እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ፡ ኣፍልጦ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ዝረኸበ ሰልፊ ትንሳኤ ሰብዓ እንደርታ
ፖለቲካዊ መድረኽ ትግራይ ንነዊሕ እዋን ብህወሓት ተዓብሊሉ ከም ዝጸንሐ ዝፈለጥ ኰይኑ፡ ካብ ቀረባ ዓመታት ኣትሒዙ ግን ተቓወምቲ ውድባት ክንቀሳቐሳ ይረኣያ ኣለዋ። ገለአን እዋን፡ ክሳብ ኣብቲ ብደረጃ ክልል ዝተኻየደ ግን ብፈደራል መንግስቲ ኣፍልጦ ዘይተወሃቦ መረጻ’ውን ክሳተፋ ዝበቕዓ እየን።
ኣብዚ እዋን ኣብ ትግራይ ዝርከባ ንጡፋት ዝበሃላ ተቓወምቲ ውድባት ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት)፡ ውድብ ናፅነት ትግራይ (ውናት)፡ ብሄራዊ ባይቶ ንዓባይ ትግራይ (ባይቶና)፡ ዓረና ከምኡ’ውን ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ዓሲምባ ምጥቃስ ይከኣል።
ብዘይካ እተን ማእከለን ኣብ መቐለ ብምግባር ዝንቀሳቐሳ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተመስረታን ኣፍልጦ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ዝረኸባን ውድባት ፖለቲካ ትግራይ እውን ኣለዋ።
ካብተን ዛዕበአን ትግራይ ገይረን ኣፍልጦ ዝተወሃበንን ውድባት ፖለቲካ “ትንሳኤ ሰብዓ እንደርታ” ዝብል ስያመ ዝተዋህባ ሓንቲ እያ። ምስረታን ስያመን እዛ ውድብ ንብዙሓት ኣዛራቢ ኰይኑ ኣሎ። ነዚ መብገሲ ዝገበረ፡ ቢቢሲ ትግርኛ ምስ ኣቦ መንበር ትንሳኤ ሰብዓ እንደርታ ኣቶ ከበደ ኣሰፋ ዝገበሮ ቃለመሕትት እነሆ፤
ቢቢሲ፤ ትንሳኤ ሰብዓ እንደርታ ሃገራዊ ወይስ ክልላዊ ውድብ እዩ? መዓዝከ ተጣይሹ?
ከበደ፤ ክልላዊ ፓርቲ እዩ። ንዝሓለፈ ሓደ ዓመት ምንቅስቓስ ክገብር ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዝሓለፈ ዝኽሪ መዓልቲ ምስረታ ቀዳማይ ወያነ ጳጉሜን ክልተን ሰለስተን ጉባኤኡ ኣካይዱ። ዘድሊ ረቛሕታት ኣማሊኡ ድማ ኣብ 2 ታሕሳስ 2016 [ኣ.ግ] ሕጋዊ ኣፍልጦ ረኺቡ።
ቢቢሲ፤ ንፖለቲካዊ ውድብኩም “ትንሳኤ ሰብዓ እንደርታ” ዝብል ስም ክትህቡ ዝመረጽኩምሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?
ከበደ፤ ንሕና እቲ ሰብዓ እንደርታ ዝብል ስም ናይ ከባቢ መጸውዒ እዩ ኢልና ኣይንኣምንን። ድሕሪ ውድቀት ኣኽሱም ነቲ ስልጣን ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ንምውሳድ ኣብ ዝነበረ ውድድር እንደርተቶት ናይ ባዕልቶም ‘እንደርታ ሲቪላይዜሽን’ ዝበሃል ስልጣነ ብምፍጣር ስልጣን ኣብ ትግራይ ንኽጸንሕ ገይሮም። ማእኸሎም ሕንጣሎ ወጀራት ብምግባር ክሳብ ኤርትራ፡ ሸዋን ጎንደርን ብምስፋሕ ኣቢሲኒያ ዝበሃል ግዝኣት መጺኡ። ብሓፈሻ ግን ስልጣነ እንደርታ ድሕሪ ውድቀት ኣኽሱም ንልዕሊ 400 ዓመታት ስልጣን ኣብ ትግራይ ንኽፀንሕ ዝገበረ እዩ። ቅድሚ ኣማኢት ዓመታት በቢኸባቢኡ መሰል ዓርሰ ምሕደራ ንኽረጋገጽ ዝገበረን ነታ ሎሚ ዘላ ኢትዮጵያ መሰረት ስርዓት ዘንጸፈን ስለዝዀነ ኢና ስያመና ጌርናዮ።
ቢቢሲ፤ ስለዚ ስያመኡ ጥራይ ዲኹም ወሲድኩም? እዚ ዝጠቐስካዮ ታሪኻዊ ኵነት ምስቲ ናታትኩም ፖለቲካዊ ክልስ-ሓሳብ ወይ ፍልስፍና እንታይ ዘራኽብ ነገር ኣለዎ?
ከበደ፤ ምንቅስቓስ እንደርታ ነዊሕ እዋን ነይሩ እዩ። ህዝቢ እንደርታ ብስሩዕን ዘይስሩዕን መንገዲ ክቃለስ ፀኒሑ’ሎ። ንቓልሱ ድማ መሰረታዊ ምኽንያታት ኣለውዎ። ቅድሚ ኣማኢት ዓመታት ህዝብታት ባዕሎም ንባዕሎም ከመሓድሩ ዝገበረ ህዝቢ ኣብ ዝሓለፉ 30/40 ዓመታት ግን ኣብ ትሕቲ ወጽዓ ኣትዩ፤ ኣብ ተፈጥሮኣዊ ፀጋታቱ መሰል ዘይብሉን ባዕሉ ንባዕሉ ከመሓድር ዘይፍቀደሉን ኰይኑ። ቋንቋኡን ባህሉን ተጸቒጡ ብዙሕ ወጽዓታት በጺሕዎ፣ ስለዚ መበገሲና እዚ እዩ።
መሬቱ ብስም ልምዓት እናተመንጠለ ክደኪ፤ ፈቘዶ ስደትን ልመናን ክብተን ተገይሩ። መሬቱ ድማ ካብ ካልእ ከባቢ ንዝመጽእ ተዓዲሉ። ስለዚ ኣብ ትግራይ ምዕሩይ ስርዓት ተፈጢሩ ህዝቢ እንደርታ ባዕሉ ንባዕሉ ዘመሓድረሉ፤ ብቋንቋኡ፣ ላዝኡን ባህሉን ዝኾርዓላ ትግራይ ንኽትፍጠር ክንቃለስ ኢና።
ህዝቢ እንደርታ ነዚ መሰረት ዝገበረ ፖለቲካዊ ቃልሲ የድልዮ እዩ ብዝብል ኢና ተወዲብና። እቲ ካልእ ጉዳይ ድማ ብሰንኪ ፖለቲከኛታት ንትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ምንጻል ኣየዋጽእን ኢልና ኢና ንኣምን። ረብሓ ተጋሩ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ እዩ ዝረጋገጸ። ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝተፈጸመ ግፍዒ ኮነ ወጽዓ ድማ ብቓልሲ እዩ ዝምከት እምበር ዓድካ ገዲፍካ ስለዘይኰነ ኢትዮጵያዊነት ንምቕናዕ ዝዓለመ ፖለቲካዊ ኣንፈት ዝኽተል ውድብ እዩ።
ቢቢሲ፤ እንደርታ ወይ ሰብዓ እንደርታ ኢልካ ዝግበር ምንቅስቓስኩም ነቲ ከባቢ ካብ ትግራይ ንምንጻል ዝግበር ከምዝዀነ ዝገልጹን ዝነቕፉን ኣለዉ፣ ስያመኹም እውን ከባቢያውነት ዘንጸባርቕ ይመስል እሞ፡ ኣብዚ ጉዳይ ብመንጽር ዕላማኹም እንታይ ትብል?
ከበደ፤ ሰባት ከምኡ ክመስሎም ይኽእል እዩ። እዚ ርእይቶኦም ድማ ምኽንያታዊ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ኣብ ትግራይ ወጽዓ ኣሎ። ስለዚ ኣይኮነን’ዶ እዚ ሰፈሕ ህዝቢ ብደረጃ ቀበሌ እውን ወጽዓ እንተሃልዩ ተወዲብካ ምቅላስ መሰል እዩ። ቃልሲ ሰብዓ እንደርታ ናይ ፍትሓውነት ቃልሲ እዩ። ንዅሉ ቋንቋታት፣ ለዛን ባህልን ዘይተተአናግድ ትግራይ ጨቋኒት እያ። ስለዚ ኣብ ኵሉ ከባቢ ዘሎ ትግራይ ብማዕርነት ዝነብረላ ትግራይ ትፈጠር ኢልካ ምቅላስ ከም ንምንጻል ወይ ምብትታን ገይሮም ዝወስድዎ ሰባት ኣብ ክልተ መቒልና ኢና ንርእዮም። ብሓደ ወገን ዘለዉ እቶም ወጻዕቲ ክዀኑ ከለዉ እቶም ብኻልእ ወገን ዘለዉ ድማ እቶም ከምኡ መሲሉ ዝተረኣዮም ቅኑዓት እዮም።
ስለዚ “ክብትኑና እዮም” ንኸይብሉና ብምስጋእ ኮፍ ክንብል ኣይንደልን። ንሕና ንብል ዘለና ንራያ፡ ንተምቤን፡ ዓጋመ ዋላ ንዓድዋ ማዕረ ዝዀነት ትግራይ ትፈጠር ኢና ንብል ዘለና። ህዝቢ ዓድዋ ብስሙ ከመይ ይሽቀጥ ከምዘሎ ዝፍለጥ እዩ። ኵሉ በቢኸባቢኡ ንዘሎ ወጽዓ እንተተቓሊሱ እዚ ሎሚ ትንሳኤ ሰብዓ እንደርታ ዝበልናዮ ኣብ መጻኢ ትንሳኤ ትግራይ ዘይኰነሉ ምኽንያት የለን።
ቢቢሲ፤ በቢኸባቢኡ እናተወደበን ስም ከባቢኡ እናሃበን ኵሉ ይቃለስ ትብል ኣለኻሞ እዚ ግን፡ ንሓደ ህዝቢ ዝመቓቕል ወይ ዘዳኽም ዶ ክኸውን ኣይክእልን?
ከበደ፤ ኣይክእልን። ኣብ ሓደ ከባቢ ዘሎ ፀገም እንተተፈቲሑ ኣብ ካልእ ከባቢ ትግራይ ዘሎ ፀገም ተፈቲሑ ማለት እዩ። እዚ ብምንታይ መዐቀኒ እዩ ንትግራይ ዘዳኽም? ንሕና ብስም ከባቢና ዝተወደብናሉ ምኽንያት ጭቡጥ ምኽንያት ስለዝዀነ እዩ። ስለዚ እዚ ምኽንያት ቃልሲ ናተይ’ውን እዩ ዝብል ካልእ ይምጻእ። ብድሕሪኡ ትግራይ ኢልና ሓቢርና ዘይንሰርሓሉ ምኽንያት የለን።
ቅድሜናኮ ካልኦት ብኸባቢኦም ዝተወደቡ ኣለዉ። ቅድሚ ኲናት ትግራይ ምውልዑ ራያ ራዩማ ብዝብል ንህዝቢ ራያ፣ ዓሲምባ ብዝብል ድማ ንህዝቢ ኢሮብ ወኪሎም ዝተጣየሹ ኣለዉ። እንደርታ ዝብል ክለዓል ከሎ ግን ንምንታይ እዩ ዘሕምም? ኣብ ገዛእ ከባቢኡ ዝተጓነየ ህዝቢ እዩ። ባዕልኻ ንባዕልኻ ክተመሓድር ዘይፈቅድ ስርዓት ንትግራይ ከናብራ ኣይክእልን። ምዕሩይነት እዩ ከናብራ ዝኽእል።
ቢቢሲ፤ ፖለቲካ ትግራይ ካብ ቀረባ ዓመታት ተቓወምቲ ውድባት እናፍረየ መጺኡ። እንተዀነ ብዙሕ ውጽኢትን ለውጥን ኣይተራእየን ዝብል ነቐፌታ ይለዓል እዩ። ንስኹም እውን ፓርቲ መስሪትና ትብሉ ኣለኹም እሞ እንታይ ዝተፈለየ ነገር ኢኹም ነቲ ቌምናሉ እትብልዎ ህዝቢ ከተምጽኡሉ?
ከበደ፤ ኣብ ከባቢና እነልዕሎ ሕቶታት ናይ “ጸቢብነት”፣ “ከባቢያውነት” ወይ “ኣውራጃዊ” እናተበሃለ እዩ መጺኡ። ግን ድማ እታ ንሕና ንብላ ዘለና ቃልሲ’ኮ ካልኦት ከባቢታት እውን ይብልዋ እዮም። እቶም ክሳብ ሎሚ ብደረጃ ትግራይ ዝተገበሩ ፖለቲካዊ ቃልስታት ውጽኢት ኣየምጽኡን ኢልና ኢና ንኣምን። ስለዚ ንሕና ብኸባቢና ተወዲብና ኣለና። ስለዚ እቶም ካልኦት [ውድባት] ንዓና ይስዓቡና ወይ ድማ ዝሓሸ ውዳበ ፈጢሮም ይስሓቡና።
ነካይዶ ቃልሲ ምኽንያታት ስለዘለዎ ህዝባዊ ቅቡልነት ኣለና። ኵሉ ድማ በቢኸባቢኡ ክቃለስ ነተባብዕ። እቲ ዘይነተብብዖ ጉዳይ ካብ ኢትዮጵያ ምንጻል ዝብል እዩ። ጸረ-ኢትዮጵያ ምስ ዝዀኑ ሓይልታት ኣይንስለፍን። ተጋሩ ስለዝተገፍዑ ዓዶም ሓዲጐም ክንጸሉ እዮም ኢልና ስለዘይንኣምን ነዚ ክንቃለሶ ኢና።
ኵሉ በቢኸባቢኡ ብዘካይዶ ቃልሲ እቲ ዝድለ ለውጢ ምምጻእ እንተተኻኢሉ ንትግራይ ዝምጥንን ንናይ ኵልና ድልየት ዝሓቁፍን ሓደ ውድብ ምፍጣር ይከኣል እዩ። ኣብ ትግራይ ዓብይ ግንባር ምፍጣር ዝብል ሓሳብ ኣብ ፕሮግራምና ኣሎ። እተን ኣብ ትግራይ ዘለዋ ውድባት ነቲ ብፖለቲካን ኢኮኖሚን ዝዓብለለ ህወሓት ተቓሊሰን ለውጢ ከምጽኣ ኣይከኣላን ዘለዋ። ስለዚ ንሕና ብኸባቢና ተወዲብና ኣለና። እቲ ንህዝቢ ዝውጽዕ ስርዓት ድማ ማእከሉ መቐለ - እንደርታ ስለዝዀነ ህዝቢ እንደርታ ካብዚ ነጻ እንተወጺኡ ካልእ ህዝቢ ትግራይ እውን ነጻ ክወጽእ እዩ ዝብል እምነት አለና።
ቢቢሲ፤ ምስ ጉዳይ ከተማ መቐለን ውራ መሬትን ብዝተሓሓዝ ብተደጋጋሚ እተልዕልዎ ኣጀንዳ ኣሎ። “ህዝቢ ካብ መሬቱ ተላዒሉ”፤ “ከባቢታት እንደርታ ናብ መቐለ ክኣትዋ ተገይሩ” ዝብሉን ካልኦት ዛዕባታትን ተልዕሉ። መቐለ ማእከል ወይ ዋና ከተማ ትግራይ ከም ምዃና መጠን ብኢንዳስትሪን ልምዓት መንበሪ ኣባይትን እንተሰፍሐት በየናይ ኣጠማምታ ኢኹም ትቃወምዎ?
ከበደ፤ ንሕና ንዕብየት ኣይንቃወምን። ተቓውሞና ኣብ ኣካይዳ እዩ። እቲ ጸገም ንብሎ ዘለና ኮነ ኢልካ ነቲ ነባር ህዝቢ ካብ ከባቢኡ ንምውጻእን ኣሰፋፍራ ህዝቢ ንምቕያርን ስለዝግበር እዩ። ልምዓት እንተተባሂሉኸ ግድን ኣብ መቐለ ጥራይ ድዩ ክካየድ ዘለዎ? ኣብ ካልእ ከባቢታት እውን ክግበር ይኽእል እዩ። ዋና ከተማ መአከቢ ፋብሪካታት ክኸውን ኣለዎ ዝብል እምነት እውን የብልናን። ኣብ ጥቓ ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ ዘሎ ህዝቢ ሓሬና ኣብ ከመይ ዝበለ ጸገማት ጥዕና ወዲቑ ከምዘሎኮ ዝረአ እዩ።
ብመሰረቱ ጥዕና ዘለዎ ልምዓት እዩ ኢልና ኣይንኣምንን። ሓደ፡ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ነባር ህዝቢ ኣፈናቒልካ ኵነታት ኣሰፋፍራ ህዝቢ ንምቕያርን ስልጣን ንኸይሓትት ናይ ምድኻም ሽርሒ እዩ። ካልኣይ፡ ብሓቂ ልምዓት እንተዀይኑ ነቲ ህዝቢ ኣካል እቲ ልምዓታዊ ኢንቨስትመንት ምግባር ዝከኣል ይመስለኒ። እቲ በዓል ሃፍቲ ብገንዘቡ ሓረስታይ ድማ ካብ ከባቢኡ ከይተፈናቐለ መሬቱ ሂቡ ሓቢሮም ክሰርሑ ምግባር ይከኣል።
መንግስቲ ግን ነዚ ክገብር ኣይከኣለን። ገባር ተፈናቒሉ መሬት ይሸይጥ ኣሎ። እዚ ግፍዒ እዩ፤ ደው ክብል ኣለዎ። ነዚ ንቃወም ዘለና ኣብ መቐለ ስለዝተፈጸመ ኣይኰነን። ዋላ ኣብ ዓድግራት፡ ዓድዋ ወይ ውቐሮ እንተተፈጺሙ ንቃወሞ ኢና። ወለድና ተፈናቒሎም ግዳይ ጥምየትን ድኽነትን ኰይኖም ስለዘለዉ ኢና ንቃወሞ።
መሬቱ ንልምዓት እንተተደልዩ ድማ ናብራኡ ካብ ሕርሻ ናብ ካልእ ከሰጋግር ዝኽእል ካሕሳ ብምሃብ ክኸውን ኣለዎ። መንግስቲ ብብልሽውና ገንዘብ ንምእካብ እዩ መሬት ገባር ዝሸይጥ ዘሎ። ስለዚ ነቲ ልምዓት ኣይተቓወምናን፤ ግን ድማ ነቲ ገባር ብዘየድኪ መገዲ ክኸውን ኣለዎ ኢና ንብል።
ቢቢሲ፤ ኣብ ዝቕጽል መረጻ ብኸመይ ክትሳተፉ ወጢንኩም ኣለኹም?
ከበደ፤ ፈለማ ኣብ ክልላዊ መረጻ ክንሳተፍ ኢና። ኣብ ኵሉ ከባቢ እንደርታ ከምኡ’ውን ዓቕምና መሰረት ብምግባር ካልኦት ከባቢታት ትግራይ ወኪላት ክህልዉና እዮም፤ ስለዚ ኣብ ኵሉ ከባቢታት ክንወዳደር ኢና። ኣብ ምሉእ ከባቢታት እንደርታ ክንዕወት ክንቃለስ ኢና።