ኣዲስ ኣበባ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ፈተነ ስርቂ ልዕሊ 6 ሚልዮን ዶላር ከምዝፈሸለ ኣፍሊጡ

Published

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ንግዳዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ካብ ዝነበሮ ሕሳብ ሽዱሽተ ሚልዮን ዶላር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንምውጻእ ዝተገበረ ፈተነ ከምዝፈሸለ ገሊጹ።

እቲ ሕብረት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቀጽሪ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪካ ካብ ዝርከብ ጨንፈር ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ሽዱሽተ ሚልዮን ዶላር ንምውጻእ ዝተገበረ ፈተነ ከምዘይተዓወተ ኣፍሊጡ’ሎ።

ሰራሕተኛታት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያን ክፍሊ ገንዘብ ሕብረት ኣፍሪካን "ንጡፍን ቅልጡፍን ስጕምቲ ብምውሳድ" ነቲ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክውሰድ ዝተሓሰበ ገንዘብ ከድሕንዎ ከምዝኸኣሉ ድማ ጠቒሱ።

ንቤተ-ክህነት ኦሮሚያ ንምምስራት ብዝነበሮም ንጡፍ ተሳትፎ ዝፍለጡ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ምክትል ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሓፈሻዊ ቤተ ክህነት ሊቀ ኣእላፍ ቀሲስ በላይ መኮነን ስኑዕ ሰነዳት ብምጥቃም ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ዶላር ንምውጻእ ፈቲኖም ብዝብል ጥርጣረ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ይዝከር።

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብዕለት 7 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም [ግ] "ሰራሕተኛ እቲ ቤት ጽሕፈት ብዘይኮነ ኣካል ናይ ክፍሊት ትእዛዝ ናብ ንግዳዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ቀሪቡ” ኢሉ።

እቲ ገንዘብ ምስ "ስራሕ ህንጻን ምዅዓት ማይን" ንዝተኣሳሰር ክፍሊት ብዝብል ንምውጻእ ተሓሲቡ ምንባሩ’ውን ኣብሪሁ።

ይዅን እምበር፡ ዳይረክተር ፋይናንስ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ብዘካየዶ "ዓሚቝ መርመራ"፡ እቲ ነቲ ክፍሊት ንምውጻእ ዝቐረበ ሰነድ ስኑዕ ምዃኑ ስለዝተፈልጠ ናብ ፈደራል ፖሊስ ጥቆማ ብምሃብ ዝተጠርጠሩ ወገናት ክእሰሩ ከምዝተገበረ እቲ ሕብረት ኣፍሊጡ’ሎ።

እቲ ምስቲ ፍጻመ ብዝተኣሳሰር ጥርጡራት ኰይኖም ናይ ዝተታሕዙ ቀሲስ በላይ፡ መራሕ መኪናኦምን ዓጃቢኦምን ጉዳይ ዝሓዘ መርማሪ ፖሊስ፡ ብረቡዕ 16 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም [ግ] ንቤት ፍርዲ ዝርዝር መብርሂ ኣቕሪቡ ነይሩ።

ሽዑ ቀሲስ በላይ ኣብቲ ፍጻመ ዝተረኽቡ፡ "ሰባት ስለዘታለልዎም" ከምዝዀነ ንቤት ፍርዲ ምዝራቦም ጠበቓኦም ኣቶ ቱሊ ባይሳ ንቢቢሲ ምዝራቡ ይዝከር።

መርማሪ ፖሊስ ኣብ መንበሪ ገዛ ቀሲስ በላይ ፈተሻ ከምዘካየደን ሓንቲ ሽጉጥ ከምዝረኸበን ንቤት ፍርዲ ሓቢሩ።

እንተዀነ፡ ፖሊስ እቲ ዝተረኽበ ሽጉጥ ፍቓድ ዘለዎ ድዩ ኣይኰነን ንምጽራይን ካልኦት ሽዱሽተ ተሓባበርቲ ዝኾኑ ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ንምውዓልን ከምኡ ድማ ምስቲ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ናብ ባንኪን ዝተፈላለዩ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስትን ንዘቕረቦ ሕቶ መልሲ ክሳብ ዝረክብ ተወሳኺ ናይ 14 መዓልታት መርመራ ክፍቀደሉ ንቤት ፍርዲ ምሕታቱ እቲ ጠበቓ ሽዑ ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።

ፖሊስ "ሃገራዊ ጉዳይ'ዩ፤ ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ከቢድን ገበን እዩ" ክብል ነቲ ቤት ፍርዲ ምዝራቡ እቲ ጠበቓ ወሲኹ ገሊጹ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ነቲ ጉዳይ "ልዑል ቆላሕታ ሂቡ" ይከታተሎ ከምዘሎ ብምሕባር፡ "ከምዚ ዓይነት ፈተነ ዘተሓሳስብ'ኳ እንተዀነ እቲ ፍጻመ ግን ነቲ ኣብቲ ሕብረት ዘሎ ናይ ድሕነት ጥንቃቐታት ዳግመ ግምት ንኽግበረሉ ምኽንያት ከምዝዀነ" ጠቒሱ።

ንግዳዊ ባንኪ ኢትዮጵያን መንግስቲ እታ ሃገርን ንዝሃብዎ "ቅልጡፍ ምላሽ" ከኣ ኣመስጊኑ።