እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጃማይካ፡ ንገበን ዝውድሱ ምድላዋት ቴሌቪዥንን ሙዚቃን ከልኪላ
በዓልመዚ ብሮድካስት ጀማይካ፡ ከም ኣጠቓቕማ ሓሽሽን ጠበንጃን ዝበሉ "ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ዝውድስ" ትሕዝቶ ዘለዎም ስራሕቲ ብመራኸብቲ ሓፋሽ ከይመሓላለፉ ኣጊዱ።
እቲ ሓድሽ ሕግታት፡ ንሙዚቃ ሓዊሱ ንቴሌቪዥንን ሬድዮን እውን ዝምልከት ኰይኑ፡ ካብ ደረት ወጻኢ ዝዀኑ ዝበሎም ገለ ኣርእስታት ብዝርዝር ዝሓዘ እዩ።
ምትላል፣ ምጥቃም ዕጸ ፋርስን ዘይሕጋዊ ኣጠቓቕማ ኣጽዋርን "ክተባብዑ" ኣይኽእሉን ይብል። ይኹን’ምበር፡ ገለ ስነ ጥበባውያን ሙዚቃ ነጸብራቕ ህይወት’ዩ ብምባል ነቲ ስጉምቲ ነቒፎም።
ኣብ 2021፡ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ደረጃ ጎነጻዊ ገበናት ክብ ኢሉ’ዩ። እታ ደሴታዊት ሃገር ኣብ ላቲን ኣሜሪካን ካሪብያንን ዝለዓለ መጠን ገበን ቅትለት ዝነበራ እያ።
በዓል መዚ ብሮድካስት፡ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ዝውድሱ ደርፍታት ንምፍናው ህዝባዊ ማዕበላት ኣየር ምጥቃም፡ "'ገበን፡ ኣብ ባህልን ሕብረተሰብን ጃማይካ ቅቡል እዩ' ዝብል ጌጋ ጦብላሕታ" ክፈጥር ይኽእል'ዩ ይብል።
ኩሉ ዓይነት "ዘይሕጋዊ ወይ ገበናዊ ንጥፈታት" ምእጋድ፡ ፈነወ መራኸቢ ማዕኸናት "ጽሩይ" ንኽኸውን ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ሓጋዚ’ዩ ብምባል፡ እተን ትካላት በቲ ውሳነ ክግዝኣ ኣተሓሳሲቡ።
ቅጥዒ ዘይብሉ ትሕዝቶ፡ ኣብ መንጎ መንእሰያት ኣባጽሕን ከምኡ’ውን "ተቓላዕቲ” ዝዀኑ መንእሰያትን ገበን ከም ንቡር ክወስዱዎ ጽልዋ የሕድር’ዩ ዝብል ስክፍታ እዚ ስጉምቲ ንምውሳድ ምኽንያት እዩ ተባሂሉ ኣሎ።
ይኹን’ምበር፡ ገለ ካብ ስነጥበባውያን ሙዚቃ ጃማይካ ነቲ ስጉምቲ ነቒፎሞ ኣለዉ።
"እቶም ስነጥበባውያን ኣብ ከባቢኦም ዝረኣይዎ ወይ ኣብ ከባቢኦም ዝዓበዩ ነገራት መሰረት ገይሮም ካብ ምድራፍ ክንዓግቶም ኣይንኽእልን ኢና" ክብል ኣፍራዪ ሙዚቃ ሮሜይክ ኣብ ኢንስታግራም ጽሒፉ።
ወሲኹ፡ “ጀማይካ ጥራይ ድያ ቈልዑ ዘለውዋ ሃገር? ምኽንያቱ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘለው ቈልዑ ነዞም ደርፍታት ይሰምዑ’ዮም” ኢሉ።
"ዲ ጂንየስ" ብዝብል ናይ መድረኽ ሽሙ ዝጽዋዕ ተዓዋቲ ሽልማት ግራሚ ዝኾነ ኣፍራዪን ድምጻውን ስቴፈን ማክግሪጎር እውን ሕርቃኑ ብትዊተር ገሊጹ።
መንእሰያት፡ ካብ ብራድዮ ዝመሓላለፉ ኣብ ኢንተርነት ዚያዳ ሙዚቃ ከም ዝሰምዑ ብምጥቃስ፡ "ያኢ! ሕጂ፡ ገበንን ዓመጽን ደው ክብል እዩ" ብምባል ሸምጣጢ ዘረባ ጽሒፉ።
ወሲኹ፡ “ኣነ ከም ዝመስለኒ፡ እቲ ስጉምቲ ብጭቡጥ ገለ ነገር ንምግባር ካብ ምፍታን ንላዕሊ ርኣዩ፡ 'ገለ ንገብር ኣለና' ዝብል'ዩ" ኢሉ።
ገለ ሙዚቃ ኣብ ጃማይካ ክእገድ እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን።
ብ2009፡ ተቖጻጸርቲ ንጾታዊ ርክብ፣ ዓመጽ፣ ቅትለት ዘተባብዑ ሙዚቃታት ከይፍነው ኣጊዶም ነይረም።
እዚ፡ "ዳገሪንግ" ዝብሃል ጾታዊ ርክብ ዘለዓዕል ትልሂት ተፈታውነት ምስ ረኸበ ስዒቡ ዝተመሓላለፈ ውሳነ እዩ።።
መግለጺ ኮሚሽን ብሮድካስት ግን፡ ሓሳብካ ብናጽነት ናይ ምግላጽ መሰል ኣብ ግምት ብምእታው፡ ገበን ዘስፋሕፍሕ ትሕዝቶ ግን ምስ "ሓላፍነት መራኸብቲ ሓፋሽ” ዝጋጮ እዩ ይብል።