ዘለንስኪ፡ ምስ ሩስያ ተሓባቢሮም ንዝበሎም ላዕለዎት ሰብ መዚ ሰጒጉ

ኢቫን ባካኖቫ [ጸጋም] ከምኡ'ውን ኢርያና ቬነዲክቶቫ ክሳብ ሕጂ ዝሃቡዎ ርኢይቶ የለን

ምንጪ ስእሊ, FUTURE PUBLISHING VIA GETTY IMAGES

Published

ፕሬዝደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ምስ ክሕደት ሃገር ብዝተሓሓዝ ተፈጺሞም ዝበሎም ጥሕሰታት ብምጥቃስ ንሓላፊ ኤጀንሲ ሃገራዊ ድሕነትን [ኤስቢዩ] ዓቃቢት ሕጊ እታ ሃገርን ካብ ስልጣኖም ኣልዩ።

እቲ ፕሬዝደንት፡ ኣብ ክልቲኦም ጸለውቲ ትካላት መንግስቲ ክሕደት ሃገር ተፈጺሙ ይብል።

ወሲኹ፡ ልዕሊ 60 ሰራሕተኛታት እቶም ትካላት ነበር ሩስያ ኣብ ዝተቘጻጸረቶም ከባቢታት ምስ ሩስያ ወጊኖም ኣንጻር ዩክሬይን ይሰርሑ ኣለው ኢሉ።

ስለ ዝዀነ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ መዚ ምኽባር ሕጊ እታ ሃገር ዝዀኑ ምስ ክሕደት ሃገርን ምትሕብባርን ብዝተሓሓዝ 651 ክሲ ከም ዝቐረበሎም ሓቢሩ።

እቶም ካብ መዝነቶም ዝተሰጐጉ ሰብ መዚ ኢቫን ባካኖቭን ኢርያና ቬኔዲክቶቫን ክሳብ ሕጂ ዝሃቡዎ ርኢይቶ የለን።

ዘለንስኪ ትማሊ ብቪድዮ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ “ከምዚ ዓይነት ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ሓደጋ ዘውድቑ ገበናት . . . ንክልቲኦም ሓለፍቲ ኣዝዮም ኣገደስቲ ሕቶታት ከተልዕል’ዮም ዝገብሩ። ነፍሲ ወከፍ ሕቶታት ክኣ መልሲ ክረኽቡ’ዮም” ኢሉ።

ሓላፊ ኤጀንሲ ድሕነት ዩክሬይን ኢቫን ባካኖቭ፡ ናይ ቁልዕነት መሓዛ ዘለንስኪ እዩ። ብ2014 ሩስያ ብሓይሊ ኣብ ዝጐበጠታ ክሬሚያ ሓላፊ ናይቲ ቤት ጽሕፈት ዝዀነ ኦሌህ ኩሊኒች ብክሕደት ሃገር ተጠርጢሩ ምስ ተኣስረ'ዩ ኢቫን ካብ መዝነቱ ተሰጒጉ።

ኣብ ካልኦት ምዕባለታት፡ ብሰንበት፥

  • ኣብ ጸሊም ባሕሪ ዝነበራ ብርክት ዝበላ መራኽብ ውግእ ሩስያን፡ ካብ ክሬሚያ ናብ ምብራቓዊ ወደብ ኖቮሮሲስክ ከም ዝግዓዛ ዩክሬይን ገሊጻ።
  • ዩክሬይን ሕጂ’ውን ነዊሕ ርሕቐት ሚሳይል ካብ ሃገራት ምዕራብ ትቕበል ኣላ
  • ዩክሬይን ንክሬሚያ ንምጥቃዕ ትውጥን እንተሃልያ “ናይ ፍርዲ መዓልቲ” ክጽበያ’ዩ ክብል ፕሬዝደንት ሩስያ ነበር [ሕጂ ምኽትል ሓላፊ ቤት ምኽሪ ጸጥታ] ዲመትሪ ሜድቨደቭ ኣጠንቂቑ