እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ህንዲ ንመራሒት ባንግላድሽ ነበር ሸኽ ሓሲና ኣሕሊፋ ከተረክባ'ዶ ትኸውን?
ቀዳመይቲ ሚኒስተር ባንግላድሽ ነበር ሸኽ ሓሲና ካብ ሃገራ ብዝተፈጥረ ህዝባዊ ማዕበል ድሕሪ ምህዳማ ኣብ ጥቓ ህንዲ-ደልሂ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ብታህዋኽ ካብ እትዓልብ ኣስታት ሓደ ወርሒ ኰይኑ’ሎ።
ሓሲና ኣብ 5 ነሓሰ ብድራማዊ ኵነታት ካብ ስልጣና ክትወርድ ዝተገደደት ነቲ ንሰሙናት ድሕሪ ዝቐጸለ ብተምሃሮ ዝምራሕ ሓደገኛ ሃገርለኸ ተቓውሞታት እዩ።
ፈለማ ኣብ ህንዲ ንሓጺር እዋን ጥራይ ክትጸንሕ ከም እትኽእል'ኳ ትጽቢት እንተነበረ፡ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣመሪካን ኢማራትን ዑቕባ ክትሓትት ዝገበረቶ ፈተነታት ክሳብ ሕጂ ከምዘይተዓወተ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ኣብ ህንዲ ምጽንሓ ከኣ ንደልሂ ምስቲ ኣብ ባንግላድሽ ዝቘመ ሓድሽ ግዝያዊ መንግስቲ ድልዱል ዝምድና ንኸይተማዕብል ብድሆታት ፈጢሩላ ኣሎ።
ባንግላድሽ ንህንዲ ከም ዝዀነት ጎረቤት ሃገር ጥራይ ትቘጸር ኣይኰነትን። ስትራተጅያዊ መሻርኽቲ ከምኡ’ውን ንጸጥታ ዶባት ህንዲ ብፍላይ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ግዝኣታት ወሳኒት መሓዛ እያ።
ክልቲአን ሃገራት 4,096 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ንጡፍ ምንቅስቓስ ዝግበረሉ ዶብ ስለዘለወን፡ እቶም ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ግዝኣታት ህንዲ ዝርከቡ ዕጡቓት ጕጅለታት ንውሑስ መዕቆቢ ናብ ባንግላድሽ ክሰግሩ ምቹእ ኵነታት ይፈጥረሎም።
ሓሲና እትመርሖ ሰልፊ ኣዋሚ ሊግ ኣብ 2009 ናብ ስልጣን ምስ መጸ፡ ንገለ ካብቶም ዕጡቓት ኣዳኺሙ ነይሩ። ንሳ’ውን ምስ ህንዲ ንዝነበረ ሓያሎ ክትዕ ዶብ ክርክር ብዕርቂ ፈቲሓቶ።
ን15 ዓመታት ኣብ ዝቐጸለ መሪሕነታ ንግዳዊ ዝምድናን ምትእስሳርን ክልቲአን ሃገራት ጠጢዑ። ህንዲ ናብ ሰሜናዊ ምብራቕ ግዝኣታ ኣቑሑት ንምጕዕዓዝ ብባንግላድሽ ኣቢላ መገዲ ጽርግያ፡ ሩባን ባቡርን ረኺባ።
ህንዲ’ውን ካብ 2010 ጀሚሩ ንፕሮጀክትታት ትሕተ ቅርጽን ልምዓትን ዝኸውን ልዕሊ 7 ቢልዮን ዶላር (5.3 ቢልዮን ፓውንድ) ንባንግላድሽ ብመስርሕ ልቓሕ ሂባታ።
ሓሲና ሃንደበት ካብ ሃገራ ድሕሪ ምውጽኣ ግን ህንዲ ነዚ ረብሓታት ክትዕቅብ ኣበርቲዓ ክትሰርሕ ግድን ይኸውን።
ኣብ ዳካ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ህንዲ ነበር ፒናክ ራንጃን ቻክራቫርቲ፡ “ኣማራጺ ስለዘየለ” ደልሂ ምስቲ ኣብ ባንግላድሽ ዝቘመ ግዝያዊ መንግስቲ ክትሰርሕ ከምዘለዋ ይዛረብ።
መንግስቲ ህንዲ ነቲ ኣብ ዋና ከተማ ባንግላድሽ - ዳካ - ዝርከብ ግዝያዊ መንግስቲ ንምርኻብ ግዜ ኣየጥፍአን፤ ቀዳማይ ሚኒስተር ናሬንድራ ሞዲ ምስ መራሒ መሓመድ ዩኑስ ብተሌፎን ዝርርብ ኣካይዱ’ሎ።
ይዅን እምበር፡ ህንዲ ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ንሓሲናን ሰልፊ ኣዋሚ ሊጋን ዝሃበቶ ማእለያ ዘይብሉ ደገፋት ኣብ ባንግላድሽ ዝፈጠሮ ቍጥዐ ከተህድእ ቅሩብ ግዜ ክወስደላ እዩ።
ብዙሓት ባንግላድሻያውያን ኣብ ልዕሊ ህንዲ ስኖም ዝነኸሱ ብፍላይ ነቶም ሓሲና እትመርሖ ሰልፊ ተዓዊተሎም ዝበሎም ሰለስተ ኣካታዕቲ ምርጫታት ብምድጋፋ ከምዝዀነ ይገልጹ።
ንውድቀት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ነበር ሓሲና ስዒቡ፡ ነታ “ቀዳምነት ንጉርብትና” ዝብል ፖሊሲ ዘለዋ ህንዲ፡ እታ ሓድሽ ግዝያዊ መራሒ ዝረኸበት ባንግላድሽ ምስተን ንዝዀነ ፈተነ ዕብለላ ህንዲ ዝቃወማ ማልዲቭስን ኔፓልን ምጽምባራ ካልእ ስግኣት ኰይኑዋ’ሎ።
ደልሂ ዞባዊ ዕብለልኣ ክትዕቅብ እንተደልያ ኣብ ካልእ ጐረቤት ሃገር ዘለዋ ጽልዋ ክትስእን የብላን ዝብሉ ተንተንቲ ቻይና’ውን ኣብቲ ዞባ ጽልዋ ክትፈጥር ትጽዕር ምህላዋ ከም ምኽንያት የቐምጡ።
“ህንዲ ንዞባዊ ፖሊሲኣ ብዝምልከት ገለ ውሽጣዊ ምትዕርራይ እትገብረሉ እዋን ሕጂ እዩ” ይብል፡ ኣብ ዳካ ኣብ ዝርከብ ማእከል ዝርርብ ፖሊሲ ላዕለዋይ ክኢላ ስነ-ቍጠባ ደባፕርያ ባታቻርያ።
ብዛዕባ ኵነታት ቍጠባ ባንግላድሽ ሰነድ ንምድላው ብግዝያዊ መንግስቲ ንዝተመዘዘ ኮሚተ ዝመርሕ ደባፕርያ ባታቻርያ፡ “ብዛዕባ ባንግላድሽ ጥራይ ኣይኰንኩን ዝዛረብ ዘለኹ። [ብዛዕባ] ዳርጋ ኵለን ካልኦት ሃገራት ናይቲ ዞባ’ውን እየ ዝዛረብ ዘለኹ” ይብል ወሲኹ።
ንኣብነት ኣብ ጉዳይ ባንግላድሽ፡ መንግስታት ህንዲ ምስ ካልኦት ተቓወምቲ ውድባት ብፍላይ ድማ ምስ ሃገራዊ ሰልፊ ባንግላድሽ (BNP) ርክብ ክፈጥር ከምዘይከኣለ ተንተንቲ ይሕብሩ።
“ህንዲ ኣብ ውሽጢ ባንግላድሽ ምስ ሰልፊ ኣዋሚ ሊግን መንግስቱን ጥራይ ክትመሓዞ እያ መሪጻ። እዚ ስትራተጅያዊ ጌጋ እዩ ነይሩ” ይብል ላዕለዋይ መራሒ ሰልፊ ቢኤንፒ ዓብዱል ሞይን ካን።
መራሕቲ ቢኤንፒ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ኣብ ባንግላድሽ ናጻን ፍትሓውን መረጻ እንተተኻይዱ ዓወት ከምዝረኽቡ ርእሰ ተኣማንነት ኣለዎም።
እዚ ድማ ንህንዲ ዲፕሎማስያዊ ብድሆ ክኸውን እዩ። ኣብ መንጐ ህንዲን ቅድሚ ሕጂ ንኽልተ እብረ ቀዳማይ ሚኒስተር ብዝነበረት ቤጉም ኻሊዳ ዚያ ዝምራሕ ሰልፊ ቢኤንፒን ዘይምትእምማን ከምዘሎ ይግመት።
ካብ 2018 ጀሚራ ዝበዝሕ ግዜኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሕለፈት ዚያ፡ ኣብ ልዕሊኣ ዝቐረበ ክሲ ብልሽውና ወትሩ ትኽሕድ፤ ንሓሲና ድማ ብፖለቲካዊ ሕነ ምፍዳይ ትኸሳ። ኣብዚ ሕጂ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሓ ኩነታት ጥዕነኣ እውን ይምዕብል ኣሎ።
ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት፡ መራሕቲ ህንድን ሰልፊ ቢኤንፒን ንፍልልያቶም ሰጊሮም ሓቢሮም ዝሰርሑሉ መንገዲ ክፈጥሩ ክግደዱ እዮም።
ኣብ እዋን ምሕደራ ዚያ፡ ኣብ ባንግላድሽ ዝነብሩ መራሕቲ እምነት ሂንዱ ኣብ ልዕሊኦም ቅትለት፡ ዝምታን ዓመጽን ሓዊሱ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ብእስላማውያን ውዳበታትን ቢኤንፒን ከምዝተፈጸሞም ይኸሱ። እዚ ድማ ውጽኢት መረጻ 2001 ኣብ ዝተገልጸሉ እዋን ከምዝጀመረ ይገልጹ።
ሰልፊ ቢኤንፒ ግን ነቲ ንጸረ ህንዲ ዝዀኑ ዕጡቓት መጽለሊ ብምሃብን ኣብ 2001 ኣብ ልዕሊ ውሑዳት ሂንዱታት መጥቃዕቲ ብምፍጻምን ዝቐርበሉ ክሲ ይነጽጐ።
ሚስተር ካን ሓዊሱ መራሕቲ ቢኤንፒ፡ ህንዲ ምስኦም ተቐራሪባ ክትሰርሕ ከምዘይፈተነት ብምግላጽ፡ "ሕጂ ኣብ ደልሂ ለውጢ ፖሊሲ ክግበር ግዜኡ’ዩ" ይብሉ።
ብተወሳኺ ህንዲ ንዘለዋ ቅርበት፡ ስፍሓትን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ቍጠባውን ወተሃደራውን ሓይላን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ውድቡ ንዝዀነ ጸረ ህንዲ ዕጡቕ መዕቈቢ ብምሃብ ጌጋ ከምዘይፍጽም ይገልጽ።
ካልኦት ረቛሒታት እውን ግን ኣለዉ። ህንዲን ባንግላድሽን 54 ሩባታት ዝማቐላ ብምዃነን ጉዳይ ምክፍፋል ሃብቲ ማይ ካልእ ኣካታዒ ጉዳይ እዩ።
ቻይና እውን ተወሳኺ ረቛሒ እያ። በይጂን ምስ ህንዲ ንዞባዊ ልዕልና ኣብ እትቃለሰሉ ዘላ እዋን ኣብ ባንግላድሽ ዘለዋ ህልውና ከተስፍሕ ድሌት ኣለዋ።
ባንግላድሽ ኣብ ኣቝሑን ንግድን ህንዲ ጽግዕተኛ ምዃና ደልሂ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ስትራተጅኣ ክትሰርሕን ምስላ ክትቅይርን ዕድልን ግዜን ከምዝህባ ይግመት።
ስለዚ ደልሂ ኣብ ጉዳይ ምጽናሕ እታ ዝሃደመት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ነበር ሓሲና ብጥንቃቐ ክትውስን ክትግደድ’ያ። ብፍላይ እቲ ሓድሽ መንግስቲ ኣሕሊፍኩም ሃቡና ዝብል ወግዓዊ ሕቶ እንተድኣ ኣቕሪቡ ንህንዲ ናብ ፈተና ዘእቱ ክኸውን እዩ።