ኢትዮጵያ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን ዝሓቖፈ ልኡኽ ኣሜሪካ ፅባሕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, WWW.STATE.GOV
ላዕለዎት ሰበስልጣን ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ወፃኢ ዝርከብዎ ጉጅለ ሰበስልጣን መንግስቲ ኣሜሪካ ካብ ፅባሕ ሰኑይ ጀሚሩ ንመዓልታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጻንሒት ከምዝገብር ተሓቢሩ።
ምስቲ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ዝጅመር ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ብዝተሓሓዝ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጽእ ዘሎ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ጻንሒቱ ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ክዘራረብ ምዃኑ ተፈሊጡ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብተደጋጋሚ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመላለሱ ዝነበሩ ተሓጋጋዚት ጸሓፊት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ንጉዳያት ኣፍሪቃ ሞሊ ፊ ከምኡ’ውን ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ኣብቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣለዉ።
ሞሊ ፊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝህልዋ ጸንሒት ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ብምርኻብ ኣብ ክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት ከምእትዘራረብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣመልኪቱ’ሎ።
ጽባሕ ሰኑይ 4 ለካቲት 2016 ኣ.ግ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣትውን ንሽዱሽተ መዓልታት ዝጸንሕን ልኡኽ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኣመሪካ፡ ወከልቲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፣ ትካላት ጥዕናን ረድኤትን እታ ሃገር ዝሓቖፈ እዩ።
እቲ ልኡኽ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ምስ ዝሳተፋ መራሕትን ሚኒስተራትን ሃገራት ከምኡ’ውን ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን እቲ ሕብረት ክዘራረብ ምዃኑ ይንገር።
ብዘይካ ሰበስልጣን ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ዓለምለኻዊ ድሕነት ጥዕናን ዲፕሎማሲን ዶክተር ጆን ንኬንጋሶንግን ተሓጋጋዚ ኣካያዲ ትካል ልምዓት ኣመሪካ ጨንፈር ኣፍሪቃ ሞንዴ ሙያንግዋን እውን ኣካል ናይቲ ልኡኽ እዮም።
መበል 37 ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ 9ን 10ን ለካቲት 2016 (ኣ.ግ) ዝካየድ ኮይኑ፡ ቅድሚኡ ድማ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈጻሚ ስራሕ ረቡዕ 6ን 7ን ለካቲት 2016 ክሳለጥ እዩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
