እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ግብጺ፡ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ‘ንዅሉ ኣማራጺታት ክፉት እዩ’ ምባላ ንኢትዮጵያ ኣቘጢዑ
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሹክሪ ኣብ ጉዳይ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ፡ “ኵሎም ኣማራጺታት ክፉታት እዮም” ምባሉ ንኢትዮጵያ ኣቘጢዑ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ “ሓላፍነት ዝጐደሎ እዩ” ዝበሎ መግለጺ ግብጺ፡ መኣስ ከምዝተዋሃበ ንጹር'ኳ እንተዘይኮነ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ግን መግለጺ ሳሚ ሹክሪ “ካልእ መፈራርሒ ግብጺ እዩ” ክብል ነጺግዎ።
ሳምሕ ሹክሪ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ህንጸት እቲ ግድብ ኣብ ድልየት ግብጽን ሱዳንን ዓቢይ ተጽዕኖ ከምዘይፈጥር፡ ኢትዮጵያ ክተረጋግጽ እንተዘይክኢላ ግብጺ ድልየት ህዝባ ክተኽብር እያ ምባሉ ይግለጽ።
ሳምሕ ሹክሪ ብ 9 መጋቢት 2023 ምስ ኬንያዊ መዘናኡ ኣልፍረድ ሙቱዋ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “ኢትዮጵያ ድልየታት ናይ ክልቲአን ታሕተዎት ተፋሰስ ሃገራት ኣብ ግምት ክተእቱን ጉድኣት ከይወርድ ክትገብር ኣለዋ” ምባሉ መራኸቢ ብዙሓን ግብጺ ጸብጺበን።
ሹክሪ ወሲኹ፡ “እዚ ዘይከውን እንተዀይኑ፡ ግብጺ ብዘይ ዝዀነ ሕቶ ንጠለብ ህዝባ ክተኽብር እያ፤ ናብኡ ዘብጽሕ ስጕምቲ’ውን ክትወስድ እያ፡” ኢሉ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብወገኑ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ምፍርራሕ ግብጺ ንቻርተር ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ብቕሉዕ ዝጥሕስን፤ ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን ንዝኸተማኦ ስምምዕ ዝጥሕስ እዩ” ይብል።
ግብጺ፡ “ብምፍርራሕ ድልየታታ ክተተግብር ኣይትኽእልን እያ” ዝበለ እቲ ሚኒስትሪ፡ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላት ኵሎም ግብጺ ንመምርሒታት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ትጥሕስ ምህላዋ ክግንዘቡ ኣዘኻኺሩ።
ሰለስቲአን ሃገራት፡ “ብምክብባርን ብምትእምማንን” ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣፍሪቃዊ ሕብረት ዘተ እንተዝገብራ’ውን ምርድዳእ ክብጻሕ ከምዝኽእል ብምግላጽ ንዅሉ ዘዐውት ስምምዕ ክብጻሕ ጸዊዑ።
ግድብ ህዳሰ ኣብ ማሕበር ሃገራት ዓረብ
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ግብጺ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ፡ ቀዋሚ ኣጀንዳ ቤትምኽሪ ሃገራት ዓረብ ክኽውን ምግባራ ንካይሮን ኣዲስ ኣበባን ዘሰሓሓበ ካልእ ጉዳይ እዩ ነይሩ።
ንመሪሕነት እቲ ቤትምኽሪ ካብ ተወካሊ ሊብያ ዝተረከበ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሹክሪ፡ ቤትምኽሪ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ዓረብ፡ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ቀዋሚ ኣጀንዳ ቤትምኽሪ ሃገራት ዓረብ ክኸውን ብውሳነ ኣሕሊፉ እዩ።
ጉዳይ እቲ ግድብ ቀዋሚ ኣጀንዳ እቲ ቤትምኽሪ ኰይኑ ምውሳኑ፡ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፡ ንመሰላት ግብጺን ሱዳንን ንምሕላው ዘለዎ ተወፋይነት ዘርኢ እዩ ኢሉ።
ሳምሕ ሹክሪ፡ ኣዲስ ኣበባ ምስ ካይሮን ካርቱምን ሓቋፊ ኣብ ዝዀነ ሕጋዊ ስምምዕ ከይተበጽሐ ህንጸት፡ ምምላእ ማይን ስራሓትን እቲ ግድብ ቀጺላ ኣላ ክብል ከሲሱ ኔሩ።
ኢትዮጵያ ንውሳነ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ስዒባ፡ ብመገዲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ምላሽ ክትህብ እንከላ፡ ጉዳይ ኣባይ (ኒል)፡ ኣብ መንጐ እተን ሃገራት ብዝካየድ ዝርርብ ዝፍታሕ ምዃኑ ብምጥቃስ ንውሳነ እቲ ማሕበር ተቓዊማ።
ምምላእ ማይ እቲ ግድብን ህንጸትን ከምኡ’ውን ምምሕዳርን ኣጠቓቕማን ፈለግ ኣባይ፡ ንዝምልከተን ሃገራት ኣፍሪቃ ክሕደግ ኣለዎ ዝበለ እቲ ሚኒስትሪ፤ ፈለግ ኣባይን እተን ኣብ ተፋሰስ እቲ ፈለግ ዝርከባ ሃገራትን ኣብ ኣፍሪቃ ከምዝርከባ ነቲ ማሕበር ምዝኽኻር ከምዘየድሊ ሓቢሩ።
110 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ግብጺ፡ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ግድብ ‘ናይ ማይ ብጽሒተይ ዘጕድል እዩ’ ዝብል ስግኣት ኣለዋ።
ኢትዮጵያ ብወገና ካብ ጠቕላላ ህዝባ እቲ 55% ቀረብ ሓይሊ ኤለክትሪክ ከምዘይረክብ ብምጥቃስ፡ ነቲ ግድብ ንዅሉ ተጠቃሚ ኣብ ዝገብር መትከል ተሞርኪስካ ብምህናጽ፡ ብጽሒተይ ናይ ምጥቃም መሰል ኣለኒ ትብል።
ግብጺ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ምህናጽ እቲ ግድብ ካብ ዝተጀመረሉ ካብ ቅድሚ 10 ዓመታት እትሒዘን ኣብ ኣመላልኣ ማይ እቲ ግድብን ኣሰራርሓን ኣብ ምስምማዕ ክበጽሓ ብዙሕ ዘተ'ኳ እንተኣካየዳ፡ ዛጊት ዝርአ ፍረ ኣይተመዝገበን።
ቅድሚ ሒደት ዓመታት ሓፈሻዊ ህንጸት እቲ ግድብ 83% ምዝዛሙ ክግለጽ እንከሎ፡ ሳልሳይ ዙር ምምላእ ማይ’ውን ምፍጻሙ ተሓቢሩ እዩ።
ኣብዚ እዋን እቲ ግድብ ብኽልተ ተርባይን ሓይሊ ኤለክትሪክ ከመንጩ ጀሚሩ ኣሎ።