ሓድሽ ፕረዚደንት ኬንያ ንኡሁሩ ኬንያታ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ብዝርርብ ክፈትሕ መዚዙዎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓድሽ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ነቲ ዕድመ ስልጣኑ ዘብቅዐ ፕረዚደንት ነበር ኡሁሩ ኬንያታ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንምምፃእ ክገብሮ ዝጸንሐ ፃዕሪ ክቕጽለሉ ከምዝዀነ ገሊጹ።
ዊልያም ሩቶ ሎሚ ሓሙሻይ ፕረዚደንት እታ ሃገር ብምዃን ቃለ መሓላ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ኣብ ዘስመዖ መደረ'ዩ ነዚ ዝገለጸ።
ሩቶ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ኬንያታ፡ ኣብ ኢትዮጵያን ዞባ ዓበይቲ ቀላያትን ሰላም ንምምፃእ ዝነኣድ ስራሕ ሰሪሑ ክብል ንኢዱ።
እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት፡ "ኣብ ኢትዮጵያን ዞባ ዓበይቲ ቀላያትን ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ሰላም፡ ንምሕያል ቃል ኣትየ ኣለኹ" ኢሉ።
እቲ ፕረዚደንት ነበር ሰላም ንምምፃእ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ክቕፅል ከምዝተሰማምዑ እውን ገሊጹ።
ዳርጋ ክልተ ዓመት ዝመልኦ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ንምፍታሕ ምስ ዝግበሩ ፈተነታት ልዝብ ተዛሚዱ ፡ ስም ኡሁሩ ኬንያታ ብተደጋጋሚ ክለዓል ጸኒሑ'ዩ።
ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ርግእቲ ሃገር ተባሂላ ትጥቀስ ኬንያ፡ ምስ ኢትዮጵያ ጥቡቕ ዝምድና ከምዘለዋ ዝዝረብ ኮይኑ፡ ኬንያታ ኲናት ትግራይ ድሕሪ ምጅማሩ ብተደጋጋሚ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝገሸ ይዝከር።
ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ነቲ ደማዊ ኲናት ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምርካብ ክጽዕር ከም ዝጸንሐ ይዝረብ።
ብፍላይ ሓይልታት ትግራይ፡ ምስ መንግስቲ ኣብ ዘካየድዎ ልዝብ፡ ኣብ ክንዲ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ እቲ ሎሚ ስልጣን ዘረከበ ኡሁሩ ክኣልዮም፡ ብተደጋገሚ ሓቲቶም እዮም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኣንፃሩ: ሕብረት ኣፍሪካ ቀዳማይ ሸምጋሊ ክኸውን መርገፂኡ ኣፍሊጡ እዩ።
ቅድሚ ሒደት መዓልታት ግን፡ መራሕቲ ትግራይ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት-ሕብረት ኣፍሪካ ንምልዛብ ድልዋት ምዃኖም ገሊጾም ኣለዉ።
እንተዀነ፡ ሕዚ’ውን እቲ ልዝብ፡ ብፕረዚደንት ነበር ናይጀርያ ኦለሰጉን ኦባሳንጆ፡ ክእለ ከምዘይደልዩ ኣነጺሮም ኣለዉ።
ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ንኣዋርሕ ሃዲኡ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ከም ብሓድሽ ደጊስዎ ኣሎ።
ኬንያታ ብዘይካ ኢትዮጵያ፡ ንዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፣ ብሩንዲ፣ ሩዋንዳን ኡጋንዳን ዘጠቓለለ ዞባ ዓበይቲ ቀላያት ንዘጋጥም ጸገም ጸጥታን መፍትሒ ኣብ ምርካብ ሓያል ኣበርክቶ ክገብር ጸኒሑ’ዩ።
ዝምድናኡ ጋንዳን ሩዋንዳን ተበላሽዩ ይርከብ። ቅድሚ ሒደት ዓመታት፡ መንግስቲ ሙሰቨኒ ኣብ ሩዋንዳ፡ ንፖል ካጋሜ ካብ ስልጣን ክወርድ ንዝደሊ ዕጡቕ ጉጅለ ይድግፍ ኣሎ ብምባሉ ዶብ ተዓጽዩ ነይሩ።
እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት፡ ምስቲ ሎሚ ፕረዚደንትነቱ ዘረከበ ኡሁሩ ኬንያታ ዘተ ከም ዘካየደ ዝገለጸ ዊልያም ሩቶ፡ ኬንያታ ነቲ ዝጀመሮ ናይ ሰላም ጻዕሪ ንምቕጻል ድልውነቱ ከምዘረጋገጸሉ ኣመልኪቱ።
ሓድሽ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ፡ ሎሚ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ "ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ፡ ንህዝቢ ኬንያ ወኪሉ ነቶም ዝርርባት ክመርሕ ተሰማሚዑ ኣሎ። ክትሕግዘኒን ክትድግፈኒን ስለ ዝፈቐድካ፡ የቐንየለይ" ኢልዎ።
ኣብ በዓለ ሲመት ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ሓዊሱ መራሕቲ ዓበይቲ ቃላያት ተረኺቦም እዮም።
እዚ ወዲ 55 ዓመት ሓድሽ ፕረዚደንት፡ ንዝሓለፉ ዓመታት ምክትል ፕረዚደንት ኬንያ ኮይኑ ክመርሕ ጸኒሑ'ዩ።
ሩቶ፡ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ኣብ ዝተኻየደ መረጻ፡ ንመወዳድርቱ ራይላ ኦዲንጋ ብጸቢብ ድምጺ ድሕሪ ምስዓሩ ተዓዋቲ ኮይኑ ወጺኡ።
ፕረዚደንት ሩቶ፡ ኣብቲ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝጸደቐ ምርጫ፡ ብ50.5 ሚእታዊት ድምጺ ክዕወት እንከለዉ፡ መወዳድርቱ ራይላ ኦዲንጋ ድማ 48.8 ሚእታዊት ድምጺ ረኺቡ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
