እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓደ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ
ብሓደ ካብ ላዕለዎት ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።
ኣባል ሉኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ዝኾነ ሌ/ጀነራል ኢብራሂም ጃብር፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብምርኻብ ብዛዕባ ክልተኣዊን ዞባውን ጉዳያት ከምዝተዘራረበ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን፡ ሱና ሓቢሩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሓላፊ ጸጥታ ኢትዮጵያ ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ ናብ ሱዳን ብምኻድ ምስ ምክትል ወተሃደራዊ ኣዛዚ እታ ሃገር ተራኺቡ ነይሩ።
ሱዳን ነቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ከምእትድግፍን ኣብ ምትግባሩ ከምእትተሓጋገዝን'ውን ጀነራል ጃብር ገሊጹ'ሎ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ሱዳን ኣቦመንበር ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ምዃና ይፍለጥ።
"ኣብ ሃገራት ውድብ [ኢጋድ]፡ ጸጥታ፡ ምርግጋእን ቁጠባዊ ውህደትን ንምዕዋት ነቲ ውድብ ንምብርባር" ከምእትሰርሕ'ውን ጉጅለ ልኡኽ ሱዳን ኣረጋጊጹ'ሎ።
ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ንክልቲኦም ወገናት ኣብ ዘገድሱ ጉዳያት" ከምዝተዘራረቡ ሓቢሩ'ሎ።
ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብሰንኪ ዘለወን ዶባዊ ምስሕሓብ ናብ ረጽሚን ምትፍናንን ኣምሪሐን ምጽንሐን ይፍለጥ።
ብዘይካ'ዚ፡ ብጉዳይ ህንጸት ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ'ውን ንነዊሕ ዓመታት ክሰሓሓባ ጸኒሐን'የን።
ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣል-ቡርሃን ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብ ባህርዳር ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት 'ጣና ፎረም' ተሳቲፉ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ዳይረክተር ሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያ፡ ናብ ርእሰከተማ ካርቱም ብምብጻሕ ምስ ምክትል መራሒ እታ ሃገር ዝኾነ ሌ/ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጎሎ (ሕመቲ) ተራኺቡ ነይሩ።
ክልቲኦም ሰበስልጣን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ብዛዕባ ክህሉ ዝኽእል ጸጥታዊ ምትሕብባር ከምዝተዘራረቡ ተገሊጹ ነይሩ።
ኲናት ትግራይ ኣብ ፈለማ ሕዳር 2020 ድሕሪ ምውልዑ፡ ሰራዊት ሱዳን ነቲ ዘሰሓሕበን ኣል-ፋሻጋ ተባሂሉ ዝፍለጥ ከባቢ ተቖጻጺሩ ምንባሩ ይዝከር።
ምስቲ ኲናት ብዝተሓሓዝ'ውን፡ ገለ ዕጡቓት ካብ ሱዳን ከምዝኣተዉ ሰብመዚ ኢትዮጵያ ክኸሱ ተሰሚዖም ነይሮም።
እንተኾነ ግን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንፓርላማ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሱዳን ኣብ ኲናት ትግራይ ኢድ ከምዘይነበራ ኣፍሊጡ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ግን ሓንቲ ኣጽዋር ናብ ሓይልታት ትግራይ ንምብጻሕ ብወገን ሱዳን ክትኣቱ ዝፈተነት ነፋሪት ሃሪሙ ከምዝውደቐ ሰራዊት ኢትዮጵያ ገሊጹ ነይሩ።
መራሕቲ ትግራይ ብወገኖም፡ እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ ውጹእ ሓሶት'ዩ ክብሉ ነጺጎምዎ'ዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ'ውን፡ ሱዳን ሓደ ሲቪል ዝርከቦም 7 ወተሃደራታ ብሓይልታት ኢትዮጵያ ከምዝተቐትሉ ከሲሳ ነይራ። ሰብመዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ኣብቲ ረጽሚ ሰራዊቶም ከምዘይተሳተፈ ብምግላጽ፡ ምስ ዕጡቓት ሚሊሻ ዝተኻየደ ምንባሩ'ዮም ዝምጉቱ ነይሮም።
ብሰንኪ'ዚ፡ ሰራዊት ሱዳን ናብቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ዝነበርዎ ቦታታት ደብዳብ ከበድቲ ብረታት ከምዘካየደ ጸብጻባት ኣረጋጊጾም ነይሮም።