መረጻ ሩስያ፡ ፑቲን ብገፊሕ ከምዝሰዓረ ብምግላጽ ኣብ ደሞክራሲ ኣሜሪካ ኣባጭዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ልዕሊ ሰለስተ መወዳድርቱ ብምዕዋት ንሓምሻይ እብረ ፕረዚደንት ከምዝኸውን ዘጠራጥር ኣይነበረን።
ሰለስቲኦም መወዳድርቱ ብባርኮት ናይ ክረምሊን እዮም ናብቲ ውድድር ኣትዮም።
እንተኾነ ሰብመዚ መረጻ፡ ፑቲን 87% ድምጺ ምርካቡ ምስ ሓበሩ፡ ፑቲን ደሞክራሲ ሩስያ ካብቲ ናይ ምዕራብ ዝያዳ ግሉጽነት ዘለዎ ምንባሩ ተዛሪቡ።
ከም ሓቂ ግና ዝኾነ ተቐናቓኒ ኣብቲ ምርጫ ክወዳደር ኣይተፈቕደሉን።
ደገፍቲ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ማእሰርቲ ዝሞተ ነቓፊ ፑቲን ዝነበረ ኣሌክሲ ናቫልኒ ግና ተቓውሞኦም ገሊጾም።
ንሳቶም “ፍርቂ መዓልቲ ኣንጻር ፑቲን” ኣብ ዝሰመይዎ ተበግሶ፡ ሞስኮን ፒተርስበርግን ኣብ ዝርከበን ከተማታት ሩስያ ከምኡ’ውን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ዝርከብ ኤምባሲታት፡ ኣድመጽቲ ነዊሕ መስርዕ ሒዞም ተራእዮም። ኣብ ውጽኢት መረጻ ግና ክፈጥሮ ዝኽእል ጽልዋ ኣይነበረን።
ኦቪዲ-ኢንፎ ዝተሰመየ ሓደ ጉጅለ ብውሕዱ 80 ሩስያውያን ከምዝተኣሰሩ ሓቢሩ።
ሃገራት ምዕራብ እቲ መረጻ ነጻ ኮነ ፍትሓዊ ከምዘይነበረ ብምግላጽ ኰኒነነኦ።
ጀርመን ኣብ ትሕቲ ምልካዊ መራሒ ዝተካየደ “ናይ ኣምሰሉ መረጻ” ብምባል ክትገልጾ እንከላ፤ ፑቲን ኣብ ሳንሱር፡ ጭፍለቓን ጐነጽን ከም ዝምርኮስ ከሲሳ።
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ሎርድ ካመሮን “ኣብ ግዝኣት ዩክረይን ንዝተኻየደ ዘይሕጋዊ መረጻ” ኰኒኑ።
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ብወገኑ “ሩስያዊ ውልቀ መላኺ ካልእ መረጻ የምስል ኣሎ፡” ኢሉ።
እቲ መስርሕ ምድማጽ ንሰለስተ መዓልታት ዝቐጸለ ክኸውን እነከሎ ኣብ ግዝኣታት ዩክረይን ግና፡ ነበርቲ ኣብቲ መረጻ ክሳተፉ ንምግባር ተወሳኺ መዓልታት ተሰሪዑሎም ኣሎ።
ብሰንበት ኣብ ዩክረይናዊት ከተማ በርድያንስክ ሓደ በዓልስልጣን ኮምሽን መረጻ ከምዝተቐተለ ክግለጽ እንከሎ፡ ደገፍቲ ሩስያ ዝኾኑ ካድራት ብወተሃደራት ተዓጂቦም መድመጺ ወረቐት በምሓዝ ገዛ ገዛ ይዞሩ ምንባሮም ነበርቲ ሓቢሮም።
መንግስታዊ መደበራት ቴለቪዥን ሩስያ ግና እቲ መረጻ ዕውት ምንባሩ ጸብጺበን።
ሓደ ጋዜጠኛ ኣብ ዘቕርቦ ዝነበረ ጸብጻብ “እዚ ንቭላድሚር ፑቲን ዘሎ ሓያል ደገፍን ሓድነትን ዘንጸባርቕ’ዩ” ድሕሪ ምባል፡ “ንሃገራት ምዕራብ መጠንቐቕታ’ዩ” ክብል ተሰሚዑ።
ፕረዚደንት ፑቲን ካብ ጋዜጠኛታት ንዝቐረበሉ ሕቶታት ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ሩስያ ብኦንላይን ምድማጽ ከምእተኻየደ ብምጥቃስ፡ ፕረዚደንታዊ ጐስጓስ ሩስያ ካብቲ ናይ ኣሜሪካ ኣጸቢቑ ዝሓሸ ምንባሩ ተዛሪቡ።
“ዘይከምቲ ብፖስታ ዝተካየደ. . . ብ10 ዶላር ድምጺ ዝዕደገሉ ናይ ኣሜሪካ መረጻ፡ ግሉጽን ፍጹም ውድዓውን እዩ ኔሩ፡” ኢሉ።
እቲ ካብ 2000 ጀሚሩ ንሩስያ ዝመርሐ ፑቲን ብውሕዱ ክሳዕ 2030 ኣብ ስልጣን ክጸንሕ እዩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
