርክ፡ ኣብ 1993 ምስቲ ኣብ ዝቐጸለ ዓመት ፈላሚ ጸሊም ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝኾነ ነልሰን ማንዴላ ሽልማት ኖበል ተማቒሉ።
ክልቲኦም መራሕቲ፡ ነታ ሃገር ብሰላምን ካብ ዓሌታውነት (ኣፓርታይድ) ናብ ደሞክራሲ ብምስግጋሮም'ዮም ነቲ ሽልማት በቒዖም።
ፖሊስ ምስቲ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ዘእተውዎ ሰብ ከምዘየለን፡ እቲ መዳልያ ክሳብ ሎሚ ከምዘይተረኽበን ማዕከናት ዜና ደቡብ ኣፍሪቃ ጸብጺበን።
ብዓልቲ ቤቱ ነቲ ኣብ 2021 ዝዓረፈ ፕረዚደንት ነበር፡ ንሓደ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ካብ ናይ ወጻኢ መገሻኣ ምስተመልሰት፡ ውሑስ ሳጹን ናይቲ ገዛ "ዳርጋ ጥርሑ" ከምዝጸንሓ ተዛሪባ።
"ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይዚ ዓመት ከምዝተሰረቕና'ዩ ተረዲኡኒ። ብ5 ሚያዝያ ናብቲ ሳጹን ምስከድኩ ተኸፊቱ ጸኒሑኒ። ቅድሚኡ መዓልቲ ካብ ናይ ወጻኢ መገሻይ ተመሊሰ ስለዝነበርኩ፡ እቲ ዕለት እዝክሮ'የ። ሕማቕ ዕድል ኮይኑ፡ እቲ ሳጹን ዳርጋ ጥርሑ'ዩ ጸኒሑኒ" ኢላ።
"ዝበዝሕ ኩቡር ዑንቁታተይ ተወሲዱ'ዩ- ብዋጋ ክትምኖ ቀሊል ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ እቶም ዝተወስዱ ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመታት ብፍሉይ ኣጋጣሚታት ዝተዋህቡኒ'ዮም። ብዘይክኡ'ውን፡ ካብ ኣደይ ዝወረስክዎም ነይሮም" ክትብል ኤሊታ ደክለርክ ተዛሪባ።
ክርከቡ'ዮም ዝብል ተስፋ ከምዘይብላ'ውን ንኒውስ24 ዝተባህለ ማዕከን ዜና ገሊጻ።
እቲ መዳልያ ሽልማት ኖበል ብዓል 18-ካራተ ወርቂ ምዃኑ ይግለጽ።
ኣብ 2021 ኣብ መበል 85 ዓመቱ ዝሞተ ደክለርክ፡ ኣብ 1989 ብጻዓዱ ፕረዚደንት ኮይኑ ምስተመርጸ፡ ንነልሰን ማንዴላ ድሕሪ 27 ዓመታት ካብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝፍታሕ ብምግባር፡ ዓሌታዊ ሕግታትን ፖለቲካዊ እገዳታትን ከምዝለዓል ገይሩ።
ኣብ 1994 ድማ ንመራሒ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ (ኤ-ኤን-ሲ) ዝነበረ ማንዴላ ስልጣን ኣረኪቡ።