ጀርመን ብዕልዋ መንግስቲ ዝተጠርጠሩ 25 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣእትያ

Published

ኣብ መላእ ጀርመን ብዝተኻየደ ወፍሪ መንግስቲ ንምውዳቕ ውዲት ፈጺሞም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ 25 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

እቲ ርሑቕ የማናውያንን ወተሃደራት ነበርን ዝሓቖፈ ጉጅለ፡ ንህንጻ ባይቶ፡ ራይክስታግ፡ ብምውራር ስልጣን ክሕዙ መደብ ከም ዝነበሮም ጸብጻባት እታ ሃገር ይሕብሩ።

ሄይንሪክ መበል 13 መስፍን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ወዲ 71 ዓመት ጀርመናዊ ሰብኣይ፡ ኣብቲ መደብ ቀንዲ ተራ ከም ዝነበሮ ይንገር።

ብመሰረት ኣኽበርቲ ሕጊ ፌደራል፡ ኣብ መላእ 11 ግዝኣታት ጀርመን፡ መራሕቲ ጕጅለ ተባሂሎም ካብ ዝተኣሰሩ ክልተ ሰባት፡ እቲ ሓደ እዩ።

ወጠንቲ እቲ ዕልዋ፡ ኣባላት ፖሊስ ጀርመን ንነዊሕ እዋን ብጎነጻዊ መጥቃዕቲታትን ዓሌታዊ ውዲትን ክከታተሎ ዝጸንሐ፡ ሪችስበርግር ዝተባህለ ሕሉፍ ምንቅስቓስ ዝርከቡዎም ከምዝኾኑ እዩ ዝግለጽ።

እቶም ጡርጡራት፡ ንዘመናዊት መንግስቲ ጀርመን እውን ኣፍልጦ ከምዘይህቡ ይግለጽ።

ኣስታት 50 ዝግመቱ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣካል ናይቲ ነታ ሪፓብሊክ ኣውዲቖም ብናይ 1871 ጀርመን ሞዴል ዝኾነ ሓዱሽ መንግስቲ - ካልኣይ ራይክ ዝበሃል ሃጸያዊ ግዝኣት - ንምትካእን ውዲት ከምዝኣለሙ ዝንገረሎም ጉጅለ ከምዝነበሩ ይንገር።

ወሃቢት ቃል ቤት ፅሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል "ክሳብ ሕጂ ናይዚ ጉጅለ ስም የብልናን" ኢላ።

ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል እታ ሃገር ዘመተታት ከምዝተኻየደን ኣብ ኣውስትርያን ኢጣልያን ክልተ ሰባት ከምዝተኣሰሩን ማዕከን ዜና ጀርመን ዲፒኤ ሓቢሩ። እቶም ዝተኣስሩ ሰባት ሎሚ መዓልቲ ንሕቶታት መርመራ ክቐርቡ እዮም።

ሚኒስተር ፍትሒ ማርኮ ቡሽማን ኣብ ትዊተር፡ ዓቢ ስርሒት ጸረ-ሽበራ ይካየድ ከምዘሎን፡ "ኣብ ልዕሊ ቅዋማዊ ኣካላት ዕጥቃዊ መጥቃዕቲ ክፍጸም ተሓሲቡ" ከምዝነበረን ዘለዎ ጥርጣረ ገሊጹ።

ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል እቲ ጉጅለ ካብ ሕዳር 2021 ጀሚሩ ዓመጽ ዝመልኦ ዕልዋ መንግስቲ ክኣልም ከምዝጸንሐ ገሊጹ።

ካብ ፍሉያት ኣሃዱታት ዝመጹ ብሉጻት ወተሃደራት ነበር ዝሓቖፉ ኣባላት ሰራዊት ነበር እውን ርኡይ ኣካል ናይቲ ዕልዋ መንግስቲ ከምዝነበሩ ጸብጻባት ይሕብሩ።  

እቶም ውዲተኛታት ድሮ ንጀርመን ንምምሕዳር መደባት ከምዘውጽኡ ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ሓቢሩ።

እቶም ኣባላት፡ ዕላማታቶም ብ"ወተሃደራዊ ኣገባብን ኣብ ልዕሊ ወከልቲ መንግስታት ብዝፍጸም ዓመጽን" ጥራይ ክጭብጡ ከምዝኽእሉን እዚ ድማ ቅትለት ምፍጻም ከምዘጠቓልልን ተረዲኦም እዮም።

ሓደ ኣባል ታሕተዋይ ባይቶ ርሑቕ የማናዊ ዝነበረ ቡንደስታግ እውን ኣካል ናይቲ ውዲት ከምዝነበረን ኣብ መደብ ከምዝተሰርዐን ህዝባዊ ፈነወ ዚዲኤፍ ሓቢሩ።