ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ፈደራል ዝኣተዋ ተወሰኽቲ ከተማታት ትግራይ ኣየኖት'የን?

ዝዓነወት ታንክን ዝጓዓዙ ሲቪላውያን ቆልዓ-ሰበይትን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published

ተወሰኽቲ ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ፈደራልን መሻርኽቱን ከምዝኣተዋ ይግለጽ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሰራዊቱ "ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ንቀንዲ ከተማታት ምቁጽጻር ቀጺሉ'ሎ" ክብል ሓቢሩ።

ኣየኖት ከተማታት ከምዝተቖጻጸረ ግን እቲ ሎሚ ሰኑይ 24 ጥቅምቲ ዝወጸ መግለጺ ኣይጠቐሰን።

ኣሶሺየትድ ፕረስ፡ ንሓደ ሰራሕተኛ ሰብኣዊ ረዲኤት ብምጥቃስ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ "ጥሙር ሰራዊት" መንግስቲ ንታሪኻዊት ከተማ ዓድዋ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ከምዝተቐጻጸራ ሓቢሩ'ሎ።

ቀንዲ ታሪኻዊት ከተማ ኣክሱም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንግስቲ ከምዝኣተወት'ውን ምንጭታት የመልክቱ። ኩነታት ናይታ ደብዳባት ዝካየደላ ከምዝነበረ እትግለጽ ዓዲ-ግራት ግን ብንጹር ዝተረጋገጸ ነገር የለን።

ብወገን ሓይልታት ትግራይ ብዛዕባ ምትሓዝ ተወሰኽቲ ከተማታት ዝተባህለ የለን። እንተኾነ ግን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኣብ ሓያል ውግእ ተጸሚዶም ይረባረቡ ከምዘለዉ'ዮም ዝገልጹ።

ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ፈደራል ምእታዋ መራሕቲ ትግራይ ምሕባሮም ይዝከር።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሰራዊት መንግስቲ ንከተማታት ሽረ፡ ኣላማጣን ኮረምን ከምዝተቖጸጸረ ሰብመዚ ኢትዮጵያ ብግዲኦም ገሊጾም ነይሮም። ሓደ ካብ ልዕለዎት መራሕቲ ትግራይ ዝኾነ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወት ግን፡ ከተማ ኮረም ኣብ ኢዶም ከምዘላ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።

ምትሓዝ ናይዘን ፍሉጣት ከተማታት ኣብቲ ከካይድዎ ዝጸንሑ ውግኣት ዓቢ መኻልፍ ከምዝኾነ'ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ሕቡራት ሃገራት፡ ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ዝርከብዎም ወገናት፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ብደብዳባት ዝወርድ ዘሎ ሞትን ጸበባን ከምዘሻቐሎም ብምግላጽ፡ ብቕልጡፍ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ይምሕጸኑ ኣለዉ።

ክልቲኦም ተራጸምቲ ወገናት፡ ኣብቲ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝካየደ ዘተ ሰላም ንምስታፍ ልኡኻቶም ከምዝሰደዱ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ትግራይ ዝዀነ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረህይወት ትማሊ ሰንበት ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ኣብቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ዘተ ሰላም ኢትዮጵያን ትግራይን ዝሳተፍ ልኡኽ መንግስቲ ትግራይ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ በጺሑ ኣሎ፡” ኢሉ።

“ብቕልጡፍ ተጻብኦ ደው ምባል፡ ዘይተገደበ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝን ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይን” ቀዳምነት ክወሃቦ ክጠልቡ ምዃኖም'ውን ጠቒሱ።

ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ፈደራል ብወገኑ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ንግሆ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዝተበገሱ ኣፍሊጡ’ሎ።

እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘተ፡ ነቲ ግጭት ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ዝሕግዝ ዕድል ገይሩ ከምጥምቶ መግለጺ መንግስቲ ኣነጺሩ።

ዋላ'ኳ እቲ ሎሚ ዝጅምር ልዝብ፡ ፈላሚ ወግዓዊ ቀጥታዊ ርክብ ብምዃኑ ዓቢ ምዕባለ ዝቑጸር እንተኾነ፡ እቲ ኣብ ባይታ ዝቀያየር ዘሎ ኩነታት ናይቲ ውግእ ክሳብ ክንደይ ክጸልዎ'ዩ ዝብል ግን ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ዝርአ ክኸውን'ዩ።

እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ዕጽዋ ዝርከብ ከባቢታት ትግራይ ጥምየትን ምፍንቓልን ዝርከብዎ ዓቢ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ምስዓቡ ይፍለጥ።

ኣብቲ ኲናት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሲቪላውያን ዝርከብዎም ሰባት ከምዝተቐትሉ ይግመት።