እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ መርሳ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ቆቦ ከምዝተጸገሙ ገሊጾም
ብሰንኪ እቲ ዳግማይ ዝተወልዐ ኲናት ካብ ቆቦ ተመዛቢሎም ኣብ መርሳ ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ዝቕመጡ ኣረጋውያን፡ ኣዴታትን ህፃናትን ኣብ ከቢድ ኩነታት ከምዘለዉ ገሊጾም።
እቲ ኲናት ዳግማይ ኣብ ዝተጀመረሉ ሰሙን፡ ብርክት ዝበሉ ነበርቲ ከተማ ቆቦ ናብ ካልኦት ከባቢታት ከምዝሃደሙ ተገሊጹ ነይሩ።
ኣብ መርሳ ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ዝርከባ ክልተ ኣዴታት ምስ ደቀን ምግቢ ክረኽባ ከምዘይከኣላ ንቢቢሲ ገሊጸን።
ወዳ ሒዛ ዝተመዛበለት ሓንቲ ነፍሰጾር፡ ናብቲ መዕቆቢ ካብ ዝኣትዉ ኣትሒዙ ንኣርባዕተ መዓልቲ እተዕርፈሉ ዓራት ከምዘይረኸቡ ኣረዲኣ።
እታ ብሕጽረት ምግቢ ከምዝተጸገሙ ትገልጽ ኣደ፡ ሓደ ወይ ክልተ ኪሎ ሩዝ ከምዝወሃቦምን “ንሱ’ውን ዘይቲ ስለዘየለ ብጥራዩ ኣብሲልና ክንበልዕ ኢና ተገዲድና” ትብል።
እዛ ኣደ ብ21 ነሓሰ 2014 (ኣ.ግ) ቅያር ክዳን ከይሓዙ ካብ ቆቦ ከምዝተመዛበሉ ንቢቢሰ ገሊጻ።
“እቲ ዝለበስናዮ ክዳን ተኸዲንና ኢና ወጺእና። ናብ ከባቢ ኮምቦልቻ ዝኸድናሉ ምኽንያት፡ ኣብኡ ስድራቤት ስለ ዝነበረና እዩ። ብድሕሪኡ ተመዛበልቲ ናብ ከባቢኹም ተመለሱ ተባሂልና። ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ኣብቲ ብመንግስቲ ዝተመስረተ መዓስከር ኢና ንሓድር ዘለና" ኢላ።
ኣብቲ ግዝያዊ መዕቆቢ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ፣ ኣረጋውያንን ህፃናትን ከምዘለዉ'ውን ወሲኻ ሓቢራ።
ልዕሊ ኩሉ ድማ ገዛ ዝለመዱ ህጻናት ክበኽዩን ብዘይ ዓራት፡ ኣብ ቁሪ ደቂሶም ምርኣይን ኣዝዩ ዘሕዝን ኩነታት ምዃኑ ትገልጽ።
“ካብ ምብላዕን ምስታይን ንላዕሊ፡ እንድቅሰሉን እነዕርፈሉን ቦታ የድልየና። እቶም ቆልዑ ድማ ቅያር ክዳን የብሎምን። ኣብ ኣዝዩ በዳሂ ኩነታት ኢና ዘለና" ኢላ።
ዛጊት ብናይ ረድኤት ትካላት ሓገዝ መግቢ ተዋሂብዎም እኳ እንተነበረ፡ መጺኦም ዘዘራረብዎም ሰበስልጣን መንግስቲ ግን መፍትሒ ክህብዎም ከምዘይከኣሉ ትዛረብ።
እቲ መዕቆቢ ንኹሉ ከተኣናግድ ስለዘይኽእል ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣረጋውያንን ህጻናትን ጥራይ እዮም ኣብኡ ዝዕቆቡ። ስለ ዝኾነ ድማ ደቂ ተባዕትዮ ብዘይ መጽለሊ ይኹን ሓገዝ ኣብ ሽግር ከም ዘለዉ ይዛረቡ።
ካልእ ምስ ሰለስተ ደቃ ካብ ቆቦ ዝመጸት ኣደ ድማ "ኣብቲ መዓስከር ብዙሕ ሓገዝ የለን" ትብል።
"ንደቅና ንምምጋብ ካብ ስድራቤት ገንዘብ ንሓትት ኣለና" ክትብል ንቢቢሲ ሓቢራ።
“ምስ ቆልዓ ስደት ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ህጻናት ብዙሕ ድሌታት ኣለዎም። መዓስ ኢና ናብ ገዛና ንኸይድ?" ኢላ ትሓትት።
ምስቲ ዳግማይ ዝተወልዐ ኲናት ብዝተኣሳሰር ኣብዚ ሕጂ እዋን ልዕሊ 50 ሽሕ ወገናት ኣብ ከባቢ መርሳ ተዓቚቦም ከምዘለዉን ረድኤት ግን ድሩት ከምዝኾነን ኣብ ክልል ኣምሓራ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ምክልኻል ሓደጋን ውሕስና ምግቢን ኣቶ እያሱ መስፍን ንቢቢሲ ገሊጹ።
ሓደሽቲ ተመዛበልቲ ከይሓወሰ ኣብቲ ክልል ልዕሊ 8.7 ሚሊየን ነበርቲ ህፁፅ ድጋፍ ከምዘድልዮምን ናብ ፌደራል መንግስቲ ሕቶ ከምዝቐረበን ሓቢሩ።
"መንግስቲ ፌደራል ንዝቐረቡ ሕቶታት ኣብ ምስማዕን ብቕልጡፍ ምላሽ ኣብ ምሃብን ይድንጉይ ኣሎ" ዝብል ኣቶ እያሱ እቲ ኣወሃህባ ሓገዝ ከም ኣድላይነቱ ክወሃብ ዘይከኣለሉ ምኽንያት ገሊጹ።
ምስ ፀገም መጓዓዝያን ሕፅረት ቀረብን ብዝተኣሳሰር "እቲ እንሓቶ ዘለና መጠን መግቢ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ይቐርብ ኣሎ ኢልና ኣይንኣምንን" ኢሉ።
ከም ውጽኢቱ ድማ ብዙሓት ተመዛበልቲ ጸገም መግቢ የጋጥሞም ከምዘሎን ጥርዓኖም ብዝተፈላለየ መገዲ ከምዝሰምዑን ገሊጹ።