ሩስያ፡ እቲ ብኣግኡ ፑቲን ከም ዝዕወተሉ ዝተገመተ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ተጀሚሩ

ምንጪ ስእሊ, MIKHAIL KLIMENTYEV/Sputnik/AFP
ኣብ ሩስያ ብኣግኡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ክዕወተሉ ግምት ተዋሂብዎ ዘሎ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሎሚ ተጀሚሩ።
ድምጺ ምውሃብ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንዝቅጽል ሰለስተ መዓልታት ክቅጽል’ዩ፡ ፕረዚደንት ፑቲን ከኣ ንዝቅጽል ሽዱሽተ ዓመታት ነታ ሃገር ንኽመርሓ ክምረጽ ከም ዝኽእል ብኣግኡ ተገሚቱ ኣሎ።
ፕረዚደንት ፑቲን ንሓሙሻይ ግዚኡ’ዩ ንፕረዚደንተነት ዝወዳደር ዘሎ።
ንዝሓለፈ 24 ዓመታት ኣብ መሪሕነት ዝጸንሐ ፑቲን ካብ ወተሃደራውያን መራሕቲ ሃገሩ ድሕሪ ዝቐረበሉ ምሕጽንታ ንሓሙሻይ ግዜ ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ከም ዝወሰነ’ዩ ዝግለጽ።
ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ደሚትሪ ፔስኮቭ፡ ፑቲን ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ምውሳኑ ‘ሃንደበታዊ’ ምንባሩ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ፑቲን ድሕሪ እቲ ንሶቭየት ሕብረት ዝመርሕ ዝነበረ ውልቀመላኺ ጆሴፍ ስታሊን ካብ ስልጣን ምእላዩ ንዝነወሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸነሐ መራሒ’ዩ።
ፑቲን ካብ 2000 ኣብ ስልጣን’ዩ ዘሎ እንተርፎ ቅዋም እታ ሃገር ዝጠልቦ ንምምላእ ኣብ ሞንጎ ቀደማይ ሚኒስተር ኰይኑ ዝመርሓሉ እንተዘይኰይኑ ፕረዚደንት ብምዃን’ዩ ነታ ሃገር መሪሕዋ።
ፑቲን ኣብ ዘመነ ስልጣኑ ስግኣት ንዝዀኑዎ ብዙሓት ሰባት ከም ዝኣለዮም’ዩ ዝግለጽ።
እቶም ዝቃወምዎን ዝነቕፍዎን ሞይቶም፤ ኣሲሮም ወይ ካብ ሃገሮም ተሰዲዶም።
ኣብ 2018 ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ፑቲን 68 ሚኢታዊት ድምጺ ብምርካብ’ኳ እንተተዓወተ፡ ዓለምለኻውያን ተዓዘብቲ ኣብ ድምጺ ምጥፍፋእ ከም ዝነበረ’ዮም ዝገልጹ።
ኣንጻር ፕረዚደንት ፑቲን ክወዳደሩ ተሓጽዮም ካብ ዘለዉ ንሰልፊ ማሕበራውነት ዝውክል ኒኮላይ ካርቶኖቭ፡ ንሰልፊ ኤልዲፒኣር ዝውክል ሊኖድ ስሉትስኪ፡ ንሰልፊ ኒው ፒፕል ዝውክል ብላድስላቭ ዳቫንኮቭን’ዮም።
ኩሎም እዞም ሰለስተ ሕጹያት ዋላ’ኳ ኣንጻር ፑቲን ዝወዳደሩ እንተዀኑ ኩሎም ነቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸሞ ወራር ዝድግፉ’ዮም።

ምንጪ ስእሊ, AFP
እቲ ካልእ ኣንጻር ፑቲን ክወዳደር ምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ገሊጹ ዝነበረ ቦሪስ ናደዝህዲን ኰይኑ እቶም ንመርገጺታት ፑቲን ዘይድግፉ ሰባት ክመርጽዎ ከም ዝኽእሉ’ዩ ግምታት ነይሩ።
እንተዀነ ቦሪስ ናደዝህዲን ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ንዝፈጸመቶ ወራር ብግሉጽ ኣብ ተሌቪዥናት እናቐረበ ይነቅፍ ስለ ዝነበረ ሕጹይ ኰይኑ ክቀርብ ኣይክኣለን።
ኮሚሽን ምርጫ ሩስያ ካብቲ ዘቕረቦ ናይ ደገፍ ፌርማታት እቲ 15 ሚኢታዎት ጸገም ከም ዝነበሮ ብምሕባር’ዩ ንውድድር ከምዘይበቕዕ ሓቢሮምዎ።
እቲ ሰንበት ዝውዳእ ምሃብ ድምጺ፡ ሩስያውያን እቲ ዝመርሖም ዘሎ ፑቱን ንሓሙሻይ ግዜኡ ከም ዝተመረጸን ንዝመጽእ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ከም ዝጸንሕን ክሕበሮም ምዃኑ ዘጠራጠር ኣይኰነን።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
