ፖለቲከኛ ክብሮም በርሀ ብዛዕባ ማእሰርቱ እንታይ ይብል?

ክብሮም በርሀ

ምንጪ ስእሊ, KIBROM ZEBIB SIBHATLEAB (ሴኮንድ ያ-ኣ)

Published

ኣቶ ክብሮም በርሀ ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ሰልፊ ባይቶና ዓባይ ትግራይ፡ ዝሓለፈ ሓምለ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ 3 ጥቅምቲ 2022 ከም ዝተፈትሐ ዝፍለጥ እዩ።

ብዛዕባ'ዚ ኣቶ ክብሮም፡ ንኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ብሓይልታት ጸጥታ ፈደራል ኣብ ማእሰርቲ ከም ዝጸንሐ ጠቒሱ፡ መንግስቲ፡ ምስኡ ኣብ ሓደ መዝገብ ንዝነበሩ ኣርባዕተ ሰባት፡ ንጕጅለ ሽበራ ህወሓት ብፋይናንስ ብምሕጋዝን ንመናእሰይ ትግራይ ዘለዓዕል መጽሓፍቲ ምጽሓፍን ዝብል ክሲ ከም ዘቕረበሎም ገሊጹ።

ህወሓት፡ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ መዝገብ ሽበራ ካብ ዝኣተዉ ሓይልታት ፖለቲካ ምዃኑ ይፍለጥ።

እቲ ፖለቲከኛ፡ ኣብ ቀይዲ ቅድሚ ምእታው “ምጽኣት” ብዝብል ኣርእስቲ ምስ ኲናት ትግራይን ፖለቲካ እታ ሃገርን ምትእስሳር ዘለዎ መጽሓፍ ከም ዘሕተመ ይፍለጥ።

“መጀመርታ ንበዓልቲ ገዛይ እዮም ሒዞምዋ፤ ደሓር ንዓይ ምስ ደወሉለይ ከይደ። ንዓይ ናብ መኪና ኣእትዮም ድማ ንዓኣ ሰዲዶምዋ፤ ስለዚ ዓፈና እዩ ነይሩ፡” ኢሉ።

እቶም ሽዑ ዝሓዝዎ ሰባት ሲቪል ዝተኸደኑ መንነቶም ዘይፍለጥ ውልቀሰባት ከም ዝዀኑ ተዛሪቡ።

ኲናት ትግራይ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገርን ዝነብሩ ተጋሩ ግዳያት ማእሰርቲ ከም ዝዀኑን ትካላቶም ከም ዝተዓጽወን ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

’ህይወትና ኣብ ሓደጋ ዝወደቐሉ ግዜ ነይሩ’

ክብሮም፡ ብሰንኪ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ንዝወርድ ዘሎ ዕንወት ንመንግስቲ ፈደራል ከምኡ’ውን መራሕቲ ህወሓት ኣትሪሮም ካብ ዝነቕፉ መራሕቲ ሰልፊታት እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ንሱ፡ መጀመርታ ምስ ንእሽቶ ሓውን ካልኦት ከባቢ 40 ዝዀኑ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከባኦም ተጋሩን ከም ዝተኣስረ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ነተን ደቂኣንስትዮ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፈትሕወን እንከለዉ፡ ነቶም ደቂተባዕትዮ ግን ኣብ ክልል ዓፋር ናብ ዝርከብ “ኣዋሽ ሰባት” ዝተባህለ መዓስከር ወተሃደራት ከም ዝወሰድዎም ይገልፅ።

“ቤት ፍርዲ ብዋሕስ ይውጽኡ ኢሉ ምስ ኣዘዘ፡ ብለይቲ ናብ ዓፋር ወሲዶምና። ብጣዕሚ ከቢድ ጸገም ነይርዎ፤ ኣዋሽ ሰባት ኣብ ዝበሃል ወተሃደራዊ መዓስከር ኣብ ጸቢብ ገዛ ክሳብ 100 ዝኸውን ሰብ ተዓጺና ጸኒሕና” ኢሉ።

ፖሊስ፡ ክብሮም ንዝርከቦም ኣርባዕተ መጽሓፍ ‘ምጽኣት’ ሒዞም ዝተረኸቡ ሰባት ንህወሓት ብፋይናንስ ብምድጋፍን መናእሰይን ብምልዕዓልን ክኸሶም እንከሎ፡ ትሕዝቶን ዝተጽሓፈሉ ቋንቋን [ምጽኣት ብትግርኛ’ዩ ተጻሒፉ] እታ መጽሓፍ ካብ ዝተኸሰሰሎም ጉዳያት ሓደ ከም ዝነበረ ሓቢሩ።

“ንሕና ተቓወምቲ ምዃንና መንግስቲ ይፈልጥ እዩ፤ እቲ ማእሰርቲ ግን ብሸፈጥ ንዓና ንምውዳቕ ኰነ ተባሂሉ ዝተገብረን ኣካል እቲ ኣብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ጉድኣት ደኣ እምበር፡ ዝውዓልክዎ ኣይኰነን” ብምባል ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ ይነጽግ።

በዚ ምኽንያት ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣብ ክልል ዓፋር ክእሰር እንከሎ፡ እቲ ከባቢ ልዑል ሙቐት ዘለዎ ብምዃኑ ኣጸጋሚ እዋን ከም ዘሕለፈን መግብን ማይን ይሽግሮም ከም ዝነበረን ይጠቅስ።

“ህይወትና ኣብ ሓደጋ ዝወደቐሉ’ዩ ነይሩ። ብዙሓት መድሃኒት ክረኽቡ ኣይከኣሉን። ዝነበሮም መድሃኒት ሽኮር፣ ኲሊት ዝተኸልኡ ኣለው። መርመራ ኸኣ ለይቲ ግፍዓዊ ብዝዀነ መገዲ ይገብርዎ ነይሮም።”

እቲ መጽሓፍ እናተተርጐመ ይሕተትን መርመራ ይግበረሉን ከም ዝነበረ ዝገልጽ ክብሮም፡ ብፍሉይ ዝወረዶ ኣካላዊ ሃሰያ’ኳ እንተዘይሃለወ መንፈሳውን ሞራላውን ጉድኣቱ ግን ልዑል ከም ዝነበረ ተዛሪቡ።

“ማህሰይቱ ብዙሕ’ዩ፤ ጸርፊ ኣሎ። ካብ ሰብነትና ዝወጽእን እነእትዎ ፈሳስን ስለ ዘይመጣጠን ደም ኢና ንሸይን ነይርና፤ መብዛሕትኡ ናይ ኵሊት ጸገም ኣጋጢሙዎ’ዩ። ካብ እንወጽእ ኣትሒዙ ሕክምና ንከታተል ኢና ዘላ፤ ጥዕና ኣይረኸብናን፡” ኢሉ።

ኣብ ክልል ዓፋር፡ ኣስታት 200 ሰባት ኣብ ክልተ ክፍሊ ተኣሲሮም ከም ዝነበሩ ዝገልጽ ክብሮም፡ መግብን ሽቓቕን ከምኡ’ውን ኣብ ሰዓታት ለይቲ ዝግበሩ መርመራታት ፖሊስ ኣዝዮም ከበድቲ’ዮም ነይሮም ብምባል የረድእ።

ብተወሳኺ፡ ድሕሪ 36 መዓልታት ናብ ኣዲስ ኣበባ ክምለሱ እንከለው፡ መብዛሕትኦም ተፈቲሖም። ተጋሩን ተወለድቲ ካልኦት ብሄራት ዝርከብዎም 41 ሰባት ዝኽሰሱ ተባሂሎም ተፈልዮም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣባ ሳሙኤል ኣብ ዝበሃል ቀጽሪ ተኣሲሮም ምጽንሖም ይገልጽ።

ፖሊስ፡ ኣብ ልዕሊኦም ዝኸፈቶ ክሲ ተመርኲሱ መርመራ ክገብር ጸኒሑ፤ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብመሰረት ዘሕለፎ ውሳነ፡ ኣቶ ክብሮም ብዋሕስ ክልተ ሽሕ ብር ተፈቲሑ ኣሎ።