ቅልውላው ትግራይ፡ ‘እዚ ዛንታ እናጽሓፍኩ'ውን ኣብታ ከተማይ ድሮን ትዝንቢ ኣላ’

ብደብዳብ ድሮን ዝዓነወ ቤት ትምህርቲ
Published

ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት መሊሱ እናተጋደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ሰላማውያን ሰባት ኣብቲ ውግእ ይሳተፉ ኣለዉ።

ቅድም ኢሉ፡ ወለዲ ናይቶም ክዓጥቁ ፍቓደኛታት ዘይኮኑ መንእሰያት ይኣስሩ ኣለው ብዝብል ክኽሰሱ ዝጸንሑ ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብዚ ሰሙን ብዙሓት ንኽዓጥቍ ጐስጓስ ኣብ ምግባር ይርከቡ።

ብተመሳሳሊ ኣብቲ ኲናት ኣብ ጐድኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኰይኑ ዝሳተፍ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ’ውን፡ ዕቝር ሰራዊት እታ ሃገር ክኸትት ካብ ምጽዋዕ ሓሊፉ ሰፊሕ ግፋ የካይድ ከም ዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ቢቢሲ፡ ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ ካብ ዝርከብ ሓደ ጋዜጠኛ ሓደ ጸብጻብ በጺሕዎ ኣሎ።

ኣብታ ልዕሊ 500 ሽሕ ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ መቐለ፡ ዳርጋ መዓልታዊ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ [ድሮናት] ክዝንብያ እየን ዝውዕላ።

ሕጂ ነዚ ዛንታ እናጽሓፍኩ’ኳ ሓንቲ ድምጻ እሰምዖ ኣለኹ። በዚ ኸኣ ድሕነት ኣይስምዓንን።

ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ዝተፈጸሙ መጥቃዕታት ድሮን፡ መውዓሊ ህጻናትን መንበሪ ኣባይትን ኣጥቂዖም’ዮም።

ዒላማ እተን ነፈርቲ እንታይ ከም ዝነበረ ግልጺ ኣይኰነን።

ኣብዚ ሰሙን፡ ሰራዊት ትግራይ ዓቕሚ ዘለዎ ኵሉ ናብ ግንባር ክኸትት ጸዊዑ ኣሎ። ብዙሓት ሰባት ክኣ ነዚ ጻውዒት ተቐቢሎም ይኸዱ ኣለው።

ኣብዚ እዋን፡ “ናብ ሰራዊት ዘይምጽንባር ከም ነውሪ’ዩ ዝቝጸር” ክብል ሓደ ሽሙ ክዕቀብ ዝሓተተ ውልቀሰብ ነጊሩኒ።

ብዙሓት ተጋሩ ድሕሪ ደጊም ፌደራላዊ ምሕደራ ኣይንቕበልን ኢና ኢሎም ይቃለሱ ኣለው።

እንተዀነ እቲ ኣብ 2018 ስልጣን ዝሓዘ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ መራሕቲ እቲ ክልል እቲ ንሱ ስልጣን ምስ ሓዘ ዝሰኣንዎ ስልጣን ንምምላስ'ዩ ዕላማኦም ክብል ይኸሶም።

ኣብዚ ዘሎ ዅሉ ሰብ ንመሰሉ ክቃለስ እዩ ዝደሊ። እዚ ዳሕረዋይ ኲናት፡ እቲ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ ሰብኣዊ ምቍራጽ ተጻብኦ ምስ ፈረሰ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ እዩ ጀሚሩ።

ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ዝርከብዎም ካብ ኵሉ ጽፍሕታት ዝመጽኡ ሰባት ነቲ ዝቐረበሎም ጻውዒት ተቐቢሎም ናብ ሰራዊት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ይጽንበሩ ኣለው።

ደቂ ኣንስትዮ ወተሃደራዊ ስልጠና ወሲደን እየን፤ ኣብ ዝዀነ እዋን እንተ ተጸዊዐን ድማ ንኽቃለሳ ድልዋት ምዃነን ይዛረባ።

ሓንቲ ካብኣተን፡ "ትግራወይቲ ብምዃነይ ሕብንቲ’የ፤ መሰለይን መሬተይን ንምውሓስ ክኣ ስልጠና ብምውሳደይ ተሓጒሰ" ዝበለትኒ፡ ጓል 23 ዓመት መንእሰይ እያ።

ትግራይ ካብ ሰነ 2021 ጀሚሩ፡ ኣብ ዕጽዋ ትርከብ። ኩነታት መነባብሮ ድማ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸፍአ መፂኡ እዩ።

መስመራት ቴለፎንን ኣገልግሎት ኢንተርነትን ደው ካብ ዝብሉ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኰይኑ ኣሎ፤ እዚ ድማ ካብ ካልእ ክፋል ዓለምና ኣቋሪጹና ኣሎ።

ሰባት፡ ናብ ስድርኦምን ፈተውቶምን መልእኽቲ ንምብጻሕ ደብዳበ’ዮም ዝጽሕፉ፤ ወይ ድማ ናብቲ ምስ ኣምሓራ ዘዋስኑ ከባቢታት ብምኻድ ተሌፎን ይድውሉን ካብ ወጻኢ ዝተላእከሎም ገንዘብ ይቕበሉን።

ሰባት፡ ዘለው ምዕባለታት ንምፍላጥ ብጕጅለታት ተኣኪቦም ኣብ ጐደናታት ኰፍ ኢሎም ሓንቲ ራድዮ ይሰምዑ።

ኣብ ትግራይ ከቢድ ሕጽረት መጓዓዝያ ብምህላው ሰባት ካሮሳ ይጥቀሙ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሰብ፡ ብዛዕባ መስርሕ ሰላም ይዛረብን ብዛዕባኡ ዝወጽእ ዜና ብትዅረት ይከታተሎን።

ብዙሓት ሰባት ግን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዘተ ሰላም ድሉው ከም ዘይኰነ ይኣምኑ፣ ምኽንያቱ ደብዳብ ነፈርቲ ኣየቋረጸን።

ብተወሳኺ፡ ሰባት ገንዘብ ክረኽቡ ኣይክእሉን እዮም፣ ባንክታት ስለ ዝተዓጽዋ ጥረ ገንዘብ ከውጽኡ ኣይክእሉን። ስለዚ ስራሕ የለን።

እዚ ድማ፡ ቅድሚ ኲናት ዘይሕጋውያን ዝነበሩ ኣገባባት ክልመዱ ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ።

ደለልቲ፡ ብጸሊም ዕዳጋ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ካብ ዝነበረ 50 ሚእታዊት ጐዲሉ ብውሑድ 30 ሚእታዊት ዓስበ ድለላ እናወሰዱ ገንዘብ ይህቡ።

ንኣብነት ጐረባብተይ፡ ካብ ኣሜሪካን ካናዳን ብዝለኣኸሎም ገንዘብ እዮም ዝናበሩ።

ሓደ ጐረቤተይ፡ ገንዘብ እንተዘይሰዲዶም ሓሙሽተ ደቁ ክዕንግሎም ከም ዘይክእል ይዛረብ።

ኣብ ኣሜሪካ ክልተ ኣሓት ኣለውዎ። እቲ ከበባ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ድማ ኣርባዕተ ግዜ ካብ ኣሕዋቱ ገንዘብ ረኺቡ ኣሎ።

ብኻልእ ወገን፡ እቲ ግጭት፡ ነዳዲ ሓዊሱ ኣገደስቲ ኣቑሑት ናብ ትግራይ ከይኣትው ማሕለኻ ስለ ዝዀነ፡ ብዙሓት ሰባት ብእግሮም፡ ወይ ብዓረብያ ኣድጊ እዮም ዝጓዓዙ።

ዋጋታት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ዋጋ ጣፍ፡ ሰሙን ሰሙን ይውስኽ።

ኣብዚ እዋን ዋጋ ሓደ ኩንታል ጣፍ ኣስታት 265 ዶላር ኰይኑ፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት 85 ዶላር'ዩ ነይሩ።

ብሰንኪ እቲ ዕጽዋ፡ ሕጽረት መድሃኒት ስለዘጋጠመ ሰባት ይሞቱ ኣለዉ።

ዋጋ መድሃኒታት ሕዱር ሕማማት፡ ብዓሰርተ ዕጽፊ ወሲኹ ኣሎ።

ነፍሲ ወከፍ ሓድሽ ደብዳብ ነፈርቲ ዝያዳ ሲቪላት ይቐትል ብምህላው፣ መንእሰያት ብብዝሒ ናብ ሰራዊት ክጽንበሩ ይድርኽ ኣሎ።

ሓንቲ ጓል 29 ዓመት ጓል ኣንስተይቲ፡ ሰለስተ ካብ ኣባላት ስድራቤታ - ክልተ ኣሕዋትን ሓንቲ ሓፍታን - ሕጂ ናብ ሰራዊት ትግራይ ከም ዝተጸንበሩ ነጊራትኒ።

ንዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ፡ ዘለዋ ንእሽቶ ነገር ተጠቂማ፡ ነቶም ኣብ ግንባር ንዝርከቡ ተጋደልቲ መግቢ ከተዳሉ ጸኒሓ እያ።

ካልኦት ነበርቲ ድማ፡ ዝርካቦም ምስቶም ደቆም ናብ ግንባር ዝሰደዱ ስድራቤታት ተኻፊሎም ይነብሩ ኣለው።

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርርብ ሰላም ክጅምር ከምዝኽእል ዜና ምስ ተዘርግሐ፡ ሰባት ተሓጒሶም።

እቲ ዘተ ግን ብዘይተነጸረ ምኽንያታት ናብ ባይታ ኣይወረደን። ብሰንኩ፡ ብዙሓት ሰባት ንሰላም ዝነበሮም ተስፋ ተጸንቂቝ።

ኣብያተ ክርስትያናትን መሳጊድን ድማ ምሸት ምሸት መሊኦም እዮም ዝሓድሩ፤ ሰባት እዚ ኲናት ከብቅዕ ይጽልዩ ኣለዉ።

ቢቢሲ፡ ንድሕነት እቲ ጋዜጠኛን እቶም ወሃብቲ ርእይቶን ክብል ሽሞም ዓቂብዎ'ሎ።