ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ዋዕላ ኵነና ሩስያ ድምጸን ዓቂበን

ፑቲን ምስ መራሕቲ ሃገራት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብቲ ሩስያ ንኣርባዕተ ዞባታት ዩክረይን ምጕባጣ ንምዅናን ዝወዓለ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ድምጸን ዓቂበን።

እቲ ውሳነ ናይ 143 ሃገራት ድጋፍ ዓብላሊ ድምጺ ክረክብ እንከሎ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተፈላለየ መርገጽ ሒዘን።

ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ቻይናን ህንድን ዝርከብአን 35 ሃገራት ድምጸን ካብ ምሃብ ተዓቂበን።

ሩስያ፡ቤላሩስ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ሶርያን ኒካራጓን ነቲ ውሳነ ነጺገናኦ።

እዚ፡ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ካብ እትጅምር ንደሓር ዝዓበየ ኣንጻራ ዝቐንዐ ድምጺ እዩ።

ኣብዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቤተመንግስቲ ሩስያ ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል፡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ንምብራቓዊ ዞባታት ሉሃንስክ፡ ዶነስክ፡ ዛፖሪዚዝያን ኼርሶንን ኣካል ሩስያ ዝገብር ሰነድ ከቲሙ እዩ።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ድሕሪ ምፍጻማ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ ነቲ ወራር ንምኹናን ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኤርትራ ጥራይ ነቲ ውሳነ ክትቃወሞ እንከላ፡ ሩስያ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ሶርያን ቤላሩስን እየን ተመሳሳሊ መርገጺ ዝወሰዳ ሃገራት እየን።

17 ሃገራት ኣፍሪቃ ድምጸን ዓቂበን ምንባረን ይዝከር።

ኣብዚ ናይ ሕጂ ድምጺ፡ መሻርክቲ ሩስያ ዝበሃላ ኢትዮጵያ፡ ማሊ፡ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ዶሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ሱዳን፡ ኡጋንዳን ዚምባብወን ዝርከባአን ሃገራት ድምጸን ዝዓቀባ እየን እየን።

ካብዘን ድምጸን ዝዓቀባ ሃገራት እተን ሰለስተ፡ ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ጽልዋ ንምሕያል ኣብ ዝሃለፈ ሓምለ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ዝበጽሐን ሃገራት እየን።

ላቭሮቭ፡ ናብ ኢትዮጵያ፡ ግብጺ፡ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐን ኡጋንዳን ዑደት ምግባሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝጸንሓሉ ኣጋጣሚ፡ ንቅልውላው ዋጋታት መግቢን ነዳድን ዓለም ቀንዲ ተሓተትቲ ምዕራባውያን ምዃኖም ገሊጹ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ዲሚትሪ ኩሌባ፡ ነቲ እናሓየለ ዝመጽእ ዘሎ ጽልዋ ሩስያ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ንምቕልባስል ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዑደት ክገብር ጀሚሩ ምንባሩ ይፍለጥ።

እንተዀነ፡ እቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ተካይዶ ዘላ ደብዳብ እናሓየለ ብምምጽኡ፡ ዑደቱ ከቋርጽ ተገዲዱ።

ኣብዚ ሓፈሻዊ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቡርኪናፋሶ፡ ካሜሩንን ኢኳቶርያል ጊኒን ከምዘይተረኽባ ተፈሊጡ።

ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ሩስያ ንዞባታት ዩክረይን ኣብ ግዝኣታ ምእታዋ ብዝምልከት ኣብ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዝሃብኦ ድምጺ (ጥቅምቲ 2022)