እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክልል ኣምሓራ፡ ልዕሊ 50 ሰባት ብሓይልታት መንግስቲ ከምዝተቐትሉ ነበርቲ ገሊጾም
ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ሓድሽ ኣብ ዝተዋቐረ ዞባ ሰሜናዊ ጎጃም ከተማ መርኣዊ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 50 ሰባት ከምዝተቐተሉ ቤተሰብ ግዳያት፣ ነበርትን መሰኻኽር ዓይንን ንቢቢሲ ገሊጾም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ፡ 2 ጥሪ 2016 (ግእዝ)፡ ካብ ርእሰ ከተማ እቲ ክልል ባህር ዳር ኣስታት 35 ኪሜ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ መርኣዊ፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ዕጡቓት ፋኖን ዝተኻየደ ውግእ ስዒቡ፡ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰባት ከምዝተቐተሉ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ገሊጾም።
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመኮ) ጨንፈር ባህር ዳር፡ ኣብታ ከተማ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ካብ ምንጭታቱ ሓበሬታ ከምዝረኸበ፣ ክትትልን ምርመራን የካይድ ከምዘሎን ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ነቲ ጎንጺ ስዒቡ ቢቢሲ ምንጪታት ሆስፒታል ሓዊሱ ሓሙሽተ ሰባት ዘዘራረበ ኮይኑ፡ መብዛሕተኦም ግዳያት ኣብ መንገዲን ኣብ መንበሪ ገዝኦምን ከምዝተቐተሉ ተዛሪቦም።
ብሰኑይ 20 ጥሪ 2016 (ግእዝ)፡ ቅድሚ እቲ ቅትለት፡ ካብ ወጋሕታ 12 ሰዓት ጀሚሩ ኣብ መንጎ ሰራዊት ምክልኻልን ሓይልታት ፋኖን “ከቢድ ውግእ” ከምዝነበረ ዝገልጹ ነበርቲ፡ ነዚ ስዒቡ ካብ 50 ክሳብ 100 ዝኾኑ ሰባት “ተረሺኖም” ክብሉ ተዛሪቦም።
ዕጡቓት ፋኖ ከባቢ ሰዓት ሓሙሽተ ቀትሪ ነታ ከተማ ገዲፎም ምስወጽኡ እቲ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ዝገልጹ እቶም ነበርቲ ፡“ሰራዊት ምክልኻል ገዛ ገዛ አናዞሩን ኣብ መንገዲ ዝረኸብዎ ሰብን ከምዝረሸኑን እቲ መጥቃዕቲ ክሳብ ምሸት ከምዝቐጸለን” ተዛሪቦም።
መዓልታዊ ስራሕ እናሰርሐ ዝናበር ኣቦ ኣርባዕተ ቆልዑ ሓዉ ከምዝተቐተሎ ዝገልጽ ሓደ ነባራይ “መጀመርታ ናብ ገዛይ መጺኦም እንትፍትሹ ‘ናይ ቤተክርስትያን ሰብ እየ’ ምስበልክዎም ወጺኦም ከይዶም። ቀጺሎም ናብ ናይ ሓወይ ገዛ ኣትዮም ሒዞምዎ ከይዶም” ኢሉ።
ሓዉ ንሕቶ ተወሲዱ ክምለስ እዩ ኢሉ ዝጽበ ዝነበረ እቲ ነባሪ፡ ምስ ካልኦት ብሰደፍን ብበትርን እናተቐጥቀጡ እንትውሰዱን እንትቕተሉን ከምዝረኣየ ገሊጹ።
“ንሓደ መንእሰይ ኣብቲ ከባቢና ኣብ ዘሎ ኮብል ብሓሙሽተ ጥይት ቀቲሎም ገዲፎምዎ። ንዓኣቶም (ንሓዉን ካልኦት ሰባትን) ድማ ናብ ኣስፋልቲ ኣውጺኦም ን13 ሰባት ኣኪቦም ቀቲሎምዎም። . . . ኣብ ቅድሜና ስለዝቐተሉዎም ኢና ኣሚንና” ኢሉ።
ነዚ ክስተት ዝምልከት ሓደ በዓል ሞያ ሕክምና፡ እቶም 13 ሰባት ኣብ ወሰን ኣስፋልቲ ከምዝተቐተሉ ከምዝፈልጥ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ፤ ብሓፈሻ ኣብታ ከተማ 85 ሰባት ከምዝተቐተሉ እውን ተዛሪቡ።
ካልእ ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ሓዉ ከምዝተቐተሎ ዝገልጽ ሰራሕተኛ መንግስቲ፡ ሓዉ ካብ ሕቑፎ ውላዱ ተወሲዱ “ ብጭካነ ተረሺኑ” ኢሉ።
“ሓወይ ውላዱ ሓቚፉ ካብ ዝተቐመጠሉ ገዛ ተወሲዱ እዩ ተቐቲሉ። በዓልቲ ቤቱ “ ነቲ ህጻን ተቐበልዮ ኢሎም ኣገዲዶምኒ፤ ነቲ ህጻን ተቐቢለዮ። . . . ዓይነይ እናረኣየ እዮም ግንባሩ ወቒዖም ኣብ መንገዲ ዝቐተልዎ። ምስኡ ዝነበረ መሓዝኡ እውን ቀቲሎምዎ’ ኢላትኒ።”
ካብ ሓዉ ብተወሳኺ ኣብ መንገዲ 50 ዝኾኑ ኣስከሬናት ከምዝረኣየ እውን ይዛረብ። ኮይኑ ግና “ፎቖድኡ መንገድን ጎዳጉድን” ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግምት።
ብዛዕባ እቲ ክስተት፡ ቢቢሲ ካብ ምምሕዳር እቲ ዞባን ክልልን ከምኡ ድማ ናይቲ ከባቢ ኮማንድ ፖስት መብርህን ምላሽን ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።
ካልእ ምስክር ዓይኒ ድማ፡ ኣብ ናይ ብዙሓት ሰባት ቀብሪ ከምዝተረኸበ ብምግላጽ ቁጽሪ መወትቲ ልዕሊ 100 ከምዝበጽሕ ይዛረብ።
ኣብ ጽባሕ እቲ መጥቃዕቲ፡ ብ21 ጥሪ 2016 ዓ/ም ንጉሆ፡ 48 ኣስከሬናት ከምዝቖጸረ ዝገልጽ ነባሪ ከተማ መርኣዊ “ካብ ሆቴል ማርዘነብ ክሳብ በረድ ወንዝ፡ የማንን ጸጋምን ብሬሳ ጥራሕ ተመሊኡ ነይሩ” ኢሉ።
ቁጽሪ መወትቲ 115 ከምዝበጽሕ ዝዛረብ ካልእ ምስክር ዓይኒ፡ ሰራዊት ምክልኻል ነታ ከተማ ምስተቖጻጸረ፡ ስታድዮምን ጤና ጣብያን ኣብ ዝተባህሉ ከባቢታት “ካብ ቆልዓ ሽዱሽተ ዓመት ህጻን ክሳብ ደቂ 75 ዓመት ሽማግለታት” ቅትለት ተፈጺምዎም ኢሉ።
ናይ ሆስፒታል ሰራሕተኛ ዝኾነ መስክር ዓይኒ እውን ኣብ መባእታዊ ሆስፒታል እታ ከተማ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ጥንስቲ ሓዊሱ 25 ሰባት ቆሲሎም ከምዝመጹ ብምሕባር “ ብህይወት ዝተረፈ የለን” ይብል።
“እቶም 24 ሞይቶም እዮም ናብ ሆስፒታል መጺኦም። ሓንቲ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ጥንስቲ ብህይወት መጺኣ ሆስፒታል ምስበጸሐት እያ ሞይታ። ብሓፈሻ 25 እዮም መጺኦም ነይሮም”።
ሰራዊት ምክልኻል ካብቲ ገዛ ንገዛ ዘካየዶ ፍተሻ ብተወሳኺ፡ ናይ ቤተክርስትያን ተምሃሮ ሓዊሱ ኣብ መንገዲ ዝረኸቦም ሰባትን ዕለታዊ ሰራሕተኛታትን “ብብቀላ ኣንበርኪኹ ረሺኑ” ክብሉ ነበርቲ፣ ቤተሰብን መሰኻኽር ዓይንን ከሲሶም።
ካብቲ ኣብ ክልተ ከባቢታት እታ ከተማ ሰፊሩ ዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ህንጻ ምምሕዳር እታ ከተማ ዝነበሩ፡ ዕቱቓት ፋኖ ሰኑይ ንጉሆ ንዝፈጸምዎ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ፡ ዝተወሰደ ግብረ መልሲ “ናይ ብቀላ ስጉምቲ” ምኽንያት ሞት ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ከምዝኾነ ነበርቲ ይገልጹ።
“ፋኖ ኣብ ገዛኹም ኣሕዲርኩም፣ ዘውቃዕኩምና ንስኻትኩም ኢኹም፤ ንፋኖ ትቕልቡ ኢኹም” እናበሉ “እናተሓነዩ” ነይሮም ዝብል ሓደ ገዝኡ ዝተፈተሸ ነባሪ “ካብ ምማት ምቕናይ ይሓይሽ ኢልና” ስቕ ኢልና ብምባል እቲ መጥቃዕቲ ናይ ሕነ ምፍዳይ ከምዝነበረ ተዛሪቡ።
ብዙሓት ሰባት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ተቐቲሎም ተደርብዮም ብምጽንሖም ዘሰቅቕ ኩነታት ከምዝረኣዩ ዝገልጹ እቶም ነበርቲ “ናይ ዝተቐተሉ ሰባት ኣስከሬን ምፍላይ እኳ ኣጸጋሚ ነይሩ” ይብሉ።
“መብዛሕትኡ ሰብ ብኣከዳድንኡ፣ ቅርጺ ሰብነቱን እዩ ዝልለ ነይሩ። እቶም ኣስከሬናት ብጥይት ካብ ምብስሰዖም ብተወሳኺ፡ ምልዓል ኣይከኣልን ኢሎም ሓደ ለይቲ ኣሕዲሮምዎም” ዝብል ሓደ ነባራይ ንምፍላዩ ኣጸጋሚ ብምንባሩ ብጃምላ ተቐቢሮም ኢሉ።
“ከም ባህልን ስርዓትን ነቶም ዝተቐተሉ ግቡእ ስርዓት ቀብሪ ኣይተፈጸመን” ዝብሉ ነበርቲ፡ ኣብ ሓዘን ኮፍ ምባልን ምብጻሕን ኣይሕሰብን ብምባል፡ “እቲ ዝተፈጸመ ካብ ግፍዒ ዝበኣሰ ግፍዒ እዩ” ክብሉ ገሊጾም።
ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ ሰራዊት ምክልኻልን ዕጡቓት ፋኖን ዝተኻየደ ውግእ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ክልተ ኣብያተ ክርስትያን “ብከቢድ ኣጽዋር ጉድኣት በጺሕዎም” ብምባል፡ ” ናይ ውልቀ ሰባት ንብረትን 15 ዝኾና ባጃጃት ተሽከርከርትን ኮነ ተባሂሉ ክቃጸላ ከምዝተገበረ ነበርቲ ሓቢሮም።
እቲ ብዙሓት ሰባት ዝተቐተልሉ መጥቃዕቲ ኣብ ድሮ እቲ ኣብታ ከተማ ብድምቀት ዝኽበር በዓል ጥሪ ማርያም ዝተፈጸመ ብምዃኑ እታ ከተማ ብሓዘን ተዋሒጣ፡ እቲ በዓል ከምዘይተኸበረ እቶም ነበርቲ ወሲኾም ገሊጾም።
እቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝፍጸም ሓሙሽተ መዓልቲታት እኳ እንተኾነ፡ እታ ከተማ ተዘሓሒላ ከምዘላን ባንክታትን ትካላት ንግድን ተዓጽዮም ከምዘለዉን ብምጥቃስ “ምንቅስቓስ የለን” ኢሎም።