እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዋንጫ ኣፍሪቃ 2023፡ ኣዳላዊት ሃገር ኣይቮሪ ኮስት ንሰኔጋል ገሊፋታ
ኣዳላዊት ዋንጫ ኣፍሪቃ 2023፡ ኣይቮሪ ኮስት ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዋንጫ ንዝዓተረት ሰኔጋል ብምግላፍ ናብ ርብዒ ፍጻመ ሓሊፋ።
እቲ ምዱብ 90 ደቓይቕ 1 ብ 1 ተዛዚሙ፡ ተወሳኺ 30 ደቓይቕ’ውን እንተተዋሃበ ሸቶ ኣይተቘጸረን።
ኣብ መወዳእታ ከኣ ብፍጹም ቅላዕ ኣይቮሪ ኮስት ተዓዊታ።
ኣይቮሪ ኮስት ኣብቲ ናይ ምድብ ጸወታ ክልተ ግዜ ብምስዓራ ካብተን ናብ ግጥማት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ብሳልሳይ ደረጃ ዝተጸንበራ ኣርባዕተ ጋንታታት እያ።
እቲ ምዱብ 90 ደቓይቕ ክዛዘም ኣርባዕተ ደቓይቕ ምስ ተረፈ ንሃገሩ ካብ ስዕረት ዘድሓነ ፍራንክ ኬሲየ፡ ነታ ናብ ዓወት ዘብጽሐት ፍጹም ቅላዕ ብምምዝጋቡ ኣብቲ ስታድዩም ፍሉይ ስምዒት እዩ ፈጢሩ።
ሃቢብ ዲያሎ ኣብ ራብዓይ ደቒቕ ካብ ሳድዮ ማነ ንዝተቐበላ ኩዕሶ ናብ ሸቶ ብምቕያሩ፡ ሰኔጋል ብኣጋኡ እያ መሪሕነት ሒዛ።
ኣይቮሪ ኮስት ነቲ ጸወታ ህድእ ኢላ እኳ እንተጀመረት፡ ንሰኔጋል ክትዳረጋ ክኢላ ነይራ።
ሰኔጋል ንካልኣይ ፍርቂ ጸወታ ልክዕ ከምቲ ቀዳማይ ብምጅማር ሸቶ ንምምዝጋብ እኳ ፈተነታት እንተገበረት ኣይሰለጣን።
ነቲ ጸወታ ዝቐየረ ፍጻመ፡ ኒኮላስ ፔፐ ኣብ ውሽጢ እቲ ፍጹም ቅላዕ ዘውህብ ሳንዱቕ መንዲ ብዝፈጸሞ ስሕተት ብምውዳቑ እዩ።
በዚ ከኣ ፍጹም ቅላዕ ዝረኸበት ኣይቮሪ ኮስት ጸወታ ክዛዘም ሒደት ደቓይቕ ምስ ተረፎ ማዕረ ክትከውን ከኣለት።
ምዱብ ግዜ ተወዲኡ ተወሳኺ ግዜ’ውን እንተ ተዋሃበ እውን ሽቶ ብዘይምቍጻሩ፡ ነታ ናብ ግጥማት ርብዒ ፍጻመ እትሓልፍ ጋንታ ንምፍላይ፡ ናብ ፍጹም ቅላዕ ኣምሪሐን።
እታ ኣብ ናይ ምድብ ጸወታ ንሰለስቲኡ ግጥማ ዝሰዓረት እንኮ ሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋል ዶ እታ ካብ ሰለስተ ጸወታ ክልተ ግዜ ዝተስዓረት ኣይቮሪ ኮስት ትሓልፍ ኣብቲ ሜዳ ወጥሪ ሰፊኑ ነበረ።
ሰኔጋላዊ ሙሳ ኒያካተ ዝስሓታ ፍጹም ቅላዕ ንሃገሩ ዋጋ ኣኽፊላታ።
ኣይቮሪ ኮስት ኣብ ዝቕጽል ቀዳም ኣንጻር ማሊ ወይ’ውን ቡርኪና ፋሶ ክትገጥምያ።
ማሊን ቡርኪና ፋሶን ሎሚ ሰሉስ ምሸት ሰዓት 8፡00 ክገጥማ እየን።
ሰኑይ ምሸት ሰዓት 8፡00 ኣብ ዝተገበረ ጸወታ፡ ኬፕቨርድ ንሞሪታንያ 1 ብ 0 ብምስዓር ናብ ርብዒ ፍጻመ ምሕላፋ ኣረጋጊጻ ኣላ።