ደቡብ ሱዳን 'ዘይሕጋውያን' ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ክትሰጉግ'ያ

መዓርፎ ነፈርቲ ጁባ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published

ሰብመዚ ኢሚግሬሽን ደቡብ ሱዳን፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም መበቆሎም ካብ ልዕሊ 20 ሃገራት ዝኾኑ ስደተኛታት ከምዝሰጉግ ገሊጹ።

ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ጁባ ምስበጽሑ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ እዞም ስደተኛታት ብዘይ ፓስፖርት ይኹን ናይ መገሻ ሰነድ ናብታ ሃገር ከምዝኣተዉ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቶም ስደተኛታት ካብ ርእሰ ከተማ ሱዳን ካርቱም ናብ ደቡብ ሱዳን ዕቝባ ንምርካብ ዝመጹ እዮም።

ኣብ ሰሜናዊ ደቡብ ሱዳን ካብ ዝርከባ ከተማታት ቤንቲዩን ፓሎችን ብናይ ውሽጢ ሃገር በረራታት ናብ ጁባ ከምተጓዓዙ ሓደ በዓል ስልጣን ኢሚግሬሽን ተዛሪቡ።

ኣብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሓላፊ ኢሚግሬሽን ሌተናል ጀነራል ኣተም ማሮል ቢያር ናብ ዝመጹሉ ቦታ ከም ዝጥረዙ'ውን ገሊጹ'ሎ።

ናይ መገሻ ሰነድ ይኹን ምስ ዝኾነ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝንቀሳቐስ ትካል ርክብ ስለዘይብሎም ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ እቲ ሌተናል ጀነራል ወሲኹ ገሊጹ።

ናይ’ቲ ከባቢ ጋዜጣ 'ዘ ዳውን'፡ “ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ሰነድ ዘይብሎም ሰባት ምቕባል ክንቅጽል ኣይንኽእልን። ናይ መገሻ ሰነድ ዘይሓዙሉ ምኽንያት እንታይ ከምዝኾነ ስለዘይንፈልጥ፡ ንሃገርና ኣብ ሓደጋ ከእትዋ ይኽእል’ዩ” ክብል ነቲ ጀነራል ብምጥቃስ ጸብጺቡ።

እቶም ስደተኛታት፡ ክሳብ ዝጥረዙ ንወጻእተኛታት ኣብዝተዳለወ፡ ኣብ ጁባ ዝርከብ ፍሉይ ማእከል ስደተኛታት ኮሎሎ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊጾም ኣለዉ።

እታ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገረ ደቡብ ሱዳን ክንግዱ ናይ ዝመጹ ብዙሓት ስደተኛታት መዕረፊት እያ።

ብሰንኪ እቶም ብቐሊሉ ዝስገሩ ዶባታ ግን ዋሕዚ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ክትቆጻጸሮ ተጸጊማ ትርከብ።

ኣብ ጁባ ዝነብር ሓደ ኢትዮጵያዊ ብፍሉይ ንሳውዝ ሱዳን ፖስት ዝተባህለ ማዕከንእ ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ገለ ካብቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ካብ ሃገሮም ሃዲሞም ዝመጹ ስለዝኾኑ ምብራሮም ንድሕነቶም ዓቢ ስግኣት ከምዝኾነ ይሕብር።

እቲ ንድሕነቱ ሰጊኡ መንነቱ ክግለጽ ዘይደለየ ኢትዮጵያዊ፡ “ኣብ ቀረባ ግዜ ካብ ኢትዮጵያ ሃዲሞም መጺኦም፡ ተመሊሶም ናብኡ እንተተሰጒጎም ክእሰሩ፣ ወይ’ውን ክቕተሉ ይኽእሉ እዮም” ከምዝበለ ሳውዝሱዳን ፖስት ኣብ መርበቡ ገሊጹ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኤርትራውያን ስደተኛታት እውን ተመሳሳሊ ስግኣት ክህልዎም ከምዝኽእል ይግመት።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ፡ ኣብ ሱዳን ብፍላይ ከኣ ኣብ ካርቱም ዝነብሩ ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያንን፡ ብሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ብቐጻሊ እናተገፉ ይእሰሩን ዘይተኣደነ ገንዘብ ክኸፍሉ ይግደዱን ከም ዘለው፡ ምንጭታት ካብ ካርቱም ንቢቢሲ ሓቢሮም ምንባሮም ይዝከር።

ኣብቲ እዋን፡ እቶም ካብ ሃገሮም ብዘይ ፍቓድ ዝስደዱ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤምባሲ ከይዶም ሓገዝ ክሓቱ ከምዝጽገሙ፡ ንኣስታት 20 ዓመት ኣብ ካርቱም ዝነብር ኣለም ዑቕባይ ዝተባህለ ኤርትራዊ ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣባላት ጸጥታ እታ ከተማ ንሰባት ብኣልማማ እናኣስሩ፡ ካብ 400-500 ዶላር ኣሜሪካ ከፊሎም ንኽወጽኡ የገድዱዎም ከምዘለው ካልኦት ምንጭታት'ውን ቢቢሲ ገሊጾም እዮም።

ዝበዝሕ ስደተኛ ካብ ዓዱ ብዘይ ፍቓድ ስለዝወጽእ እንተተመሊሱ ጸገማት ከጋጥሞ ከምዝኽእል ስለዝርዳእ ዝተባህሎ ክኸፍል ከምዝግደድ ጸብጻባት ይገልጹ።

እቲ ኵነታት እናኸፍአ ምስ ከደ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሱዳን ምስ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ጸጥታ ሱዳን ተዘራሪቡ ነቲ ጉዳይ መግትኢ ክግበረሉ ሓተቱ ነይሩ።

እንተዀነ መንግስቲ ሱዳን ብዛዕባ እቲ ዝግበር ዘሎ ኣፍልጦ ከም ዘይብሉን፡ ብናይ ከባቢ ፖሊስ፡ ኣብ ታሕተዋይ ጽፍሒ ዝግበር ናይ በለጽ ተግባር ምዃኑ ከምዝተሓበሮም፡ ኤምባሲ ኤርትራ ሓቢሩ ነይሩ።

ብካልእ መዳይ፡ ዞባዊ ወሃቢት ቃል ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ፈይዝ ካሲና፡ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣብ ዘዕቈብሎም መዓስክራት ስደተኛታት ሱዳን በዲዶ ህበይ ከም ዝተረኸበ ኣረጋጊጻ ነይራ።

“ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መዓስክር ስደተኛታት ምብራቕ ሱዳን በዲዶ ህበይ ብምእታዉ ኣዝዩ ተሻቒሉ ይርከብ” ዝበለት እታ ወሃቢ ቃል፡ እቶም በቲ ሕማም ዝተለኽፉ ግቡእ ሕክምናዊ ድጋፍን ናብዮት ይግበረሎም ከም ዘሎን፡ ናይ ምፍላይ ስጕምቲ ከም ዝተወስደን ወሲኻ’ውን አመልኪታ እያ። 

ኣብ ሱዳን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያንን ኢትጵዮያውንን ስደተኛታት ተዓቚቦም ይርከቡ። ኣብ ምብራቕ ሱዳን ጥራይ፡ ኣስታት 113 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዝርከቡ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ። ካብ'ዚኦም ድማ ልዕሊ 83 ሽሕ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ይርከቡ። ዝተረፉ 30 ሽሕ ድማ ኣብ ከተማታት ሱዳን ሰፊሮም ይነብሩ።