ጂሮ ዲ ኢታሊ ዝመርሕ ዘሎ ረምኮ ኢቨንፖል ብሰንኪ ኮቪድ ካብ ውድድር ተኣልዩ

ረምኮ ኢቨንፖል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ንቀዳማይ መድረኽ ተዓዊትሉ ንኣርባዕተ መዓልታት ንሮዛ ማልያ [ብግዜ ንዝመርሕ እትወሃብ ማልያ] ዝለበሰን፣ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ቀዳማይ ብምውጻእ ሮዛ ማልያ ዝተረከበ ወዲ 23 ዓመት ቤልጂማዊ ረምኮ ኢቨንፖል ብሰንኪ ኮቪድ-19 ካብ ጸወታ ጂሮ ዲ ኢታሊ ተኣልዩ።

ተቐዳዳማይ ኵክ ስቱፕ ረምኮ ኢቨንፖል ንብሪጣንያዊ ቶማስ ክረይንት ብሓንቲ ካልኢት ብምቕዳም’ዩ ትማሊ ሮዛ ማልያ ተረኪብዎ ነይሩ፤ እንተዀነ ብተደጋጋሚ ብዝተገበረሉ መርመራ ብኮቪድ-19 ከምዝተለኸፈ ስለዝተረጋገጸ ካብ ውድድር ተኣልዩ'ሎ።

ሓደ ካብ ቀዳሞት ነዚ ጂሮ ዲ ኢታሊ ክዕወተሉ ይኽእል’ዩ ተባሂሉ ግምት ተዋሂብዎ ዝነበረ ረምኮ፡ “ብሰንኪ ኮቪድ ካብ ጸወታ ይእለ ምህላወይ ኣዝዩ ዘሕዝን’ዩ” ድሕሪ ምባል “ኣብ ጽቡቕ ኵነታት’የ ዘለኹ፡ ንዝመጽእ ክልተ ሰሙን ኣብ ውድድር ተጸሚደ ነዚ ውድድር ክዕወተሉ ዓቢ ህንጥዩነት ነይሩኒ” ኢሉ።

ረምኮ “ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ መድረኻት ኣብ ክልተ መድረኻት ተዓዊተ ኣርባዕተ ግዜ ንሮዛ ማልያ ክውንና ምኽኣለይ ሓበን ይስምዓኒ፡ ንዅሎም ነዚ ዓወት እዚ ንኽጐናጸፍ ዝሰርሑ ደቂ ጋንታይን ስታፍን ዓቢ ምስጋና ከቕርበሎም ይፈቱ” ኢሉ።

ረምኮ ኣብ መኽፈቲ ጸወታ ዝነበረ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር፡ ቀደማይ ብምውጻእ ንኣርባዕተ መዓልታት ነታ ማልያ ክዕቕባ ክኢሉ ነይሩ፣ ነታ ኣብ ራብዓይ መዓልቲ ዝኸሰራ ማልያ ትማሊ ብዘመዝገቦ ናይ መድረኽ ዓወት ዳግማይ ክርከባ ክኢሉ።

ቻምፕዮን ዓለም 2022 ዝዀነ ረምኮ ትማሊ ን35 ኪሎ ሜተር ብ41 ደቒቕን 24 ካልኢትን ብምዝዛም’ዩ ቀዳማይ ክወጽእ ክኢሉ።

ተቐዳደምቲ ሎሚ ኣዕሪፎም ጽባሕ ኣብ ዘካይድዎ ጸወታ ኣብ ካልኣይ ዘሎ ቶማስ ግረይንት ሮዛ ማልያ ገይሩ ናብ ውድድር ክኣቱ’ዩ።

ኣብዚ ውድድር ዝሳተፉ ዘለዉ ሰለስተ ኤርትራውያን ተጻወትቲ፡ ኣብ ማልያ ሮዛ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር መበል 91 ናትናኤል ተስፋጽዮን መበል 96 ሄኖክ ምሉእብርሃን ከኣ መበል 130 ተሰሪዖም ኣለዉ።

ብነጥቢ ኣብ እትውሃብ ቀጠልያ ማልያ ኣማኑኤል ብ10 ነጥቢ መበል 38 ሄኖክ ከኣ ብ5 ነጥቢ መበል 50 ኣለዉ።

ንኣንበሳ ዓቐበት ኣብ እትወሃብ ማልያ ኣማኑኤል ብ26 ነጥቢ መበል 5፡ ሄኖክ ከኣ ብ4 ነጥቢ መበል 23 ተሰሪዑ ኣሎ።

ብዘይካ’ዚ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄርን ኣብ ራብዓይ መድረኽ ሄኖክ ምሉእብርሃን ከኣ ኣብ ሻውዓይ መድረኽ ብህዝቢ ብዝተወሃበ ድምጺ ናይቲ ውድድር ዝበለጸ ጸወታ ዘርኣዩ ተባሂሉም ፍልይቲ ማልያን ዋንጫን ክሽለሙ ክኢሎም ኣለዉ።