እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ልዕሊ 280 መዓልታዊ ሸቓሎ ንሰሙናት ብፋኖ ‘ተጨውዮም’ ተባሂሉ
ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሰሙናት ብዕጡቓት ተጨውዮም ዝተወሰዱ ልዕሊ 280 መዓልታዊ ሸቃሎ ክሳብ ሎሚ ተዓጊቶም ኣለዉ ተባሂሉ።
ኣብ ከባቢ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ንዝፍጠር ሰብ ሰራሕ ቀላይ ኣብ ዝኸውን ቦታ ዘሎ ኣግራብ ንምቑራጽ ብኣውቶብሳት ይጓዓዙ ከም ዝነበሩ ዝተሓበረ 282 መናእሰይ፡ ብዕለት 18 ለካቲት 2016 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ግእዝ) “ብዕጡቓት ፋኖ” ከም ዝተጨወዩ ይዝረብ።
ካብ ሞንጎ እቶም ዝተጨወዩ ሰባት እቶም 38 ካብ ክልል ደቡብ ዞባ ኣሌ ዝመጽኡ ከም ዝዀኑ ሓላፊ መምርሒ ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን እቲ ዞባ ኣይተ ገንሶ ገሳቶ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ንሱ፡ “ካብ ዞባና 38 መናእሰይ’ዮም ከይዶም። ‘ኒኮቲካ’ ዝተባህለ ትካል፡ ሸቃሎ ከም ዝደልይ ዝሓትት ደብዳበ ሒዙ ናባና መፂኡ። እቶም መናእሰይ ብቤት ፅሕፈት ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ተመልሚሎም ናብ ስራሕ ይጓዓዙ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ኣብ ክልል ኣምሓራ ከባቢ ደብረማርቆስ ተዓጊቶም” ኢሉ።
እዞም ሰራሕተኛታት ብኣውቶብስ ከም ዝኸዱን ካብቲ ዝተጨወዩሉ ከባቢ ኰይኖም ስልኪ ይድውሉ ከም ዝነበሩን እቲ ሓላፊ ይዛረብ።
“ደዊሎም ከም ዝነግሩና ድማ ‘ናብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ክትፅምበሩ ዝተመልመልኩም ኢኹም፤ ንዓና ክትወግኡና ኢኹም መፂእኹም’ እዮም ዝብልዎም። ንስራሕ ኢና ተዋፊርና እንተበሉ ኣይተቐበልዎምን” ይብል።
ጉጅለ ዕጡቓት ፋኖ ነዚ ፍፃመ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ “እቶም መናእሰይ ሸቃሎ ዘይኰኑ ኣባላት ሚሊሻ እዮም” ብምባል ነጺጉዎ።
ኣይተ ገንሶ ግን፡ እቶም ሰራሕተኛታት መሕለፊ ደብዳበ ዝርከቦ ሰነዳት ሒዞም ከም ዝነበሩ ብምግላጽ ንስራሕ ዝኸዱ ሰላማውያን ሰባት’ዮም ኢሉ።
“ከም ዞባን ወረዳን ነዚ መረዳእታ ክነቕርብ ንኽእል ኢና። ምስ ውትህድርና ፈፂሙ ዘራኽብ የብሎምን። ኣብ ከባቢ ግድብ ኣባይ ዝስራሕ ሰብ ሰራሕ ቀላይ ስለ ዘሎ ንዕኡ ኣብ ዝኸውን ቦታ ዘሎ ኣግራብ ንምቑራጽ ዝወፈሩ እዮም። መዓልታዊ ክንደይ ከም ዝኽፈሎም፤ ቀለቦም መን ከም ዝኽእሎም እዚ ኩሉ ኣብ ውዕሊ ኣሎ” ኢሉ።
እዞም መናእሰይ፡ ዕድሚኦም ካብ 18 ክሳብ 30 ዓመት ዝርከቡ ከም ዝዀኑ ካብቲ ዞባ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።
ኣብዚ እዋን ምስቶም ብዕጡቓት ተዓጊቶም ዘለዉ ሰባት ብስልኪ ምርኻብ ከም ዝከኣል ንቢቢሲ ዝሓበረ እቲ ሓላፊ መምርሒ ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን ዞባ ኣሌ ክልል ደቡብ፡ እቲ ኩነታት ግን ልዕሊ ዓቕሚ ዞባና እዩ ኢሉ።
“ተዓጊትና ጥራይ’ዮም ዝብሉ፤ ካልእ መረዳእታ ክህቡ ኣይፈቕዱሎምን። ደሓን ከም ዘለዉ ክዛረቡ የገድዱዎም። ‘መግቢ ቀቁሩብ ይወሃበና፤ ዝዀነ ምንቅስቓስ ክንገብር ግን ኣይፍቀደልናን’ እዮም ዝብሉ። ክልላዊ መንግስትና ድማ ምስ መንግስቲ ፌደራል፣ መንግስቲ ክልል ኣምሓራን እቲ ትካልን ብምዝርራብ ፍታሕ ንክመጽእ ይሰርሕ ኣሎ” ክብል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓቢሩ።
ቢቢሲ ኣብዚ ጉዳይ ካብ ጉጅለ ፋኖ ተወሳኺ ሓበሬታን መብርህን ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን። መንግስታት ክልል ኣምሓራን ፌደራልን’ውን ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ጉዳይ ዝሃቡዎ ወግዓዊ መግለጺ የለን።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝተፈጸሙን ዝፍጸሙ ዘለዉን ጭውያ ዜጋታት (ጅሆ ምሓዝ) ካብቶም ህዝብን መራኸቢ ብዙሃንን ዝዛረቡሎም ቀንዲ ጉዳያት ኰይኖም ጸኒሖም ኣለዉ።
እቲ ሓሓሊፉ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝፍጸም ዝነበረ ጭውያ: ሎሚ መልክዑ ቀይሩ ኣብ ዝበዝሐ ከባቢታት እታ ሃገር የጋጥም ከም ዘሎ ዝገልጹ ሓበሬታታት ይወጽኡ እዮም።
እዚ ገንዘብ ንምርካብ ብዝብል ካብ ሰራሕተኛታት ገዛ ክሳብ ብዕጡቓት ዝፍጸም ጭውያ ንብዙሓት ናብ ማሕበራውን ቍጠባውን ቅልውላው ክኣትዉ ገይሩ’ሎ።
ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ንምውጻእ ድማ ክሳብ ሚልዮናት ብር ክኸፍሉ ዝተገደዱ ብዙሓት ሰባት ከም ዘለው ቢቢሲ ኣብ ሕሉፍ ኣብ ዝሰርሖም ጸብጻባት ኣቃሊሑ ምንባሩ ይዝከር።