እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ተጋሩ ኣትሌታት ዝሓዘ ጕጅለ ልኡኽ መቐለ ኣትዩ
ተጋሩ ኣትሌታት ዝርከብዎ ጕጅለ ልኡኽ ፈደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ናብ መቐለ ኣትዩ።
ሎሚ ረፋድ፡ ብፕረዚደንት ፈደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ረዳት ኮምሽነር ደራርቱ ቱሉ ዝተመርሐ ጕጅለ፡ ናብ መቐለ ከም ዝገይሽ ፈደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣብ ፌይስቡክ ገጹ ዕላዊ ገይሩ።
“ኣብ ዝተፈላለዩ ኣህጉራውን ዓለምለኻዊን መድረኻት ሃገርና ንዝወከሉ ተጋሩ ኣትሌታትን ኣሰልጠንትን፡ ብምኽንያት ኲናት ንነዊሕ እዋን ምስ ዝተፈለዩዎም ቤተሰቦም ንምርኻብ ዝዓለመ” እዩ ክብል እውን ጠቒሱ።
እቲ ጕጅለ ልኡኽ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ቀትሪ ኣብ ከተማ መቐለ ምስ በጽሐ ብሰብመዚ ትግራይ ኣብ ዓለምለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ኣቀባብላ ከምዝተገበረሉ ድምጺ ወያነ ስእልታት ኣሰንዩ ኣብ ፈይስቡክ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ተጋሩ ኣትሌታት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለምለኻውን ኣህጉራውን ውድድራት ንኢትዮጵያ ብዙሓት ሜዳልያታት ዘምጽኡ ኰይኖም ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ተጋሩ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሓምለ፡ ኣብ ኦሪጎን ዝተኻየደ መበል 18 ውድድር ሻምፕዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ወርቃዊ ዓወት ኣመዝጊበን እየን።
ኣብቲ ሻምፕዮና ኣትሌት ጎተይቶም ገብረስላሰ ኣብ ውድድር ማራቶን ክብረወሰን ዓለም ብምስባር ወርቂ ሜዳልያ፡ ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ብ 5 ሽሕ ሜትር ወርቂ ከምኡ እውን ኣትሌት ጉዳፍ ጸጋይ ብ 10 ሽሕ ሜዳልያ ወርቅን ብ 5 ሽሕ ሜዳልያ ነሓስን ኣምጺአን።
ኣትሌት ጎይተቶም ገብረስላሰ፡ ድሕሪ እቲ ውድድር ኣብ ዝሃበቶ ቃለ መሕተት፡ ኵሉ ነገር ሰላም ክኸውንን ወለዳ’ውን ክሕጐሱ ከምእትደሊ ተዛሪባ ነይራ።
ተጋሩ ኣትሌታት ብሰንኪ እቲ ኣብ 2020 ዝተወለዐ ኲናት ትግራይ፡ ምስ ስድራቤቶም ካብ ምፍልላዮም ብተወሳኺ፡ ኣካል እቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝካየድ ዝነበረ ዓሌት መሰረት ዝገበረ ምጉናይ ኰይኖም ከምዝነበሩ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
ኮሚተ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ኣብ ነሓሰ 2021 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ተወለድቲ ትግራይ ዝዀኑ ኣትሌታት ኣብ እዋን ውድድር ናይ ተቓውሞ ምልክት ከርእዩ ስለዝኽእሉ ካብ ኦሎምፒክ ቶክዮ ክተርፉ ኣለዎም ዝብል ሓሳብ ቀሪቡ ምንባሩ፡ ምሕባሩ ዝዝከር እዩ።
ኣብ መንጐ መንግስቲ ፈደራልን ህወሓትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ስዒቡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ መቐለን ሽረን ዘካይዶም በረራታት ዳግም ብምጅማሩ ተፈላልዮም ዝጸንሑ ስድራቤታት ክራኸቡ ጀሚሮም ኣለዉ። ብተወሳኺ ተሌፎንን ኢንተርነትን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ተመሊሱ ኣሎ።