ኲናት ዩክረይን፡ ሩስያ ካብቲ ዝተቖጻጸረቶ ዞባ ሰላማውያን ሰባት ክተግዕዝ ምዃና ሓቢራ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ ብሩስያ ዝተሾመ መራሒ ናይታ ግዝኣት ዩክረይን ዝዀነት ደቡባዊት ዞባ ኼርሶን፡ ቭላድሚር ሳልዶ፡ ናብቲ ከባቢ ይግስግሱ ዘለው ሓይልታት ዩክረይን መዓልታዊ መጥቃዕቲ ሮኬት ይፍጽሙ ከም ዘለው ብምግላጽ ሰላማውያን ሰባት ካብቲ ቦታ ክግዕዙ ጸዊዑ።
ንሱ፡ "ንምዝናይን ንትምህርትን" ናብ ሩስያ ብምኻድ "ንነብሶም ከድሕኑ" ተማሕጺኑ። ነዚ ድማ ሓገዝ ሞስኮ ሓቲቱ።
ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተር ሩስያ ማራት ኩስኑሊን ድሒሩ ኣብ መንግስታዊ ቴሌቪዥን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ነዚ ጻውዒት ደጊፉዎ።
ዩክረይን፡ ንገዛእ ዜጋታታ ዒላማ ትገብር ምህላዋ ንዝገልጽ ክሲ ትነጽጎ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሰራዊት ዩክረይን ንገለ ከባቢታት ሰሜናዊ ምዕራብ ኼርሶን ዳግማይ ብምሓዝ፡ ናብ ርእሰ ከተማ እታ ዞባ ዝዀነት ከተማ ኼርሶን ቀሪቡ ኣሎ።
ፍሉይ ሓላፍነት ደቡባዊ ሩስያን ክረሚያን ዘለዎ ኩስኑሊን፡ "መንግስቲ፡ ነበርቲ ዞባ [ኼርሶን] ናብ ካልኦት ዞባታት እታ ሃገር ንክወጽኡ ሓገዝ ንምውዳብ ወሲኑ ኣሎ። ንኹሉ ድማ፡ ናጻ መንበርን ኣገዳሲ ነገርን ክንህብ ኢና" ኢሉ።
ቀዳሞት ካብታ ዞባ ዝወጽኡ ሰባት፡ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዞባ ግዝኣት ሩስያ ዝዀነት ሮስቶቭ ከም ዝኣትዉ ኣመሓዳሪ እታ ክልል ቫሲሊ ጎሉቤቭ ንማዕከን ዜና ሩስያ ታስ ሓቢሩ።
"ክልል ሮስቶቭ ንኹሉ ካብ ዞባ ኬርሶን ክመጽእ ዝደሊ ሰብ ክቕበልን ከአንግድን እዩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ኣብቲ ውግእ፡ ዩክረይን፡ ካብ ኣሜሪካ ዝረኸበቶ ስርዓታት ሮኬት ሂማርስ ብግቡእ ክትጥቀመሉ ጸኒሓ እያ።
ሓይልታት ዩክረይን፡ ኣብ ትሕቲ ሩስያ ንዝርከቡ ወሰንቲ ወተሃደራዊ ቦታታት ዒላማ ብምግባር ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ሩባ ድኒፐር ንዝርከቡ ዝበዝሑ ጎበጥቲ ሓይልታት ከም ዝቖርጹ ኣጠንቂቘም ኣለዉ።
ኬርሶን፡ ወራር ሞስኮ ብ24 ለካቲት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ብሓይልታት ሩስያ ዝተታሕዘ እንኮ ርእሰ ከተማ ዞባ ኬርሶን እያ።
ወተሃደራዊ ሓይሊ ዩክረይን፡ ኣብቲ ምስ ክረሚያ ዝዳወብ ቁልፊ ዞባ - ኣብ 2014 ብሞስኮ ዝተጐብጠ ደቡባዊ ሓውሲ ደሴት ዩክረይን - ዝገብሮ ዘሎ ገስጋስ ኣጠናኺሩ ቀጺሉ ኣሎ።
ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን፡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ንኣርባዕተ ዞባታት ዩክረይን [ብደቡብ ኼርሶንን ዛፖሪዚዝያን፣ ብምብራቕ ድማ ዶኔስቴክን ሉሃንስክን] ከም ዝጐበጠ ወግዓዊ ገይሩ’ዩ።
ዩክረይንን ሃገራት ምዕራብን እዚ ስጉምቲ ሕጋዊ ስልጣን የብሉን ብምባል ኰኒነን። ሕጂ’ውን እንተዀነ፡ ሩስያ ኣብዘን ዞባታት ሙሉእ ምቁጽጻር የብላን።
ብሮቡዕ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጐበጣ ሩስያ ንምኹናን ኣብ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ኣኼባ፡ ነቲ ስጉምቲ ብትሪ ኰኒኑ።
ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ ድማ፡ 143 ሃገራት ዝደገፍኦ ኰይነን፡ ቻይናን ህንድን ዝርከብአን 35 ሃገራት ድምጸን ዓቂበን።
ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብቲ ሩስያ ንኣርባዕተ ዞባታት ዩክረይን ምጕባጣ ንምዅናን ዝወዓለ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ድምጸን ካብ ሞንጐ ዝዓቀባ ሃገራት እየን።
ሩስያ፣ ቤላሩስ፣ ሰሜን ከርያን ኒካራጓን ድማ፡ ነቲ ውሳነ ነጺገንኦ።
ብሓሙስ ዝነበሩ ካልኦት ዓበይቲ ምዕባለታት
- ካብ ክረሚያ ወጻኢ፡ መላእ ዩክረይን ንዝተወሰነ እዋን ኣብ ትሕቲ መጠንቀቕታ ደብዳብ ነፈርቲ ነይራ። ሩስያ ድማ ኣብ ዞባ ኪቭን ልቪቭን ኣብ ልዕሊ ጸዓትን ወተሃደራዊ ዒላማታትን መጥቃዕቲ ሚሳይላት ከም ዝፈጸመት ተገሊጹ
- ኣብ ደቡባዊት ከተማ ሚኮላይቭ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ክልተ ሰባት ከም ዝሞቱን፡ ሓደ መንእሰይ፡ ካብ ፍርስራስ ናይ ሓደ ዝዓነወ ገዛ ክድሕን እንከሎ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ተዘርጊሑ። ድሒሩ ግን እቲ መንእሰይ ከም ዝሞተ ሰበ ስልጣን ገሊጾም
- ኪቭን ሞስኮን፡ ኣብ ቀረባ ኣብ ዝገበርኦ ምልውዋጥ ምሩኻት፡ 20 ኣባላት ኣገልግሎት ዩክረይን ብ 20 ወተሃደራት ሩስያ ከም ዝተለዋወጣ ኣረጋጊጸን
- ሩስያ፡ ዩክረይን ኣብ ዶብ ሩስያ ኣብ እትርከብ ከተማ ቤልጎሮድ ንዝርከብ መንበሪ ህንጻ ከም ዝሃረመት ከሲሳ
- ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ምስ ቱርካዊ መዘንኡ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን ክራኸብ እንከሎ፡ ከም ኣማራጺ መንገዲ ቀረብ ሻምብቆታት ኖርድ ስትሪም ኣብ ቱርኪ ማእከል ጋዝ ንምህናጽ ሓሳብ ኣቕሪቦም






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
