ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ካብ ዘተ ሰላም ኢትዮጵያ ከምዝሰሓበ ኣፍሊጡ

ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ፡ ካብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዝነበረ ዘተ ሰላም መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ከምዝሰሓበ ኣፍሊጡ።

ሓደ ካብ ሰለስተ ኣደራደርቲ ዘተ ሰላም ኢትዮጵያ ኮይኑ ዝተመዘዘ ኬንያታ፡ ብሰንኪ 'መደባት ዘይምስናይ' ካብቲ ናይ ሕዚ ዘተ ክስሕብ ከምዝተገደደ እዩ ዝገልጽ።

ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ፡ ብዛዕባ'ዚ ንኣፍሪቃ ሕብረት ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ ንሱ ኣብቲ ጽባሕ ሰንበት ክካየድ ተተሊሙ ዝነበረ ልዝብ፡ ከምዘይርከብ ዘፍለጠ ዀይኑ፡ ንድሕሪ ሕዚ ግና፡ ቀዲሙ ኣጀንዳ ክንጸረሉን እቲ ልዝብ ዝካየደሉ ኣገባብ ክፈልጥን ሓቲቱ ኣሎ።

"እዚ ምንጻር፡ ግቡእ ምድላዋት ክገብርን ክኽተሎ ዝግባእ ኣገባብን ንክፈልጥን ክሕግዘኒ እዩ" ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ፡ ኣብ መስርሕ እቲ ዘተ 'ምቁራጽ ተጻብኦታት' ኣብ ቅድሚት ክስራዕ ከምዝኣምን ኣብ ደብዳብኡ ግልጺ ገይሩ ኣሎ።

ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሰጎን ኦባሳንጆ፡ ኡሁሩ ኬንያታ፡ ከምኡ'ውን ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ዶ/ር ፉምዚለ ምላቦ-ንጹካ ነቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ልዝብ ንምስላጥ ብሕብረት ኣፍሪቃ ምምዛዞም ይፍለጥ።

ኬንያታ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነነበረሉ እዋን፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ንኲናት ትግራይ ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ጻዕርታት ካካይድ ምጽንሑ ይንገረሉ።

ኣብ ልዕሊ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ቅረታ ዘለዎም መራሕቲ ትግራይ'ውን፡ ዝኾነ ዝካየድ ልዝብ ብኣላይነት ኡሁሩ ኬንያታ ክካየድ ድሌት ከምዘለዎም ክገልጹ ምጽንሖም ይዝከር።

ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝመጽእ ሰንበት ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ዝርርብ ሰላም ኢትዮጵያ ከምዝተናወሐ ተገሊጹ'ሎ።

እቲ ኣብ ርእሰከተማ ፕሪቶርያ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዝካየድ ልዝብ ብሰንኪ ጸገማት ሎጀስቲክስ ኣብ ዝተመደበሉ መዓልቲ ክጅምር ከምዘይክእል፡ ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብመሪሕነት ፕረዚደንት ነበር ኦባሳንጆ ነቲ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኣዕናዊ ኲናት ንምፍታሕ ጻዕርታት ከካይድ'ኳ እንተጸንሐ፡ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ከረጋግጽ ኣይክኣለን።

ንኣስታት ሓሙሽተ ኣዋርሕ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት' ተኣዊጁ'ኳ እንተነበረ፡ ካብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ውግእ ዳግም ብምውልዑ እቲ ኵናት ናብ ዝኸፍአ ደረጃ በጺሑ ኣሎ።

እቲ ኲናት ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ድሕሪ ምውልዑ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ኣብታ ኣብ ዕጽዋ እትርከብ ክልል ትግራይ ሰፊሕ ምፍንቓል ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ምስዓቡ ይፍለጥ።

ኣብቲ ኲናት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉን ብኹሎም ወገናት ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ከምዝተፈጸመን ይግለጽ።