ናንሲ ፔሎሲ፡ ድሕሪ 20 ዓመታት ካብ መዝነታ ክትወርድ እያ

ናንሲ ፔሎሲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ንኣስታት 20 ዓመታት ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ንሰልፊ ዲሞክራት ክትመርሕ ዝጸንሐት ናንሲ ፔሎሲ፡ ካብ ሓላፍነታ ከም እትወርድ ኣፍሊጣ።

እታ ጓል 82 ዓመት ኣብ ኮንግረስ እታ ዝሓየለት ዲሞክራትን ኣፈኛ ባይቶን ኰይና ዘገልገለት ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ እያ።

ንግዝኣት ካሊፎርንያ ወኪላ ግን ኣብ ታሕተዋይ ባይቶ ኮንግረስ ክትቅጽል እያ።

እዚ ዝዀነሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ሪፓብሊካን ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ናይ መፋርቕ መረጻ ነቲ ባይቶ ዳግማይ ክቆጻጸርዎ’ዮም ዝብል ግምት ኣብ ዝወሃበሉ ዘሎ እዩ።

ሪፓብሊካን ኬቪን ማካርቲ ኣብቲ ሓድሽ ኮንግረስ ኣፈኛ ንምዃን በቲ ሰልፊ ተሓጽዩ ኣሎ። በዚ መሰረት፡ ንፔሎሲ ክትክእ ተኽእሎ ኣሎ።

ፔሎሲ፡ ትማሊ ሓሙስ ኣብቲ ባይቶ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ሓደ መዓልቲ ካብ ኣላዪት ገዛ ናብ ኣፈኛ ባይቶ ክበጽሕ’የ እየ ኢለ ፈጺመ ኣይምሓሰብኩን ነይረ" ኢላ።

ወሲኻ፡ "ኣብ ዝቕጽል ኮንግረስ ንደሞክራትስ ንምምራሕ ዳግማይ ክምረጽ ኣይደልን። ሓድሽ ወለዶ ንጉባኤ ደሞክራት ዝመርሓሉ ግዜ በጺሑ ኣሎ" ክትብል ተዛሪባ።

ንሳ፡ እቲ ሓድሽ ባይቶ ስልጣን ክሳዕ ዝርከብ ክሳዕ ወርሒ ጥሪ ኣፈኛ ኰይና ክትቕጽል እያ።

ክሳብ ጥሪ 2025 ድማ ኣብቲ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 1987 ዝወሰደቶ መንበር ክትጸንሕ እያ።

ኣባል ኮንግረስ ኒውዮርክ ሓኪም ጀፍሪስ ኣብቲ ባይቶ ላዕለዋይ ደረጃ መሪሕነት ዲሞክራት ክሕዝ ምዃኑ ብሰፊሑ ይግመት።

እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ናይ መጀመርታ ጸሊም መራሒ ኮንግረስ ክገብሮ እዩ።

ኣፈኛ ባይቶ፡ ኣብ ቅዋም ኣሜሪካ ብዝርዝር ዝሰፈረ ሓደ ናይ ኮንግረስ ስራሕ እዩ።

በዚ መሰረት፡ ነዚ ስልጣን ዝሕዝ ሰብ ድሕሪ ምክትል ፕረዚደንት ቀጺሉ ዝስራዕ ይኸውን።

ኣፈ ጉባኤን ምክትላትን ከምኡ'ውን ኣቦ መንበራት ኮሚተ፡ እንታይ ዓይነት እማመታት ከም ዝረኣዩን ድምፂ ከምዝወሃቦምን ይውስኑ።

ከምኡ’ውን፡ ኣጀንዳ የቐምጡን ንክትዕ ዝምልከት ሕግታት ይውስኑን።

ፔሎሲ ከም መጠን ኣፈኛ፡ ኣጀንዳታት ብዙሓት ፕረዚደንታት ኣብ ምጽዳቕ - ወይ ኣብ ምፍሻል - ወሳኒ ተራ ነይሩዋ።

ንሳ፡ ነቲ ፕረዚደንት ነበር ባራክ ኦባማ ዝፈረሞ ሕጊ ክንክን ጥዕና፡ ከምኡ’ውን ፕረዚደንት ጆ ባይደን ዘቕረቦም ንትሕተ ቅርጽን ክሊማዊ ለውጥን ዝምልከቱ እማመታት ኣብ ምጽዳቕ ብሰፊሑ ይንገረላ።

ብተወሳኺ፡ ፔሎሲ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሓሎም ዓመታት ብቐጥታ ትምጉቶ ነይራ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ገዝኣ ብዝተፈጸመ ጐነጻዊ መጥቃዕቲ ወዲ 82 ዓመት በዓል ቤታ ፖል ጉድኣት ከም ዝበጽሖን መጥባሕቲ ርእሲ ከም ዝገበረን ይዝከር።