ኣብ 1980ታት ንንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ንምቕንጻል ውጥን ከምዝነበረ ኤፍቢኣይ ኣቃሊዑ
![ንግስቲ ኤሊዛቤት ምስ ፕረዚደንት ዶናልድ ሬገን ኣብ ሳንፋራንሲስኮ [1983]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/ef4e/live/cf5ceff0-fb85-11ed-92cc-b3a9bf1f67e9.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ኣብ 1983 ናብ ኣሜሪካ ምብጻሕ ተካይደሉ ኣብ ዝነበረት እዋን፡ ንምቕንጻላ ውጥን ከምዝነበረ ኤፍቢኣይ ዘውጽኦ ሓድሽ ሰነዳት ኣቓሊዑ።
ኤፍቢኣይ ብዛዕባ እታ ኣብ ዘሓለፈ ዓመት ዝዓረፈት ንግስቲ፡ ኣብ 1983 ናብ ኣሜሪካ ምብጻሕ ኣብ ዘካየደትሉ ንዝነበሩ ክስተታት ዝምልከት ሓደሽቲ ሰነዳት ኣብ ዘውጽኣሉ’ዩ፡ ነዚ ብዙሕ ሰብ ዘይፈልጦ ን40 ዓመታት ተዓቂቡ ዝጸንሐ ምስጢራት ኣቓሊዕዎ።
ኣብቲ ዝወጽአ ሰነድ፡ ኤፍቢኣይ ብኸመይ ነቲ ውጥን ከምዘፍሸሎ’ውን ሓቢሩ ኣሎ።
እቲ ውጥን እታ ንግስቲ ናብ ሳንፍራንሲስኮ ምብጻሕ ኣብ ተካይደሉ ዝነበረት’ዩ ክፍጸም ተወጢኑ ነይሩ፤ እንተዀነ እቲ ሓበሬታ ኣቐዲሙ ናብ ፖሊስን ናብ ኤፍቢኣይን ስለዝበጽሐ ክብርዕን ከምዝኸኣለ ኣብቲ ዝወጽአ ሰነዳት ተገሊጹ ኣሎ።
ብመሰረት እቲ ዝወጽአ ሰነድ፡ ሓደ ብተደጋጋሚ ኣብ ሳንፍራንሲስኮ ዝርከብ ናይ ኣየርላንዳውያን ባር ዝመላለስ ዝነበረ ፖሊስ፡ ሓደ መሳትይቱ ብተደጋገሚ “ጓለይ ኣብ ሰሜን ኣየርላንድ ብጥይት ተቐቲላ” ብምባል ሕነ ናይ ምፍዳይ ውጥን ከምዘለዎ ምስ ኣዕለሎ፡ እቲ ሓበሬታ ንፖሊስን ንኤፍቢኣይን ከምዝሓበረ ይገልጽ።
እቲ ሓበሬታ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊትን በዓል ቤታ ልኡል ፊሊፕን ብ 4 ለካቲት 1983 ናብ ካልፎርንያ ኣብ ዝበጽሕሉ፡ ቅድሚ ወርሑ’ዩ እቲ ውጥን ምቅንጻል ከም ዝወጽአ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብቲ ሰነድ፡ “ንግስቲ ኤልሳቤጥ ብትሕቲ ጎልደን ጌት ብሪጅ ኣብ እትሓልፈሉ ኣብ ልዕሊ እታ ንሳ ተሳፊራታ ዝነበት ምዕብልቲ ጃልባ ሓደጋ ብምፍጻም ወይ ከኣ ኣብ ሃገራዊ ፓርክ ዮሰሚተ ኣብ እትበጽሓሉ ክትቅንጸል'ዩ ተወጢኑ ነይሩ” ይብል።
ፖሊስ፡ ኤፍቢኣይን ኣካላት ጸጥታን ኣሜሪካ እዚ ሓበሬታ እዚ ምስ በጽሖም፡ እታ ጃልባ ብትሕቲ ጎልደን ጌት ብሪጅ ኣብ ዝትሓልፈሉ ንዅሉ ናብቲ ቦታ ዘእቱ መንገድታት ከምዝዓጸውዎ ኣብቲ ሰነድ ክግልጽ እነከሎ፣ ኣብ ሃገራዊ ፓርክ ዮሰሚተ ግን እንታይ ከምዝተገበረን እቲ ጥርጡር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዉን ዝገልጽ ዝዀነ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣይሃበን።
እቲ 102 ገጻት ዘለዎ ሰነድ፡ ብሰኑይ’ዩ ኣብ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ኤፍቢኣይ ተለጢፉ።
እታ ንግስቲ ናብ ኣሜሪካ ምብጻሕ ዘካየደትሉ እዋን ኣብ ሰሜን ኣየርላንድ ብርቱዕ ወጥሪ ዝነበረሉ ግዜ’ዩ ነይሩ።
እታ ንግስቲ ኣብ ኣብ መበል 200 ዓመት ጽንብል መዓልቲ ናጽነት ኣሜሪካ ንምስታፍ ኣብ 1976’ውን ናብ ኒውዮርክ ምብጻሕ ኣካይዳ ነይራ’ያ።
ኣብቲ እዋን ሓደ ሰብ ‘እንግሊዝ ካብ ኣየርላንድ ውጺ’ ዝብል ጽሑፍ ዘንጠልጠለት ንእሽተይ ነፋሪት ሒዙ ኣብ ሰማያት ኒውዮርክ ከምዝበረረ ኣብቲ ሰነድ ሰፊሩ ኣሎ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
