እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብታ ዕልዋ ኣካይዳ ዘይትፈልጥ እንኮ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ግጭት ተላዒሉ
ኣብ ሰኔጋል ኣንጻር ምድንጓይ ፕረዚደንታዊ መረጻ ዝካየድ ተቓውሞታት ኣብ መላእ እታ ሃገር ብምልዓሉ ሓደ ሰብ ከምዝሞተ ተገሊጹ።
ኣብ ሰሜናዊት ከተማ ሴንት ሉዊስ ብዓርቢ ምስ ፖሊስ ብዝተፈጥረ ግጭት ሓደ ተምሃራይ ከምዝሞተ መራሒ ተቓዋሚ ውድብን ምንጪ ናይቲ ከባቢ ሆስፒታልን ሓቢሩ።
ኣብ ርእሰ ከተማ ዳካር፡ ሓይልታት ጸጥታ ነቲ ህዝቢ ንምብታን ዘንብዕ ጋዝን ስቱን ቦምባታትን ተኲሶም።
እቲ ለካቲት 25 ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዝነበረ መረጻ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣባላት ባይቶ እታ ሃገር ክሳብ 15 ታሕሳስ ክድንጉይ ከምዝወሰኑ ይዝከር።
ፕረዚደንት መኪ ሳል ኣቐዲሙ ነቲ መረጻ ንዘይተወሰነ እዋን ኣቋሪጽዎ ከምዝነበረ ዝፍለጥ ኰይኑ እዚ ኣብ ልዕሊ ብቕዓት ሕጹያት ፕረዚደንት ንዝነበረ ምስሕሓብ ንምፍታሕ ኣድላዪ እዩ ብምባል’ዩ።
ድሒሮም ኣባላት ባይቶ ስልጣን ሚስተር ሳል ብ10 ኣዋርሕ ኣናዊሖሞ።
ተቓወምቲ እቲ ስጕምቲ፡ ነታ ኣብ ዘይርጉእ ዞባ ምዕራብ ኣፍሪቃ ከም ዕርዲ ዲሞክራሲ ተገይራ እትውሰድ ሰኔጋል ናብ ሓደገኛ መገዲ ዝወሰድ ከምዝዀነ ኣጠንቂቘም።
መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ካሊፋ ሳል፡ ኣቐዲሙ ነቲ ምድንጓይ መረጻ "ሕገ መንግስታዊ ዕልዋ" ክብል ገሊጽዎ።
ኣብ ሴንት ሉዊስ ዘጋጠመ ሞት ሓደ ተመሃራይ ብመራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ።
"ብሰንኪ እቲ ዘይምኽኑይ ምቍራጽ መስርሕ መረጻ ዝተበገሰ ግጭት ልቢ ኵሎም ዲሞክራስያውያን ደምዩ’ዩ" ኢሉ።
ሞት ናይቲ ተምሃራይ ብሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ምንጪ ሆስፒታል እቲ ከባቢን ካልእ እቲ መዋቲ ተምሃራይ ኣብ ዝምሃረሉ ዩኒቨርስቲ ብዝሰርሕ በዓል ስልጣንን ከምዝተረጋገጸ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።
ሰበስልጣን ሰኔጋል ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ብግልጺ ርእይቶ ኣይሃቡን።
ኣብታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መወዳእታ ህዝባዊ ተቓውሞታት ተላዒሉ። ብዓርቢ ኣብ ዳካር ሰልፈኛታት ምስ ሓይልታት ጸጥታ እምኒ ብምድርባይን ጎማታት ብምንዳድን ተጓኒጾም።
ፕረዚደንት ሳል ዳግማይ ንፕረዚደንትነት ክወዳደር መደብ ከምዘይብሉ ገሊጹ'ሎ። እንተዀነ ነቐፍቱ ወይ ኣብ ስልጣን ተጣቢቑ ክቕጽል ይደሊ ኣሎ ወይ ድማ ነቲ ዝትክኦ ተመራጺ ፍትሓዊ ብዘይኰነ መገዲ ክጸልዎ ከምዝደሊ’ዮም ዝኸስዎ።
20 ሕጹያት ኣብቲ መረጻ ንኽወዳደሩ ኣብ ናይ መወዳእታ ዝርዝር ኣትዮም እኳ እንተነበሩ፡ ካልኦት ሓያሎ ግን በቲ ሕጹያት ንኽወዳደሩ ዘድሊ ቅድመ ኵነት ኣማሊኦም ድዮም ኣየማልኡን ዝውስን ፍርዳዊ ኣካል ባይቶ ቅዋም ተገሊሎም።
ዞባዊ ውድብ ምዕራብ ኣፍሪቃ [ኢኮዋስ] ብሰሉስ ኣብ ፖለቲካ ሰኔጋል "ምስ ቅዋም ዝሳነ መረጻ ንንኽምለስ ብህጹጽ ስጕምቲ ክወስድ" ተማሕጺኑ።
ሰኔጋል ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ካብ ዘለዋ ርጉኣት ዲሞክራስያውያን ሃገራት ኰይና ክትረአ ጸኒሓ እያ። ኣብ መሬት ምዕራብ ኣፍሪቃ እታ እንኮ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ኣካይዳ ዘይትፈልጥ ሃገር እያ።
ኣብ ሰለስተ ፕረዚደንታዊ መረጻ ሰላማዊ ናይ ስልጣን ምርኽካብ ዝገበረት ኰይና ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣደናጒያ ኣይትፈልጥን።