ኣምባሳደር ደቡብ ሱዳን ኣብ ኤርትራ 'ሃንደበት' ኣብ ናይሮቢ ሞይቱ

ምንጪ ስእሊ, South Sudan Foreign Ministry/Facebook
Published
ንባብ: 1 ደቓይቕ
ናይ ደቡብ ሱዳን ኣምባሳደር ኣብ ኤርትራ ማይክል ኒያንግ፡ ኣብ ኬንያ ሃንደበት ወዲቑ ከምዝሞተ ተገሊጹ።
እቲ ኣምባሳደር፡ ኣብ ሓደ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ዝርከብ ባንክ ብስርሑ ድሕሪ ምእታዉ ሃንደበት ከምዝወደቐ ማዕከናት ዜና ኬንያን ደቡብ ሱዳንን ሓቢረን።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ሱዳን ብሞት ወዲ 66 ዓመት ኣምባሳደር ማይክል ኒያንግ ጁክ ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ'ሎ።
"ኣምባሳደር ኣንያንግ፡ ዕዉትን ንኡድን ዲፕሎማት'ዩ ነይሩ፡ ደቡብ ሱዳን ክትዝክሮ ክትነብር'ያ" ክብል ኣብ ትዊተር ገሊጹ።
ፖሊስ ነቲ ምስጢሩ ዘይተፈልጠ ሞት ይምርምርዎ ከምዘለዉ ጸብጻባት ሓቢሮም። ሓደ ጉጅለ ሓካይም ንጠንቂ ሞቱ የጻሪ ከምዘሎ'ውን ተገሊጹ።
እቲ ባንክ፡ ነቲ ንሱ ዝወደቐሉ ጨንፈር ንግዚኡ ከምዝዓጸዎ ኣፍሊጡ'ሎ ተባሂሉ።
ዛጊት ብወገን ኤርትራ ዝተዋህበ መግለጺ ወይ ግብረ መልሲ የለን።
![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

