ብሄራዊ ውድባት ትግራይ ዘየሳተፈ ጉባኤ ምጥያሽ ግዝያዊ ምምሕዳር እንታይ ዘትዩ?

ምንጪ ስእሊ, Tigray TV
እቲ ካብ ረቡዕ ጀሚሩ ንኽልተ መዓልቲ ዝተኻየደ ኮንፈረንስ፡ 11 ነጥብታት ዝሓዘ መግለጺ ቅዋም ብምውጻእ፡ ትማሊ ሓሙስ ኣኼባኡ ዛዚሙ ኣሎ።
እቶም ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ከም ዝመጽኡ ዝተገልጹ ተዛተይቲ፡ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ሰራዊት ትግራይ፡ ሲቪክ ማሕበራትን ውሑዳት ብሄራት ኩናማን ኢሮብን ወኪሎም ከም ዝመጽኡ እዩ ተገሊጹ።
ገሊኦም ብድምጺ፡ ገሊኦም ብዘይ ድምጺ ዝተሳተፉ ኰይኖም፡ መን ከም ዝሓረዮምን ብኸመይ ኣገባብ ከም ዝተመርጹን ዝተዋህበ መብርሂ የለን።
እቶም ጉባኤተኛታት እንታይ ኢሎም?
ሰነድ እቲ ትማሊ ዝወጽአ መግለጺ ቅዋም ከም ዝሕብሮ፡ ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ኣብ ልኡኽ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከምኡ’ውን ኣወዳድባን ክፍፍል ስልጣንን ዝኣመሰሉ ኣጀንዳታት ከም ዝዘተዩ ይሕብር።
ቀንዲ ዕላማ እቲ ዝጣየስ ምምሕዳር፡ ሰላምን ጸጥታን እቲ ክልል ምውሓስ፣ ሓድነት ተጋሩ ምሕላው፣ ዝተመዛበሉ ናብ መረበቶም ምምላስን ትኹረት ዘድልዮም ክፋላት ማሕበረሰብ [ሓርበኛታት፣ ጉዱኣት ኲናት፣ ደቂ ኣንስትዮ] ፍሉይ ኣቓልቦ ክግበረሎም ዝብል ይርከቦ።
ከምኡ’ውን ግዝኣት ሓድነት ትግራይ ናብ ንቡር ክምልስን፡ ወረርቲ ዝበልዎም ወዲኦም ካብ’ቲ ክልል ክወጽኡን በርቲዖም ከም ዝሰርሑ ኣብቲ ቅዋም መግለጺ ተሓቢሩ ኣሎ።
እቶም ተሳተፍቲ እቲ ኮንፈረንስ፡ ኩሎም ብሄራዊ ውድባት፡ ናይ ሓሳብ ኣፋላለያት ብዘየገድስ ኣካል እቲ ዝጣየስ ምምሕዳር ክዀኑ ኣለዎም ዝብል’ውን ይርከቦ።
እቶም ተቓወምቲኸ እንታይ ይብሉ?
ኣብቲ ኮንፈረንስ ሰለስተ ብሄራዊ ውድባት ትግራይ ናብ’ቲ ጉባኤ ተዓዲሞም ንባዕሎም ከግልሉ እንከለው፡ ንዕኦም ዝተዳለው ወናብር ጥርሖም ኰይኖም ኣብ ኣብ ገለ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርገሐ ኣሳእል ተራእዩ።
እዚ ብዙሕ ከካትዕ ቀንዩ።
ኣቦ መንበር ውድብ ባይቶ ትግራይ፡ ዶ/ር ጸጋዘኣብ ካሕሱ፡ እቲ ዕድመ ከም ዝበጽሖም ኣረጋጊጹ።
“ካብ መጀመርትኡ ብማዕርነት ዝተመስረተ ኣሳነዳኢ ኮሚቴ ስለ ዘይኰነ፡ ኣይንሳተፍን” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ንሱ ከም ዝብሎ፡ እቲ ኮሚቴ ናይ ሓደ ውድብ ድሌትን ባህግን እዩ ዘንጸባርቕ።
"እቲ ከይዲ'ውን ናይ ህዝቢ ትግራይ ውራይ ኣይኰነን፤ ናይ ሓደ ውድብ ውራይ እዩ" ክብል ነቒፉ።
ብተመሳሳሊ ካብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ክንፈ ሓድሽ፡ ውድቦም እቲ ዝተጣየሰ ኣሳናዳኢት ኮሚቴ “ሕጋዊነቱ” ስለ ዘይቅበልዎ፡ ናብቲ ንሱ ዘዋሃሀዶ ጉባኤ ክጽንበሩ ከም ዘይፈቕዱ እዩ ንቢቢሲ ዝዛረብ።
"ክንእቅበሎ እንተዀይና ካብ መጀመርታ ከም ብሓድሽ ንኸሉ ዝሓቁፍ ኮሚቴ ክጣየሽ ይግባእ ነይሩ" ኢሉ።
እቲ ኣሰናዳኢ ኮሚቴ ግን፡ ኣብቲ ክልል ንዘሎ ኹሉ ኣተሓሳስባታት ዝውክልን፡ ዘይሻራውን ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, HAILU KEBEDE (SALSAY WEYANE) TWITTER
ኣካታዒነት ምጥያስ ጊዝያዊ ምምሕዳር
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተኸተመ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ሓድሽ ጊዝያዊ ምምሕዳር ክጣየስ ከም ዘለዎ ይእዝዝ።
እቲ ጊዝያዊ ምምሕዳር ምጥያስ ከይዲ ካብ ዝጅመር ድማ፡ ልዕሊ ክልተ ወርሒ ኣቑጺሩ ኣሎ።
እቲ ውዕል እዚ ሓድሽ ምምሕዳር ምስ ፌዴራል መንግስቲ ብምዝታይ ዝቖውም ዀይኑ፡ ዛጊድ ኣብ መንገኦም እንታይ ዓይነት ዝርርብ ይካየድ ከም ዘሎ ዝተፈልጠ ነገር የለን።
እንተዀነ፡ ዛዕባ ባጀት’ቲ ክልል ክልቀቕ ዝኽእል ድሕሪ ምጥያስ እቲ ሓድሽ ምምሕዳር ከም ዝዀነ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ከም ዘፍለጦም፡ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ምዝራቡ ይዝከር።
እቲ ከይዲ ምቛም ጊዝያዊ ምምሕዳር ኣዝዩ ኣካታዓይ ካብ ምዃኑ ንላዕሊ ድማ ዛጊድ ተግባራዊ ክኸውን ዘይምኽኣሉ ብዙሓት ተወለድቲ እቲ ክልል ቅረታ ኣለዎም።
ድሕሪ ክልተ ዓመት ደማዊ ኲናት ትግራይ፡ ኣገልግሎት ስልክን መብራህትን ኣብቲ ክልል እንተተጀመረ’ኳ፡ እቲ ኣብ ዕጽዋን ክባን ዝጸንሐ ልዕሊ 200 ሽሕ ዝግመት ሰራሕተኛ መንግስቲ ሕዚ'ውን ኣብ ጸበባ ይርከብ።
እቲ ውዕል ሰላም፡ ካብ ዝፍረም ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ'ውን እንተዀነ፡ እቶም ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታተት ደመወዞም ክረኽቡን ናብ ንቡር ስረሖም ክምለሱን ኣይከኣሉን።
እዚ ድማ ብሰንኪ ምጉታት እቲ ምጥያስ ጊዝያዊ ምምሕዳር ከም ዝዀነ እዩ ዝንገር።
እንታይነት እቲ ኣሰናዳኢት ኮሚቴ
እቲ 9 ኣባላት ዝሓቖፈ ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ምጥያሽ ጊዝያዊ ምምሕዳር፡ ቀንዲ ኣባላት እቲ ኮሚቴ ካብ ህወሓትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ኰይኖም፡ ገለ ውሑዳት ድማ ካብ ምሁራን ይርከብዎም።
ኣመሰራርታ እቲ ኮሚቴ ብዝምልከት ካብ ብሄራዊ ውድባት ተቓውሞ ዝገጠሞ ኰይኑ፡ እቲ ዝተሓስበ ሓበራዊ ጊዝያዊ ምምሕዳር ዝብል ኣብ ሕቶ ኣእትዮምዎ ይርከብ።
ዳርጋ ኩሎም እቶም ኣባላት እታ ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ኣባላት ህወሓት ወይ ድማ፡ ምስ ውድብ ህወሓት ቅርበት ከምዘለዎምን ናጻ ከምዘይኮነኑን እቶም ተቓወምቲ ይገልጹ።
እቲ ኮሚቴ መስርሕ ሰነድ ከጽድቕን ነቲ ከይዲ ከቐልጥፎን ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።
ዛጊድ ኣብ ትግራይ ዝተፈላለዩ ተወከልቲ ኣወዳድባታት ዝተረኸብሉ ሸውዓተ መድረኻት ከም ዘካየዱ ኣቦ መንበር እቲ ኮሚቴ ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብቲ ትማሊ ዝተዛዘመ ኮንፈረንስ ተዛሪቡ ኣሎ።
ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘቃለሖ ጽሑፍ ግን፡ ኣመሰራርታ እቲ ኣሰናዳኢ ኮሚቴ ቅቡል ከም ዘይኰነን፡ ንብሄራዊ ውድባት ተቓውሞ ሓዊሱ፡ ክካተቱ ዝግባኦም ቀንዲ ኣካላት ዘግለለ ከም ዝዀነን ነቒፉ።
ጀነራል ጻድቃን ካብ ላዕለዎት ኣዛዝቲ ሰራዊት ትግራይ ሓደ እንትኸውን፡ ኣብ ኣመሰራርታ እቲ ኮሚቴ ኣፈላላይ ከም ዘሎ ዘአንፍት እዩ።
ባህርያት እቲ ጊዝያዊ ምምሕዳር
ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ክፍሊ ትምህርቲ ሕጊ ተሓባባሪ ፕሮፌሰር ገብረመስቀል ሃይሉ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝቐውም ምምሕዳር፡ መሰጋገሪ መንግስቲ ዘይኰነስ፡ ግዝያዊ መንግስቲ ምዃኑ ንቢቢሲ ኣረዲኡ።
“እዚ ከይዲ፡ ናብቲ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ንምምላስ እዩ እምበር ዝተፈለየ ስርዓት፣ ዝተፈለየ ለውጢ ንምምጻእ ሃቂኑ ዝተገብረ ኣይኰነን” ኢሉ።
በዚ መሰረት፡ "ዝፈረሰ መንግስቲ ዳግም ክሳብ ዝውደብን ብመረጻ ክሳብ ዝጣየሽን መጻንሒ መንግስቲ ከም ማለት እዩ” ብምባል የረድእ።
ብመሰረት መብርሂ እቲ ሙሁር፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ትግራይ ዝመጽአ ናይ ስርዓት ለውጢ የለን።
መሰረታዊ ሓሳብ ስምምዕ ፕሪቶሪያ፡ ኣብቲ ክልል ሕገ መንግስታዊ ስርዓት “እቲ ሓደ ወገን ኣፍሪሱዎ” ከም ዝነበረ እሞ እቲ ክልል ናብቲ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ክምለስ ኣለዎ ዝብል መንፈስ ከም ዘለዎ እቲ ሙሁር ይገልጽ።
እቲ ዝጣየስ ጊዝያዊ ምምሕዳር ንሓጺር ግዜ ዝጸንሕን ናብ መረጻ ዘሰጋግርን እዩ ብዝብል ክግለጽ ዝጸንሐ ኾይኑ፡ ካብ 6 ወርሒ ክሳብ ሓደ ዓመት ዝጸንሕ ከም ዝዀነ ኣብቲ ሰነድ ቅዋም መግለጺ ተጠቒሱ ይርከብ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
