ተቓዋሚ ጕጅለ ሚያንማር ኣገዳሲት ከተማ ከምዝተቘጻጸረ ገሊጹ

መራሒ ሰራዊት ኣርካን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published

ኣብ ምዕራብ ሚያንማር ዝርከቡ ተቓወምቲ፡ ናብ ህንዲ ዝወስድ ሓደ ካብ ቀንዲ መስመራት ኣብ እትርከብ ኣገዳሲት ከተማ ካብ ወተሃደራዊ ሓይልታት ከምዝመንዝዑ ተዛሪቦም።

ሰራዊት ኣራካን ካብቶም ኣብ ጥቅምቲ ኣንጻር ሰራዊት እታ ሃገር ገዚፍን ሓድሽን መጥቃዕቲ ዝጀመሩ ሰለስተ ዕጡቓት ጕጅለታት ሓደ ክኸውን እንከሎ ኣብ ግዝኣት ቺን እትርከብ ፓሌትዋ ከምዝተቘጻጸራ ይገልጽ።

እቲ ጕጅለ ኣብ ቴሌግራም ቻነሉ "ኣብ መላእ ከባቢ ፓሌትዋ ዋላ ሓንቲ መዓስከር ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ኣይተረፈትን" ኢሉ።

ወተሃደራዊ ሓይሊ ሚያንማር ዛጊድ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ርእይቶ ኣይሃበን።

ኣብ ዶብ እትርከብ ፓሌትዋ፡ ሚያንማር ምስ ህንዲን ባንግላድሽን እተራኽብ ከተማ ኰይና መንግስቲ ህንዲ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ምዕባለታት ብቐረባ ዝከታተሎ እዩ።

እታ ከተማ ኣካል ናይቲ ብህንዲ ተደጊፉ ዝካየድ ዘሎ ብሚልዮናት ዝቝጸር ፕሮጀክት ልምዓት ኰይኑ፡ ኣብቲ ዞባ ምትእስሳር ንምምሕያሽ ዝዓለመ እዩ።

ሰራዊት ኣራካን ካብቶም ሓደስቲ ግን ከኣ ዝበለጸ ዕጥቂ ዘለዎም ዕጡቓት ጕጅለታት ሚያንማር ኰይኑ፡ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ግዝኣት ራኪን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ገለ ክፋል ጎረቤት ግዝኣት ቺን ምስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ክቃለስ ጸኒሑ’ዩ።

ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ለካቲት 2021 ስልጣን ቅድሚ ምሓዙ እውን እንተዀነ፡ ተዋጋእቲ ኣራካን ኣብ ራኪን ርኡይ ዓወት ኣመዝጊቦም ነይሮም። ቅድሚ ክልተ ዓመት 60 ሚኢታዊት ናይቲ ግዝኣት ይቈጻጸሮ ከምዝነበረ ገሊጹ ነይሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ እዋን ዕልዋ መንግስቲ 2021 ግን መስርሕ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል የካይድ ስለዝነበረ እቲ ሰራዊት ፊት ንፊት ካብ ምግጣም፡ ጻዕሩ ኣብ ምጭፍላቕ ተቓውሞ ዕልዋ መንግስቲ ኣድሂቡ ነይሩ።

ይዅን እምበር ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ፡ ዕጡቕ ጕጅለ ኣራካን ከም ሓደ ኣካል ኪዳን ሕውነት ናብቲ ኣንጻር ወተሃደራዊ ምሕደራ ዝካየድ ሰፊሕ ቃልሲ ከም ዝተጸንበረ ኣፍሊጡ።

ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል እታ ሃገር ድማ ኣብ ልዕሊ’ቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ፈጺሙ።

ከምኡ’ውን ኣብ ዝሓለፉ 11 ሰሙናት፡ እቲ ኪዳን ኣብ ዶብ ቻይና ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ሓይሊ ተኸታታሊ ዘዋርድ ስዕረት ኣስዒቡ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ድማ ብኻልእ ሸነኽ እታ ሃገር ሰራዊት ኣራካን ኣብ 2020 ንኣስታት 42 መዓልትታት ተዋጊኡ ክቈጻጸሮ ከቢድዎ ዝነበረ ኣብ ሜዋ ኣብ ርእሲ ጎቦ ዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ተቘጻጺሩ።

ሰራዊት ኣራካን ኣብ ሩባ ካላዳን ዝርከብ ወደብ ፓሌትዋ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ብምህላዉ፡ ሕጂ ናብ ዶብ ህንዲ ዝወስድ መጓዓዝያ ጽርግያን መስመራት ማይን ይቈጻጸር ኣሎ። ካብኡ ድማ ኣብ ግዝኣት ራኪን ተወሳኺ መጥቃዕቲ ክውጥን ዘኽእል ሎጅስቲካዊ መደበር ኣለዎ።

ወተሃደራዊ ሓይሊ ሚያንማር፡ እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ናብታ ንርእሰ ከተማ ራኪን ሲትወ ምስ ዝተረፈ ሚያንማር ዘራኽብ ቀንዲ ጽርግያ ተደኲና ዘላ ከተማ ክያውክታው ንኸይግስግስ ንምክልኻል መጥቃዕቲ ኣየርን መራኽብ ሄሊኮፕተርን ይጥቀም ከምዘሎ ይንገር።

ሰራዊት ኣራካን ቀጺሉ እንታይ ከም ዝገብር ዛጊድ ንጹር ኣይኮነን። ነቲ ዝረኸቦ ዓወት ከደልድልን ኣብ መሳርዑ ተወሳኺ ክሳራታት ከጕድልን ክደሊ ይኽእል እዩ።

ዕላማኡ ኣብ ውሽጢ ፈደራላዊ ግዝኣት ገለ ዓይነት ናጽነት ወይ ርእሰ-ምሕደራ ኰይኑ፡ መሪሕነቱ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምሕደራ ዘይኮነስ ኣብ ትሕቲ ሓድሽ ዝተመርጸ መንግስቲ ዝበለጸ ምዃኑ ዝወሰነ ይመስል።