እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ‘ኢሰፓ’ ንዘቕረቦ ሕቶ ምዝገባ ፖለቲካዊ ሰልፊ ነጺጉ
ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ‘ሰልፊ ሰራሕተኛታት ኢትዮጵያ’ (ኢሰፓ) ብዝብል ዝቐረበ ሕቶ ምዝገባ ፖለቲካዊ ሰልፊ ውድቂ ገይሩ።
ቅድሚ 30ታት ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ብሕታዊ ገዛኢ ሰልፊ ዝነበረ ኢሰፓ፡ ዘይሕጋዊ ተባሂሉ ካብ ፖለቲካዊ መድረኽ እታ ሃገር ካብ ዝእለ ንድሓር ንፈለማ እዋን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት'ዩ ሃገራዊ ሰልፊ ኰይኑ ክምዝገብ ሕቶ ቐሪቡ።
እቲ ቦርድ፡ ምስ ሽም እቲ ፕሬዝደንት ስርዓት ደርጊ ዝነበረ መንግስቲ ሃይለማርያም ተመሳሳሊ ዝዀነ ፖለቲካዊ ሰልፊ ንምምዝጋብ ዝቐረበሉ ሕቶ ዝነጸገሎም ምኽንያታት ዘርዚሩ ኣሎ።
ብመሰረት ኣዋጅ ምዝገባን ስነ ምግባር መረጻን፡ ስያመ እቲ ንምዝገባ ሕቶ ዘቕረበ ሰልፊ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝነበረ ዝመሳሰል ስለ ዝዀነ፡ ኣብ መረጽቲ ምድንጋር ዝፈጥር እንተዀይኑ፡ እቲ ቦርድ ክቕበሎ ኣይግባእን ይብል።
ብተወሳኺ፡ ድሕሪ ምእላይ ስርዓት ደርግ ዝወጽአን ክሳብ ሕጂ ዘይተቐየረን ‘ኣዋጅ ስነ ስርዓት ሰላማዊ ሰልፍን ህዝባዊ ፖለቲካዊ ኣኼባታትን’፡ ነቲ ኢሰፓ ዝተባህለ ሰልፊ ጸረ ዴሞክራስን ገበነኛን ውድብ ብምባል ብሕጊ ክፈርስ ገይሩ እዩ።
እቲ ሕጂ ንምዝገባ ሕቶ ዘቕረበ ሰልፊ፡ ምስቲ ዝሓለፈ ስርዓት ዘለዎ ምምስሳል ሽም ጥራይ ዘይኰነ፡ “ሕጂ’ውን ብዘሎ ሕጊ፡ ገበነኛ ተባሂሉ ምስ ዝተገለጸን ዝፈረሰን ትካል” ዝመሳሰል እዩ ክብል እቲ ቦርድ ገሊጹ።
እቲ ክታም ኣካቢት እቲ ቦርድ ብርቱኳን ሚደቅሳ ዘለዎ ደብዳበ እቲ ቦርድ፡ እቶም ኣባለት እቲ ሰልፊ ብኻልእ ሽም ተወዲቦም ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ናይ ምግባር መሰሎም ዝተሓለወ እዩ ይብል።
ሰልፊ ሰራሕተኛታት ኢትዮጵያ -ኢሰፓ
ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ ምእላይ ስርዓት ሃይለስላሴ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ወተሃደራዊ ስርዓት ምስ ኣተወት ብኲናት ሓድሕድ፣ ድርቅን ጥምየትን እናተሓመሰት’ውን ስርዓት ደርግ ን17 ዓመታት ኣብ ስልጣን ጸኒሑ’ዩ።
ነቲ ንጉሳዊ ስርዓት ካብ ስልጣን ዝኣለየ ወተሃደራዊ ኮሚቴ ደርግ፡ ነታ ሃገር ዝመርሓሉ ስርዓት ናብ ማህበርነት [ሶሻሊዝም] ብምቕያር ሰልፊ ሰራሕተኛታት ኢትዮጵያ [ኢሰፓ] ብምውዳብ ምስ መበል 10ይ ዓመት ጽምብል ሰውራ ብምትሕሓዝ መስከረም 1977 ኣቆጻጽራ ግእዝ እቲ ሰልፊ ብሕታዊ ገዛኢ ሰልፊ ኰይኑ ተመስሪቱ።
እቲ ሰልፊ ፡ ሕጂ ኣብ ስደት ብዝርከብ መንግስቱ ሃይለማርያም'ዩ ይምራሕ ነይሩ።
እንተዀነ፡ እዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት መሓውር ዘርጊሑ ዝነበረ ሰልፊ ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ስልጣን እንከይጸንሐ፡ ኣብ ኤርትራ ብህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ቃልሲ ዘካይድ ብዝነበረ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ኣብ ኲናት ተሳዒሩ ካብ ስልጣን ተኣልዩ።
ድሕሪኡ፡ ብምኽንያት ደርግ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሓሎም 17 ዓመታት ዝተፈጸሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ኢሰፓ ዘይሕጋዊ ሰልፊ ተባሂሉ፡ ኣመራርሕኡን ኣባላቱን ብማእሰርቲ ክቕጽዑ ተገይሩ።
መብዛሕትኦም ኣባላት እዚ ሰልፊ፡ ብዕድመን ዝተፈላለዩ ምኽንያታትን ክሞቱ እንከለው፡ ውሑዳት ዘይብሃሉ ድማ ቅድሚ 20 ዓመታት ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ወጻእን ኢትዮጵያን ይነብሩ ኣለው።
ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ድማ፡ መንነቶም ዘይተገልጸ ውልቀሰባት ተኣኪቦም ኢሰፓ ሃገራዊ ሰልፊ ኰይኑ ንክምዝገብ ሕቶ ምቕራቦም ከዘራርብ ቀንዩ።
ሕጂ’ውን፡ እቶም ነዚ ሕቶ ዘቕረቡ ውልቀሰባትን ኣባላትን ኣመራርሓን እቲ ናይ ቀደም ኢሰፓ ድዮም ኣይኰኑን ዝብል ኣይተፈልጠን።