ደቡብ ሱዳን 20 ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ጠሪዛ

ኢሜግረሽን ደቡብ ሱዳን፡ ጁባ 2018

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኢሜግረሽን ደቡብ ሱዳን፡ ጁባ 2018
Published

ደቡብ ሱዳን ብዘይወግዓዊ ሰነድ ናብታ ሃገር ክኣትዉ ረኺበዮም ዝበለቶም 20 ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያንን ከምዝጠረዘት ተገሊጹ።

እቶም ስደተኛታት ካብ ዩጋንዳ፡ ሱዳንን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን  ዝተበገሱ ኮይኖም ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጁባ’ዮም ተታሒዞም።

ሓላፊ ኢሚግሬሽን ደቡብ ሱዳን ሌተናል ጀነራል ኣተም ማሮል ቢያር፡ እቶም 20 ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ናብቲ ዝተበገስሉ ቦታ ከምዝተመለሱ ምግላጹ፡ ራድዮ ካቶሊክ ኔትዎርክ ነቲ ሓላፊ ብጥቃስ ገሊጻ።

ሰብመዚ ኢሚግሬሽን ደቡብ ሱዳን፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም መበቆሎም ካብ ልዕሊ 20 ሃገራት ዝኾኑ ስደተኛታት ክሰጉ ምዃኖም ገሊጾምነይሮም’ዮም።

ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ጁባ ምስበጽሑ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ እዞም ስደተኛታት ብዘይ ፓስፖርት ይኹን ናይ መገሻ ሰነድ ናብታ ሃገር ከምዝኣተዉ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቶም ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጁባ ዝተተሓዙ ስደተኛታት፡ ኣብ ሰሜናዊ ደቡብ ሱዳን ካብ ዝርከባ ከተማታት ቤንቲዩን ፓሎችን ብናይ ውሽጢ ሃገር በረራታት ናብ ጁባ ከምተጓዓዙ ሓደ በዓል ስልጣን ኢሚግሬሽን ተዛሪቡ።

ኣብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ሓላፊ ኢሚግሬሽን ሌተናል ጀነራል ኣተም ማሮል ቢያር ናብ ዝመጹሉ ቦታ ከም ዝጥረዙ'ውን ገሊጹ።

ናይ መገሻ ሰነድ ይኹን ምስ ዝኾነ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝንቀሳቐስ ትካል ርክብ ስለዘይብሎም ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ እቲ ሌተናል ጀነራል ወሲኹ ገሊጹ።

ናይ’ቲ ከባቢ ጋዜጣ 'ዘ ዳውን'፡ “ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ሰነድ ዘይብሎም ሰባት ምቕባል ክንቅጽል ኣይንኽእልን። ናይ መገሻ ሰነድ ዘይሓዙሉ ምኽንያት እንታይ ከምዝኾነ ስለዘይንፈልጥ፡ ንሃገርና ኣብ ሓደጋ ከእትዋ ይኽእል’ዩ” ክብል ነቲ ጀነራል ብምጥቃስ ጸብጺቡ።

እቶም ስደተኛታት፡ ክሳብ ዝጥረዙ ንወጻእተኛታት ኣብዝተዳለወ፡ ኣብ ጁባ ዝርከብ ፍሉይ ማእከል ስደተኛታት ኮሎሎ ተኣሲሮም ከምዝጸንሑ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊጸን ኔረን።

እታ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገረ ደቡብ ሱዳን ክነግዱ ናይ ዝመጹ ብዙሓት ስደተኛታት መዕረፊት እያ።

ብሰንኪ እቶም ብቐሊሉ ዝስገሩ ዶባታ ግን ዋሕዚ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ክትቆጻጸሮ ተጸጊማ ትርከብ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ፡ ኣብ ሱዳን ብፍላይ ከኣ ኣብ ካርቱም ዝነብሩ ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያንን፡ ብሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ብቐጻሊ እናተገፉ ይእሰሩን ዘይተኣደነ ገንዘብ ክኸፍሉ ይግደዱን ከም ዘለው፡ ምንጭታት ካብ ካርቱም ንቢቢሲ ሓቢሮም ምንባሮም ይዝከር።

ብሰንኪ እዚ ካብቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ግፋታት ንምህዳም ብዙሓት ሰባት ናብ ደቡብ ሱዳንን ካልኦት ሃገራትን ክስደዱ ተገዲዶም ምህላዎም ይግልጽ።