ጀርመን፡ ኣብ ውሽጢ ትሽዓተ ደቓይቕ 1.6 ሚልዮን ዩሮ ዘውጽእ ሰልዲ ወርቂ ካብ ቤተመዘክር ተሰሪቑ

Published

ኣብ ማኑሺንግ፡ ባቫርያ ካብ ዝርከብ ቤተ-መዘክር፡ ከባቢ ፍርቂ ለይቲ፡ ኣብ ውሽጢ ትሽዓተ ደቓይቕ ብኣማኢት ዝቑጸር ሰልዲ ከም እተሰርቀ ፖሊስ ሓቢሩ።

እቶም ሰረቕቲ ነቲ ናይ ቤተ-መዘክር መጠንቀቕታ (ኣላርም) ኣበላሽዮሞ ክዀኑ ከምዝኽእሉ ይግመት። እቶም ዘመትቲ ናብቲ ቤተመዘክር ቅድሚ ምእታዎም፡ ኣብ ጥቓ እቲ ቤተመዘክር ዝነበረ ናይ ኢንተርነት ገመዳት ተበቲኹ ከምዝነበረ ተፈሊጡ።

ፖሊስ፡ እቲ ኣቐዲሙ እተገብረ ነገራት ምስቲ ስርቂ ዝተሓሓዝ እንተ ዀይኑ ይምርምር ኣሎ።

እቲ ኣግማድ ስለዝተበትከ እቲ ስርቂ ክፍጸም እንከሎ እቲ ናይ መጠንቀቕታ ደወል ሓበሬታ እኳ እንተዘይሃበ እቲ ማዕጾ ምስ ተኸፍተ ግን ነቲ ስርቂ ክምዝግቦ ይኽእል ነይሩ።

እቶም ሰራሕተኛታት ንጽባሒቱ፡ ኣብ ባይታ እቲ ቤተ መዘክር ስብርባር ቤትሮ ክረኽቡ እንከለው ካብቲ ንምርኢት ዝቐረበ ናይ ቤትሮ ሳናዱቕ፡ ዝጠፍአ ናይ ወርቂ ሰልዲ ከምዘሎ ተዓዚቦም።

ሓላፊ መንግስታዊ ኣርኪዮሎጂካዊ ቅርስታት ዝኾነ ሩፐርት ገብሃርድ "ልክዕ ከም ናይ ቀደም ዓርከይ ዝጠፍኣኒ ኰይኑ እዩ ተሰሚዑኒ" ክብል ሓዘኑ ገሊጹ። እቲ ካልኣይ ጥንታዊ ቅርሲ ወርቂ ሰልዲ ዝረኣየሉ ዝነበረ ቤትሮ እውን ተሰይሩ ካብኡ ከኣ ሰለስተ ዓበይቲ ናይ ወርቂ ሰልዲ ተወሲዱ ጸኒሑ።

ሰበ-ስልጣን ብድሕሪ እቲ ስርቂ ሰልዲ ገበናዊ ሽርሒ ክህሉ ከምዝኽእሉ ይጥርጥሩ። ፖሊስ ድማ ምስቶም ኣቐዲሙ ዝተፈጸመ ስርቂ "ምምስሳል" ከም ዘለዎ ይግምት።

ኣብ 2017፡ ኣስታት 100 ኪግ ዝምዘን ሓደ ዓቢ ናይ ገንዘብ ወርቂ ካብ ቤተ መዘክር በርሊን ተሰሪቑ ነይሩ። ድሕሪ ክልተ ዓመት እውን፡ ሰረቕቲ ኣብ ድረዝደን ካብ ዝርከብ ቤተ መዘክር 21 ዓይነት ዝተፈላለየ ናይ ኣልማዝ ስልማትን ካልእ ክቡር ነገራትን ጉሒሎም።

ይኹን እምበር፡ ፖሊስ፡ ኣብ መንጎ እቶም ነዚ ንብረት ዝሰረቑ ሰባት ርክብ ብዛዕባ ምንባሩን ዘይምንባሩን ኣጻርዮም ክፈልጡ ኣይከኣሉን።

እንተኾነ፡ ሰለስተ ካብቶም ስልማት ኣልማዝ ዝሰረቑ ሰባት ኣብ በርሊን ተታሒዞም። ምኒስተር ስነ-ፍልጠትን ስነ-ጥበብን ባቫርያ ብረይተር ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ "ስቕ ኢልካ ናብ ቤተ-መዘክር ኬድካ ሃብቲ ኣይትዘምትን ኢኻ” ኢላ።

"እቲ ቦታ ኣዝዩ ጽኑዕ ሓለዋ ዘለዎ ቦታ ብምዃኑ እቲ ተግባር ተራ ስርቂ ጥራሕ ዘይኮነ ዝተወደበ ገበናዊ ምትእስሳር ከምዘሎ ዘርኢ ጌርና ክንሓስብ ርትዓዊ እዩ" ኢላ።

እቶም ሰረቕቲ ስልማት ኣልማዝ፡ ኣብ 2019 ኣብ ድረዝደን ግሪን ቮልት፡ ብሲሲቲቪ እዮም ተታሒዞም።

ክኢላታት፡ እቲ እተሰርቀ ናይ ኣዋርቕ ሰልዲ ክመክኽ ስለዝኽእል ታሪኻዊ ክብሩ ክንክን ክጠፍእን ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎም።

እቲ ኣዋርቕ ኣብቲ ብ1999 ኣብ ጥቓ ማንቺንግ ዝርከብ ስነ-ጥንታዊ ዅዕታ እዮም ተረኺቦም። ሽዑ ከኣ ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን ዝተረኽበ ዝዓበየ ርኽበት ወርቂ ሰልቲክ ከም ዝኾነ ጌርካ እዩ ዝረአ ነይሩ።

ምኒስተር ብሉም፡ እቲ ርኽበት፡ ብዛዕባ እቶም ቅድሚ ኣስታት 2000 ዓመት ኣብ ባቫርያ ዝነብሩ ዝነበሩ ሰባት መዓልታዊ ህይወት እንታይ ይመስል ከምዝነበረ ዘርኢ ጽቡቕ ርኽበት እዩ ነይሩ ኢሉ።